ብዘይ ወለዲ ዝመጸ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛ (ኣ ኤም ፌ) ክነስኻ ዕድሜኻ ልዕሊ 13 ዓመት እንተኾይኑ፡ ናብ ኔዘርላንድ ምስ መጻእካ፡ ናብ ፍሉይ ናይ መስርሕ መዓስከር ንትሕቲ ዕድመ (ፖዋ) ትኸይድ። ኣብኡ፡ ናይ ዕረፍቲ ግዜን ንናይ ዑቕባ ሕቶኻ ትቀራረበሉ ግዜን ትረክብ። ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታትን ናይ ማሕበር ኒዶስ ኣላይኻን ኣብ መስርሕካ ይተሓባበሩኻ።
ኣብ ፖዋ ኣብ ትጸንሓሉ እዋን፡ ናይ መግቢ ገንዘብ ይወሃበካን ምግብኻ ድማ ባዕልኻ ተዳሉን። ብተወሳኺ፡ ናይ ህጹጽ ናይ ጥዕና ክንክን ይግበረልካ። ከም ትሕቲ ዕድመ መጠን፡ ናብ ትምህርቲ ክትከይድ ግቡእ ኣለካ። እዚ ማለት፡ ገና ኣብ ፖዋ ምንባር ኣብ ትጅምረሉ ግዜ ኣትሒዙ ናብ ትምህርቲ ትኸይድ።
መስርሕ ዑቕባ ንምጥራስ፡ ኣብ ፖዋ፡ ካብ 7 ክሳብ 10 ሳምንታት ትጸንሕ። 24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ ሞኒቶራት ኣለዉ። ድሕሪ ምሰርሕካ ትነብረሉ ቦታ፡ ኣብ ውሳኔ ናይ ኢ ኤን ዴ ዝተሞርከሰ እዩ። መንበሪ ፍቓድ ምስ ትረክብ፡ ናብ ብማሕበር ኒዶስ ዝመሓደር ገዛ ትኸይድ።
Links extern
- Stichting Nidos [1]
https://www.nidos.nl/en/voor-jongeren/