Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2023.02.07 - Tigrinya - "Privacy"

ቀንዲ ገጽ > Privacy

መግለጺ ብሕትውና ንነበርቲ

ናብ Centraal Orgaan opvang asielzoekers እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም(ስዒቡ ብ: “COA”, “ንሕና” ወይ “ናትና” ዝጥቀስ)! ንሕና፡ ኣብ’ቲ ናትኩም ውልቃዊ ዝርዝር ንምስርሓሉ ጥንቁቕ ኣገባብ እምነት ክተሕድሩ ንደሊ። ከምኡ ንምግባር፡ በቲ ሓፈሻዊ ሕጊ ምክልኻል ዝርዝር (ስዒቡ ብ “ኣፌኼ” ዝጥቀስ) ተማእዚዝና ንኸይድ። COA ንሓተቲ ዑቕባ መጽለሊ ንምድላውን ንምእላይን ክብል፡ ዝርዝራት ይእክብን ይጥቀመሎምን። ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ ዑቕባ ምስ ትሓትትን ነባሪ ናይ ሓደ ካብ መዓስክራትና እንተኾንካን (ወይ ዝነበርካ እንተኾንካ)፡ እዚ ናይ ብሕትውና መግለጺ ይምልከተካ እዩ።

መብርሂ ናይ ኣገደስቲ ኣምራት

እቲ “ውልቃዊ ዝርዝርዝ” ዝብል ኣምር ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ንኽሎም ብዛዕባ ሓደ ሰብ ዝምልከቱ ሓበሬታታት ይምልከት (“ተጠቃሲ”)። ንኣብነት፡ ከም ስምካ፡ ኣድራሻኻ፡ ዕለተ-ልደትካ፡ ዜግነትካን ቁጽሪ ስልክኻን ዝኣመሰሉ ነገራት ክኸውን ይኽእል። ኣብ’ቲ ኣምር፡ ካልኦት ብቐሊሉ ዘይረኣዩ ነገራት፡ ንኣብነት ከም ዘለካ ዝምባሌታትን ናይ ባንካ ሕሳብ ቁጽርኻን ዝኣመሰሉ ነገራት ክጠቓለሉ ይኽእሉ።
እቲ “ምምስራሕ ውልቃዊ ዝርዝር”፡ ነቶም ንሕና ብዛዕባ ውልቃዊ ዝርዝራትካ ነካይዶም ኩሎም ስራሓት ይምልከት። ንኣብነት፡ ምምዝጋብ፡ ምዕቃብ፡ ምቕያር፡ ናብ ካልእ ኣካል ምስዳድን ምድምሳስ እቶም ዝርዝራትን ክኸውን ይኽእል።

ትሕዝቶ

ኣብ’ዚ ናይ ብሕትውና መግለጺ፡ ንሕና ብኸመይ ኣገባብ ነቶም ናትካ ውልቃዊ ዝርዝራት ንምስርሖምን (ንከላኸሎምን) ከነብርሃልካ ኢና። ነዚ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ብምምላስ ንግብሮ፦

1. COA ዝመሰርሖም ውልቃዊ ዝርዝራትካ ኣየኖት እዮም?
2. ውልቃዊ ዝርዝራትካ ካበይ ንረኽቦም?
3. ስለምንታይ እዩ COA ናትካ ውልቃዊ ዝርዝርዝ ዝምስርሕ?
4. COA ኣብ ምንታይ ምርኩስ ብምግባር እዩ ውልቃዊ ዝርዝራትካ ዝምስርሕ?
5. ኣብ ከመይ ኩነታት ኢና ንሕና ናትካ ውልቃዊ ዝርዝራት ንኻልኦት ኣሕሊፍና ንህብ?
6. COA ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ እዩ ነቶም ናትካ ውልቃዊ ዝርዝራት ዝዕቅቦም?
7. COA ነቶም ናትካ ውልቃዊ ዝርዝራት ብኸመይ ይዕቅብ?
8. ኣይኖት መሰላት ኣለዉኻ?
9. ብዛዕባ ምምስራሕ ውልቃዊ ዝርዝራትካ ብ COA ሕቶታት፡ ጠለባት ወይ ጥርዓናት ምስ ዝህልዉኻ ንመን ትውከስ?

