Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2022.06.28 - Tigrinya - "Reizen met openbaar vervoer"

ቀንዲ ገጽ > Reizen met openbaar vervoer

ብህዝባዊ መጓዓዝያ እትጐዓዝ

ኣብዚ ብህዝባዊ መጓዓዝያ ዝግበር ጕዕዞ ምናልባት ካብቲ ንስኻ ዝለመድካዮ እተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብባቡር፣ ትራም፣ ሜትሮ ወይ ኣውቶቡስ ንኽትጐዓዝ ካርድ (OV-chipkaart) የድልየካ እዩ። ከከም ዕላማ ጕዕዞኻ ከኣ ነቲ ንጕዕዞ ዝኽፈል ወጻኢታት COA ክኸፍሎ ወይ ከይከፍሎ ይኽእል እዩ።

Reizen

- Reizen met het openbaar vervoer, persoonsvervoer en taxi is toegestaan.
- Het dragen van een mondkapje is verplicht op plekken waar je geen 1,5 meter afstand kunt houden. Bijvoorbeeld in de bus, tram, taxi, trein, metro of vliegtuig. En in het persoonsvervoer tussen de locaties. Dit geldt voor iedereen van 13 jaar en ouder.
- Zet het mondmasker niet af als je in het openbaar vervoer zit. Je krijgt een boete van € 95 als je het mondkapje niet draagt.
- Ook op het station en de luchthaven moet je een mondkapje dragen.
- Houd altijd een mondkapje bij de hand voor als je geen 1,5 meter afstand kunt houden.
- Reis zoveel mogelijk op rustige momenten en vermijd de drukte onderweg en op stations.
- Het COA deelt geen mondkapjes uit. Je moet ze zelf kopen of maken.
                                                                                                                                                                                     
Alle andere algemene Corona maatregelen gelden ook in het openbaar vervoer. Blijf thuis als je koorts hebt.                                                             
 

OV-chipkaart

ብናይ ህዝባዊ መጓዓዚ ከፊልኩም ክትጓዓዙ ሓደ (OV-chipkaart) ካርድ የድልየኩም። በዚ OV-chipkaart  (ዊን OV-chip)ኣብ ኣውቶቡስ፣  ባቡር፣ ትራምን ሜትሮን ክትከፍሉ ትኽሉ። 2 ዓይነት ኣሎ።ብሽምካ  OV-chipkaart ን ሽም-ኣልቦ OV-chipkaar።

ሽም-ኣልቦ OV-chipkaart
ኣብ pol መብዛሕቱ ጊዜ COA ሽም-ኣልቦ OV-chipkaart ይህብ። እዚ ውሑድ ገዘብ ኣለዎ፣ ዕላምኡ ንመጀመርያ እዋን ጉዕዞኹም ናብ መዕቆቢ እዩ።

anonieme_chip.png [1]

OV-Chip

anonieme_chipzw.png [2]

እንተ ኣብ  pol OV-chipkaart ዘይተቀቢልኩም ባዕልኹም ሓደ ግዝኡ። ሓደ ሽም-ኣልቦ OV-chipkaart ኣብ ኣውቶማት ኣብ ድኳን ዊን ኣብ መዓርፎ ባቡር፡ ኣውቶቡስ ይግዛእ። ዊን ኣብ መዓርፎ ምድሪ ባቡር ነዘርላንድ (NS)። COA ሓደ ጊዜ እቲ መግዝኢ ዋጋ ናይ OV-chipkaart ( € 7,50) ትመልሰልኩም። ድሕሪ ካርድ ምግዛኩም እቲ ዘውጻክምዎ ወጻኢ ንናይ COA-ሰራሕተኛ ክመልሰልኩም ሕተቱ።

ብሽም OV-chipkaart
ብሽም OV-chipkaarten እውን ኣሎ።እዚ ሽምኹም፣ ዕለተ ልደትን ጉርዶ ሰእሊ ዘለዎ ኢዩ። እቲ ረብሓ ናይዚ ብሽም ካርድ ኣቀዲምካ ክፍሊት ኣብዚ ካርድ ከተስፍር ይከኣል ዊን ብ ናይ ዕድመ ቅነሳ ክትገይሽ ይከኣል።ነዚ ናይ ባንክ ሕሳብ የድልየካ።እዚ ብ Moneycard ኣይከኣልን እዩ።

persoonlijkeovchip.png [3]

