ናብ Centraal Orgaan opvang asielzoekers እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም(ስዒቡ ብ: “COA”, “ንሕና” ወይ “ናትና” ዝጥቀስ)! ንሕና፡ ኣብ’ቲ ናትኩም ውልቃዊ ዝርዝር ንምስርሓሉ ጥንቁቕ ኣገባብ እምነት ክተሕድሩ ንደሊ። ከምኡ ንምግባር፡ በቲ ሓፈሻዊ ሕጊ ምክልኻል ዝርዝር (ስዒቡ ብ “ኣፌኼ” ዝጥቀስ) ተማእዚዝና ንኸይድ። COA ንሓተቲ ዑቕባ መጽለሊ ንምድላውን ንምእላይን ክብል፡ ዝርዝራት ይእክብን ይጥቀመሎምን። ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ ዑቕባ ምስ ትሓትትን ነባሪ ናይ ሓደ ካብ መዓስክራትና እንተኾንካን (ወይ ዝነበርካ እንተኾንካ)፡ እዚ ናይ ብሕትውና መግለጺ ይምልከተካ እዩ።