1. COA ዝመሰርሖም ውልቃዊ ዝርዝራትካ ኣየኖት እዮም?

ንሕና፡ ነዞም ዝስዕቡ ዓውድታት ዝምልከቱ ውልቃዊ ዝርዝራትካ ንምስርሕ፦ 
• ሕጋዊ መለለዩ ቁጽሪ (ንኣብነት ናይ ስደተኛ ቑጽሪ)፥
• ናይ መንነት ዝርዝራት (ንኣብነት ስምካ፡ ዕለተ-ልደትካን ጾታኻን)፥
• ናይ መራኸቢ ዝርዝር (ንኣብነት ቁጽሪ ስልክን ናይ ኢሜይል ኣድራሻን)፥
• ኣድራሻ (ንኣብነት ናይ መንበሪ ኣድራሻኻን ናይ መዓስከር ኣድራሻን)፥
• ዝርዝር ሰነዳት (ንኣብነት ዓይነት ሰነድን ቁጽሪ ሰነድን)፥
• ውልቃዊ መለለይታት (ን ኣብነት ስራሕ፡ ናይ ስድራቤት ዝምድናን ውልቃዊ ዝምባለ(ታትካ)ን)፥
• ቁጠባዊ ዝርዝር (ንኣብነት ቁጽሪ ሕሳብ ባንካ፡ ኣትውን ንዋትን)፥
• ናይ ርክብ ዝርዝራት (ጸብጻብ ዝተኻየዱ ዝርርባት)፥
• ሕጋዊ/ናይ መስርሕ ዝርዝራት (ንኣብነት ንናይ ዑቕባ መስርሕካ ዝምልከቱ ዝርዝራት)።

ብተወሳኺ፡ ንሕና ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ፍሉያት ውልቃዊ ዝርዝራትካ ክንምስርሕ ተኽእሎ ኣሎ፦
ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ዝምልከቱ ዝርዝራት፦
• መቦቆላዊ ዓሌት ወይ ብሄር፥
• ሃይማኖት ወይ ኣብ ሂወት ዘለካ ርእይቶ፥
ምናልባት’ውን ብተወሳኺ፦
• መንነትካ ንምፍላጥ ዘድልዩ ብዮሜትሪካዊ ዝርዝራት፥
• ዝርዝር ኩነታት ጥዕናኻ፥
• ምስ ገበን ዝተኣሳሰሩ ዝርዝራትካ።

2. ውልቃዊ ዝርዝራትካ ካበይ ንረኽቦም?

COA ነቶም ውልቃዊ ዝርዝራትካ ብቐጥታ ካባኻ፡ ካብ ጠበቓኻ ወይ ድማ ካልኦት ኣብ ናትካ ናይ ዑቕባ መስርሕ፡ መጽለሊ፡ ሓገዝ ወይ ናይ ጥዕና ክንክን ኢድ ዘለዎም መንግስታውያንን (ማሕበራውያንን) ትካላት ይረኽቦም።
እቶም ውልቃዊ ዝርዝራትካ ክህቡና ዝኽእሉ መንግስታውያንን (ማሕበራውያንን) ትካላት፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ 
• ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ፍትሕን ድሕነትን ዘለዋ ትካላት፥
o Dienst Terugkeer en Vertrek (DT&V)፥
o Immigratie- en Naturalisatiedienst (IND)
o ፖሊስን ኣብ ትሕቲኡ ዘለዋ ትካላትን፥ ንኣብነት Afdeling Vreemdelingenpolitie, Identificatie en Mensenhandel (AVIM)፥
o Dienst Justitiële Inrichting (DJI) እንተላይ ናቱ ክፋል Dienst Vervoer en Ondersteuning (DV&O)፥
• ካልኦት መሻርኽቲ ትካላት፦
o Koninklijke Marechaussee (KMar)፥
o GezondheidsZorg Asielzoekers (GZA)፥
o Stichting Nidos፡ ዘይሻራዊ ናይ (ስድራቤት)ሞግዚት ትካል ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ። 

3. ስለምንታይ እዩ COA ናትካ ውልቃዊ ዝርዝርዝ ዝምስርሕ?