Persoonlijke OV-chip

chipppgeboorte.png [4]

OV-chip persoonlijk

ዝወሓደ ጸኒሕ
ኩሉ ጊዜ ዝኣክል ገንዘብ ኣብ OV-chipkaart ከምዝህሉ ግበሩ። እንተዘይኮነ ክትጉዓዙ ኣይከኣልን። ብኣቶቡስ፣ ትራም ዊን ሜትሮ ክትጓዓዙ ዝወሓደ 4 ኤውሮ መበገሲ ኣብ ካርድኹም ኽህሉ ኣለዎ። ጉዕዞ ብባቡር ዝወሓደ 20 ኤውሮ ክህልወኹም ኣለዎ።

ናይ መጓዓዚ ወጻኢ
COA ናይ ዑቅባ መስርሕ፣ ትምህርቲን ጉዳይ ጥዕናን ዝምልከት ካብ 10 ኪሎመተር ወጻኢ ይሽፍን። ወጻኢ ንዉልቃዊ መገሻ  ኣይከፍልን። ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምወላ፣ መጓዓዚ ወጻኢ ኣንብቡ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ መጓዓዚ ወጻኢ ናይ COA ናይ ሓበሬታ ጣዉላ  ተወከሱ።

Links extern

  • OV-chipkaart.nl [5]
    http://www.ov-chipkaart.nl/home.htm

OV-ንሓደ መዓልቲ ዘገልግል ካርድ (ን1 መዓልቲ ነጻ OV)

OV-dagkaart ንሓደ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ገደብ ኣብ ምሉእ ኔዘርላንድ ንህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጥቀመሉ እትኽእል ናይ መጓዓዝያ ካርድ እዩ። ኣብቲ ካርድ 1 Dag OV Vrij  ዝብል ተጻሒፍዎ ኣሎ። እዚ ድማ ወግዓዊ ስም ናይ’ዚ ካርድ እዩ። OV-dagkaart ኣብ ባቡር፣ ኣውቶቡስ፣ ትራምን ሜትሮን የገልግል።

ህጻናት ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሜኣም እዚ OV-dagkaart ኣየድልዮምን እዩ። እዚኣቶም ኩሉ ግዜ ብነጻ እዮም ዝገሹ። ንቆልዑት ካብ 4 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሜኦም ፉሉይ ንሓደ መዓልቲ ዘገልግል de railrunner ዝበሃል ናይ ባቡር ካርድ ኣሎ። እዚ ካርድ’ዚ € 2,50 (ይሮ) ዋግኡ።

ምዓስ እዩ COA OV-dagkaart ዝህበኩም?
COA ነዚ OV-dagkaart ዝህበኩም ንኣብነት ናብ ጠበቓኹም ክትከዱ ናይ ግድን ኣንተደኣ ኾይኑ ወይ ድማ ናብ ናይ ሕክምና ፍሉይ ኪኢላ ክትከዱ እንተለኩም እዩ። ወይ ናብ ካልእ ናይ ምዕቆቢ ቦታ ትግዕዙ እንተደኣ ሃሊኹም ኮይንኩም እውን ይወሃበኩም እዩ። ንናይ ውልቅኹም መገሻታት OV-dagkaart  ኣይወሃበኩምን እዩ። ንዝተወሃበኩም ካርድ እንተተሰሪቕኩም ወይ ኣጥፊእክሞ COA ካልእ ካርድ ኣይህበኩምን እዩ።

OV-dagkaart ተጠቂምካ ምኽፋል: ከምዝኣተኻን ከምዝወጻእካ ምምዝጋብ
ን OV-dagkaart ልክዕ ከም’ቲ OV-chipkaart ኢኹም ትጥቀምሉ። ኣብ መእተውን መውጽኢን ናይ ነፍስ-ወከፍ ባቡር፣ ኣውቶቡስ፣ ትራም ወይ ሜትሮ  ነዚ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣሎ። ኣዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብመልክዕ መሕለፊ ማዕጾን ዝተጋደመ ነገርን እዩ ዝቐርብ።