ንሕና ነቶም ናትካ ውልቃዊ ዝርዝራት ንምስርሓሎም ምኽንያት፡ ንዓኻ ኣብ ግዜ ናይ ኔዘርላንድ ዘለካ መስርሕ ዑቕባ፡ መጽለልን ሓገዝን ንምብርካት (እቲ ቐንዲ ዕላማና) እዩ። እዚ ግን ኣዝዩ ሰፍሕ ስለዝኾነ፡ ኣብ ብዙሓት (ተመሳሰልቲ) ዕላማታት ክኽፈል ይኽእል፦
• መጽለሊ ምድላውን ምእላይን። እቲ ዝወሃብ መጽለሊ፡ መደቀሲ፡ ቁጠባዊ ሓገዝን ከም ኣብ ናይ COA መዓስከር ዝወሃብ መባእታዊ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ዝኣመሰሉ ነገራት ዝሓቖፈ እዩ።
• ኣብ ናይ COA-መዕስክሰር ትረኽቦ ምእላይ ንምስላጥ፡ ገለ ካብኡ፦
• ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድን ካብኡ ወጻእን ኣብ ዝህልወካ መጻኢ ትገብሮ ምቕርራብ ሓገዛት ምብርካት፥ 
• ምሕያል ኣብ መዓስከርን ኣብ መጻእን ዝህልወካ ርእሰ-ምርኮሳ፥
• ኣብ ዓውድታት ትምህርቲ፡ ናብራ፡ ሓርነት፡ ውህደትን ተሳትፎን ወይ ምምላስ ዘተኮረ ዝወሃብ ምእላይ፥
• ምፍጻም ክትትል ናብራ፡ ንኣብነት ንሓራሳት ዝወሃብ ኣገልግሎትን ዝግበር ቁጽጽርን፡ ምምዝጋብ ምልክታት ንግዲ ሰባትን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ከምኡ’ውን ምምዝጋብ ዘጋጥሙ ፍጻሜታትን፥
• ብዘይ ወላዲ በይኑ ዝመጸ ትሕቲ-ዕደም ሓታቲ ዑቕባ (ስዒቡ ብ: “AMV” ዝጥቀስ) ምስ ትኸውን፡ ናብ ብጽሕና ኣብ ትገብሮ ናይ ሂወት ጉዕዞ ዝግበር ሓገዝ።
• ምብቃዕ ኣብ መዓስከር ትጸንሓሉ ግዜ ብሰንኪ እዞም ዝስዕቡ ነገራትን ካልኦት፦
• ናብ ምምሕዳር (ኸሜንተ) ኣብ ምግዓዝ ሓገዝ ንምርካብ፥
• ኣብ ምምሕዳር ገዛ ንምርካብ ዝግበር ሓገዝ፥ 
• ብወለንታኻ ወይ ተገዲድካ ናብ ሃገርካ ወይ ካልእ ናይ ዱብሊን ሃገር ኣብ ትምለሰሉ ግዜ ዝግበር ሓገዝ፥ 
• ድሕነትን ምቹእ ናይ ምንባር ሃዋሃው ኣብ መዓስከር ንምውሓስ። ናትካ ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ናይ ካልኦት ነበርትን ሰራሕተኛታት ናይ COA ን። ንኣብነት ናይ ቁጥዐ፡ ጎነጽ ወይ ካልኦት ፍጻሜታት ምምዝጋብ።
• ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስጉምቲ ምውሳድ፥ ን ኣብነት ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ወይ ድማ ዝኾነ ንስኻ ቅልጡፍ ሓገዝ ክትረኽበሉ ዝሓትት ኣጋጣሚ።
• ምክያድ ሳይንሳውን ታሪኻውን መጽናዕቲ፡ ንሳቲስቲካዊ ዕላማታት ወይ ድማ ንሓፈሻዊ ረብሓ ተባሂሉ ዝግበር ናይ ኣርኪፍ ምዕቃብ። 

4. COA ኣብ ምንታይ ምርኩስ ብምግባር እዩ ውልቃዊ ዝርዝራትካ ዝምስርሕ?

ንሕና ውልቃዊ ዝርዝራትካ ክንዕቅብ ንኽእል፡ ንዕኡ ክዉን ከግብር ዝኽእል “ሕጋዊ ባይታ” ምስ ዝህልወና ጥራሕ እዩ። ከም’ዚ ዓይነት ሕጋዊ ባይታ፡ ኣብ “ኣፌኼ” ይርከብ። ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕላማታት (ሕጥበ ጽሑፍ 3)፡ ኣብ ካልኦት ሕጋዊ ባይታታት ክንሙርከስ ንኽእል፦
• እቲ ምምስራሕ ንዝህሉ ሕጋዊ ግቡእ ንምምላእ ዘድሊ ምስ ዝኸውን፥ 
• እቲ ምምስራሕ ንምሓላው ኣዝዮም ኣገደስቲ ረብሓታት ናትካን ናይ ካልኦት ሰባትን ንምሕላው ዘድሊ ምስ ዝኸውን፥ 
• እቲ ምምስራሕ ሓፈሻዊ ረብሓ ወይ ስራሕ ኣብ ፍጻም ህዝባዊ ስልጣን ብ COA ኣድላዪ ምስ ዝኸውን፥  ወይ ድማ
• ንስኻ፡ ንፍሉይ ዕላማ ኢልካ ፍቓድካ ምስ ትህብ።

ኣብ መብዛሕት ኡ ግዜ፡ ንሕና ነቲ ናትካ ዝርዝራት ነመስርሓሉ ምኽንያት፡ ነቲ ንዓኻ መጽለሊ ምሃብን ምኣይን ዘለና ሕጋዊ ዕማም ንምትግባር እዩ። ብዘይ ናትካ ዝርዝራት፡ ነዚ ሕጋዊ ዕማም ንምክያድ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

5. ኣብ ከመይ ኩነታት ኢና ንሕና ናትካ ውልቃዊ ዝርዝራት ንኻልኦት ኣሕሊፍና ንህብ?

እቶም ኣድልየቱ ዝኾኑ ዝርዝራት ጥራሕ ናብ’ቶም ዝምከቶም ኣካላት ጥራሕ ኢና ንልእኽ።  እቶም ካልኦት ትካላት ድማ፡ ልክዕ ከም COA ነቶም ውልቃዊ ዝርዝራትካ ብጥንቃቐ ክሕዙ ይግባእ።

ዝርዝራትካ፡ ናብ’ዞም ስዒቢም ዘለዉ ትካላት ክንልእኽ ንኽእል፦
• ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ፍትሕን ድሕነትን ዘለዋ ትካላት፥
o Dienst Terugkeer en Vertrek (DT&V)፥
o Immigratie- en Naturalisatiedienst (IND)፥
o ፖሊስን ኣብ ትሕቲኣ ዘለዋ ትካላትን፡ ንኣብነት Afdeling Vreemdelingenpolitie, Identificatie en Mensenhandel (AVIM)፥
o Dienst Justitiële Inrichting (DJI) ከምኡ’ውን ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ትካል Dienst Vervoer en Ondersteuning (DV&O)።
• ናይ ክንክን ጥዕና መሻርኽቲ፦
o GezondheidsZorg Asielzoekers (GZA) ብመንገዲ Arts en Zorg፥
o MediFirst፥
o Regeling Medische zorg Asielzoekers (RMA) ብመንገዲ ትካል መድሕን ጥዕና DSW፥
o ናይ ምምሕዳር ወይ ማሕበራዊ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ወይ ድማ ናይ ሕክምና ወሃብቲ ኣገልግሎትታት ናይ ዞባ (GGD en GHOR)።
• ካልኦት መሻርኽቲ ትካላት፦
o Koninklijke Marechaussee (KMar)፥
o ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (IOM)።
o Stichting Nidos (ዘይሻራዊ ናይ (ስድራቤት)ሞግዚት ትካል ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ)።
o ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (VWN)።
o ፋይልኽ ታውስ (ናይ ዝቤታዊ ጎነጽን ምስቓይ ህጻናትን መመልከቲ ነቑጣ)።
o ማእከል ፍልጠት ንግዲ ሰባትን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን (EMM)።
• ካል ኦት መሻርኽቲ ትካላት፦
o ምምሕዳራት፥
o ባንካታት፥
o ናይ መጓዓዝያ ትካላት፡ ንኣብነት ትክሲን ናይ መጓዓዝያ ኩባንያታትን፥
o ናይ ትምህርቲ ትካላት፡ ንኣብነት መዋእለ ህጻናትን ኣብያተ-ትምህርትን፥ 
o መንግስታውያን ናይ ቁጽጽር ትካላት፡ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ተቖጻጸርቲ ወይ ድማ ኣብያተ ፍርዲ፥ ንምፍጻም ሕጋዊ ግቡእ ወይ ድማ ኣብ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ግዜ፥
o ንረብሓ ነበርቲ ዝሟገቱ ጠበቓታት፥
o ናይ ሕጊ ክኢላታት፡ ተሓዝቲ መዝገብ ሕሳብ ከም ኡ’ውን ኦዲቶራት ንረብሓ ናይ COA ንምሕላው።
o ናይ መድሕን ትካላት፥ ብመሰረት ናይ ሓተቲ ዑቕባ ናይ ታሓታትነት መድሕን፥
o ናይ ምትርጓም ኣገልግሎትታት፥
o ኣብ መዓስከር ዝነበሩ ህጻናት/AMV ዘተኮራ መሻርኽቲ።
ውልቃዊ ዝርዝራትካ፡ ክሳብ ንሕና ኣብኣቶም ሓላፍነት ዘለና፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ እዩ ዝጸንሕ።ይኹን እምበር፡ ንሕና ንዝርዛትካ ናብ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዘላ ሃገር ወይ ትካል እንተሰዲድናዮ፡ ነዚ ዘድሊ ናይ ምሕላው ስጉምትታት ከይወሰድና ኣይንገብሮን ኢና። 