ክትሳፈሩ ከለኹም ነቲ ካርድ ናብ’ቲ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣጸጊዕኩም ትሕዝዎ። ነዚ ከም ዝኣተኻ ምምዝጋብ ኢልና ንጽውዖ። ክትወርዱ ከለኹም ድማ እንደገና ነቲ ካርድ ናብ’ቲ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣጸጊዕኩም ትሕዝዎ። ነዚ ድማ ከም ዝወጻእካ ምምዝጋብ ኢልና ንጽውዖ። ከም ዝተሳፈርኩም ከተመዝግቡ ከለኹም 1 ግዜ ፒፕ ዝብል ድምጺ ትሰምዑ ኢኹም። ከም ዝወረድኩም ከተመዝግቡ ከለኹም ድማ 2 ግዜ ፒፕ ዝብል ድምጺ ትሰምዑ ኢኹም።

ከምኡ’ውን እንተደኣ ካብ ሓደ መጓዓዝያ ናብ ካልእ መጓዓዝያ ትቕይሩ ሃሊኹም ኮይንኩም ካብቲ ዝነበርክሞ መጓዓዝያ ክትወርዱ ከለኹም ከም ዝወጻእኩም ከተመዝግቡ ኣለኩም። ናብቲ ካልእ ዝቕጽል መጓዓዝያ ክትሳፈሩ ከለኹም ድማ ከም ብሓድሽ ከም ዝኣተኹም ከተመዝግቡ ኣለኩም።

ሓደ ናይ OV-dagkaart ን 1 ሰብ ጥራሕ እዩ ከገልግል ዝኽእል፥ እንተደኣ ብዙሓት ሰባት ብሓባር ክትገሹ ኣለኹም ኮይንኩም ድማ ነፍስ-ወከፍ ሰብ ነናቱ ካርድ ብምጥቃም ከም ዝኣተወን ከም ዝወጸን ከመዝግብ ይግባእ። እዚ ድማ እንኮላይ ን railrunner ዘለዎም ቆልዑት ይምልከት።

እዚ ንሓደ መዓልቲ ዘገልግል ካርድ ድሕሪ ዝገሽክምሉ መዓልቲ ኣየገልግልን እዩ። እንተደኣ ኣብ ጉዕዞኹም ከም ዝኣተኹምን ከም ዝወጻእኩምን ዘየመዝጊብኩም ብገንዘብ ትቕጽዑ ኢኹም። እዚ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ድማ ባዕልኹም ክትከፍልዎ ኣለኩም።

ናይ ባቡር ንሓደ መዓልቲ ዘገልግል ካርድ ከምኡ`ውን railrunner (ን1 መዓልቲ ነጻ ናይ ባቡር ካርድ)

ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ባቡር ካርድ ኣብ ሙሉእ ኔዘርላንድ ብዘይ ገደብ ብባቡር ክትገሽሉ እትኽእሉ ናይ መጓዓዝያ ካርድ እዩ። እዚ ካርድ ክሳብ ዝቕጽል ለይቲ ሰአዓት 04:00 ይሰርሕ። ኣብቲ ካርድ 1 Dag Trein Vrij ዝብል ተጻሒፍዎ ኣሎ። እዚ ድማ ወግዓዊ ስም ናይ’ዚ ካርድ እዩ። እዚ ካርድ’ዚ ኣብ ኣውቶቡስ፣ ትራምን ሜትሮን ኣየገልግልን እዩ። እዚ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ባቡር ካርድ ንዕድሚኦም 12 ዓመትን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ንዝኾኑን እዩ ዘገልግል።  ንቆልዑት ካብ 4 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሜኦም ፉሉይ ናይ መጓዓዝያ ካርድ ኣሎ፣ de railrunner ዝበሃል። ህጻናት ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሜኦም ኣብ ባቡር ብነጻ እዮም ዝጎዓዙ።

Railrunner
ቆልዑት ካብ 4 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሜኦም ፉሉይ ናይ ባቡር ካርድ እዮም ዝጥቀሙ። de railrunner ዝበሃል። railrunner ኽትጥቀመሉ ኣትኽእል ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ መጓዓዝያ ካርድ ዘለዎ ልዕሊ ዕድመ ዝኾነ ሰብ ምሳኻ ምስዝህሉ ጥራይ እዩ። እዚ ካርድ’ዚ (railrunner ) € 2,50 (ይሮ) ዋግኡ። ካብ 4 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሜኦም ህጻናት ብዘይ ገለ ክፍሊት እዮም ዝጎዓዙ።