6. COA ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ እዩ ነቶም ናትካ ውልቃዊ ዝርዝራት ዝዕቅቦም?

ንሕና ነቶም ናትካ ዝርዝራት፡ ካብ’ቲ ዕላማና ንምህራም ዘድልየና ግዜ ንላዕሊ ኣይንዕቅቦምን ኢና። እቲ ዝርዝራትካ እንዕቅበሉ ናይ ግዜ ገደብ ውሲናዮ ኢና። ንዓኻ፡ እዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዎ ናይ ግዜ ገደባት፡ እቶም ኣገደስቲ ክትፍለጦም ዘለካ እዮም። ብመሰረት እቲ ዝወሃብ መጽለልን ናይ ምእላይ ሓገዝ ነመስርሖም ዝርዝራትካ፡ ናብ’ቲ “ናይ ነበርቲ ፋይል” ኢና ንሕውሶ። ብሓፈሻ፡ ነዞም ዝርዝራት ዝኾነ ኾይኑ እቲ ፋይል ምስ ተዓጽወ ን 20 ዓመታት ንዕቅቦም። ነቶም ምስ ብ COA ዝወሃቡ ናይ ፋይናስያዊ ሓገዛት ዝተሓሓዙ ናይ ፋይናስያዊ ወረቓትቲ ድማ፡ ን 7 ዓመታት ንዕቅቦም።

7. COA ነቶም ናትካ ውልቃዊ ዝርዝራት ብኸመይ ይዕቅብ?

COA ንውልቃዊ ዝርዝራትካ ንምሕላውን ናብ ዘይተድልየ መዓላ ንኸይውዕሉን ዘድሊ ስጉምትታት ወሲዱ እዩ።  ነቶም ኣብ COA ዘለዉ ውልቃዊ ዝርዝራትካ ንምሕላው፡ ንሕና በቶም ናይም መንግስቲ ናይ ሓለዋ ቕጥዕታትን ሕግታታን ተማእዚዝና ንኸይድ። ብተወሳኺ፡ ኩሎም ሰራሕተኛታት COA፡ ግዝያዊ ሰራሕተኛታትን ወለንተኛታትን ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግቡእ ኣለዎም። 

8. ኣይኖት መሰላት ኣለዉኻ?

ብመሰረት “ኣፌኼ”፡ ንስኻ ዝተፈላለዩ መሰላት ኣለዉኻ። ኣብ ገለ ገለ ረቛሒታት፡ ንሕና ንስምርሖም ውልቃዊ ዝርዝር ናይ ምርኣይ፡ ናይ ምቕያር ወይ ናይ ምድምሳስ መሰል ኣለካ።  ብተወሳኺ፡ ኣብ ገለ ገለ ረቛሒታት፡ ኣንጻር እቲ ምምስራሕ ተቃውሞ ከተቕርብ፡ ነቲ ምምስራሕ ከምዝግደብ ክትገብር ከምኡ’ውን ዝርዝርካ ዲጂታል ክትወስድ መሰል ኣለካ። ተጠቃሚ ናይ ዘለካ መሰል ክትከውን ምስ ትደሊ፡ ምሳና በዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኣድራሻ ኣቢልካ ምሳና ተራኸብ (ሕጥቦ ጽሑፍ 9 ርአ)።
እቲ እተቕርቦ ጠለብ፡ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ፡ ዝኾነ ኾይኑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንርእዮ። ኣንተድኣ መልሲ ንምሃብ ዝያዳ ግዜ ዝወስድ ኮይኑ ግን፡ ነዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ነፍልጠካ። ነቲ እጠቕርቦ ሕቶ፡ ብዘተኻእለ መጠን እወታዊ ምላሽ ንህብ። ይኹን እምበር፡ ኩሉ ግዜ ኣይኮነን ከምኡ ክንገብር ተኽእሎ ዘለና። ሕቶኻ ንምንጻግ እኹል ምኽንያት ክህሉ ይኽእል። ንኣብነት፡ COA ነቶም ዝርዝራትካ ክዕቅብ ብሕጊ ዝግደድ ክኸውን ይኽእል።
ብዘይካ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ መሰላት፡ ኣብ Autoriteit Persoonsgegevens (ስዒቡ ብ “AP” ዝትጥቀስ) ጥርዓን ከተቐርን ትኽእል። AP ኣፈጻጽማ ሕጊ ብሕትውና ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ ዝቆጻጸር ትካል እዩ። ቅድሚ ናብ AP ምኻድካ፡ ኣቐዲምካ ምሳና ክትራኸብ ድሌትና እዩ። ንሕና ድማ፡ ጥርዓንካ ብዝዕግብ ኣገባብ ክንፈትሕ ዝከኣለና ንግበር። ንትካል AP ትረኽበሉ ኣገባብ፡ ኣብ መርበብ ገጽ  www.autoriteitpersoonsgegevens.nl [1] ክትውከስ ትኽእል።