ምዓስ እዩ COA ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ባቡር ካርድ ዝህበኩም?
COA ነዚ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ባቡር ካርድ ዝህበኩም ንኣብነት ናብ ጠበቓኹም ክትከዱ ናይ ግድን ኣንተደኣ ኾይኑ ወይ ድማ ናብ ናይ ሕክምና ፍሉይ ኪኢላ ክትከዱ እንተለኩም እዩ። ወይ ናብ ካልእ ናይ ምዕቆቢ ቦታ ትግዕዙ እንተደኣ ሃሊኹም ኮይንኩም እውን ይወሃበኩም እዩ። ንናይ ውልቅኹም መገሻታት እዚ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ባቡር ካርድ ኣይወሃበኩምን እዩ። ንዝተወሃበኩም ካርድ እንተተሰሪቕኩም ወይ ኣጥፊእክሞ COA ካልእ ካርድ ኣይህበኩምን እዩ።

ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ባቡር ካርድ ተጠቂምካ ምኽፋል: ከምዝኣተኻን ከምዝወጻእካ ምምዝጋብ
ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ባቡር ካርድ ልክዕ ከም’ቲ OV-chipkaart ኢኹም ትጥቀምሉ። ኣብ መእተውን መውጽኢን ናይ ነፍስ-ወከፍ ባቡር፣ ኣውቶቡስ፣ ትራም ወይ ሜትሮ  ነዚ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣሎ። ኣዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብመልክዕ መሕለፊ ማዕጾን ዝተጋደመ ነገርን እዩ ዝቐርብ።

ክትሳፈሩ ከለኹም ነቲ ካርድ ናብ’ቲ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣጸጊዕኩም ትሕዝዎ። ነዚ ከም ዝኣተኻ ምምዝጋብ ኢልና ንጽውዖ። ክትወርዱ ከለኹም ድማ እንደገና ነቲ ካርድ ናብ’ቲ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣጸጊዕኩም ትሕዝዎ። ነዚ ድማ ከም ዝወጻእካ ምምዝጋብ ኢልና ንጽውዖ።ከም ዝኣተኹም ከተመዝግቡ ከለኹም 1 ግዜ ፒፕ ዝብል ድምጺ ትሰምዑ ኢኹም። ከም ዝወጻእኩም ከተመዝግቡ ከለኹም ድማ 2 ግዜ ፒፕ ዝብል ድምጺ ትሰምዑ ኢኹም። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ግዜ መገሻኹም መጓዓዝያታት ኣብ ትቕይርሉ ግዜ ከም ዝኣተኹምን ከም ዝወጻእኩምን ከተመዝግቡ ይግባእ።
ሓደ ናይ OV-dagkaart ን 1 ሰብ ጥራሕ እዩ ከገልግል ዝኽእል፥ እንተደኣ ብዙሓት ሰባት ብሓባር ክትገሹ ኣለኹም ኮይንኩም ድማ ነፍስ-ወከፍ ሰብ ነናቱ ካርድ ብምጥቃም ከም ዝኣተወን ከም ዝወጸን ከመዝግብ ይግባእ። እዚ ድማ እንኮላይ ን railrunner ዘለዎም ቆልዑት ይምልከት።

ድሕሪ ምጋሽኩም ዘሎ መዓልቲ እዚ ካርድ ኣይሰርሕን እዩ። እንተደኣ ኣብ ጉዕዞኹም ከም ዝኣተኹምን ከም ዝወጻእኩምን ዘየመዝጊብኩም ብገንዘብ ትቕጽዑ ኢኹም። እዚ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ድማ ባዕልኹም ክትከፍልዎ ኣለኩም።

Links extern

  • Website ov-chipkaart [6]
    https://www.ov-chipkaart.nl/home.htm

Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/2343

Links
[1] https://www.mycoa.nl/ti/file/2308
[2] https://www.mycoa.nl/ti/file/2313
[3] https://www.mycoa.nl/ti/file/2312
[4] https://www.mycoa.nl/ti/file/2310
[5] http://www.ov-chipkaart.nl/home.htm
[6] https://www.ov-chipkaart.nl/home.htm

2022.06.28 - Tigrinya