ኣብ እተቕርቦ ሕቶ ወይ ጠለብ፡ መንነትካ ከነጻሪ ምዃንና ኣብ ግምት ይእትው። ነዚ ንገብረሎ ምኽንያት ድማ፡ ነቶም ናትካ ውልቃውያን ዝርዝራት ብጌጋ ንኻልእ ኣካል ከይንህብ ወይ ድማ ኣብ’ቶም ተመዝጊቦም ዘለዉ ውልቃዊ ዝርዝራትካ ብጌጋ ምቅይያራት ከይንገብር ንምባል እዩ። 
ኩሎም ምስ ናብራ መዓስከር ዝተኣሳሰሩ ውሳኔታት ናይ COA ብመንገዲ ሰራሕተኛታት ናይ COA ኣቢሎም ይቐርቡ። COA ሙሉእ ብሙሉእ ዝተመከነ ናይ ውልቃዊ ውሳኔ ኣወሃህባ ኣገባብ ኣይጥቀምን እዩ። እዚ ማለት፡ ሕጋዊ ሳዕቤናት ዘለዎም ወይ ድማ ንዓኻ ብኸቢድ ዝጸልዉኻ ውሳኔታት፡ ብዝተመኽነየ ኣገባብ፡ ማለት ብዘይ ምትእትታው ናይ ሰብ፡ ኣይውሰዱን እዮም። 

9. ብዛዕባ ምምስራሕ ውልቃዊ ዝርዝራትካ ብ COA ሕቶታት፡ ጠለባት ወይ ጥርዓናት ምስ ዝህልዉኻ ንመን ትውከስ?

ብዛዕባ ምምስራሕ ዝርዝራትካ ብ COA ሕቶታት፡ ጠለባት ወይ ጥርዓናት ምስ ዝህልዉኻ፡ ንናይ COA መስመር ሓበሬታ፡ ብመንገዲ ናይ ኢሜይል ኣድራሻ፦ info@coa.nl [2] ክትውከስ ትኽእል። ንሕና ድማ፡ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ፡ ዝኾነ ኾይኑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ መልሲ ክንህበካ ክንፍትን ኢና። ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ኩነታት፡ ነዚ ናይ ግዜ ገደብ፡ ናብ ክሳብ ካብ ስለስተ ኣዋርሕ ዘይነውሕ ግዜ ከነናውሖ ንኽእል ኢና።
ናይ ፖስጣ ኣድራሻ፦
Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Postbus 30203
2500 GE Den Haag

ብተወሳኺ፡ COA ኣብ’ቲ ውሽጢ እቲ ትካል ኣፈጻጽማ “ኣፌኼ” ብ COA ምክትታል ከም ኣገዳሲ ዕማሙ ዝገበረ ሰራሕተኛ ምክልኻል ዝርዝራት Functionaris Gegevensbescherming (FG) ኣለዋ።
 
ነቲ FG ክትረኽበሉ ትኽእል ኣገባብ: fg@minjenv.nl [3] ናብ ኣቶ Pieter de Groot እዩ።
 
እዚ ናይ ብሕትውና መግለጺ፡ ብዕለት 27 ንሓሰ 2019 ብኣካያዲት ሽማግለ ተወሲኑ።  


Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1992

Links
[1] http://www.autoriteitpersoonsgegevens.nl [2] mailto:info@coa.nl [3] mailto:fg@minjenv.nl

2023.02.07 - Tigrinya