ኣብ መዓስከር፡ ገጽ ዝሽፍን ክዳን ምውዳይ ክልኩል እዩ። ሕጃብ፡ ዑባያ፡ ገጽ ዝሽፍን ቆብዕ ወይ ሀለመት ከም ኣብነታት ክጥቀሱ ይኽእሉ። እዚ ምኽልካል፡ ንሰራሕተኛታት፡ ነበርትን በጻሕትን መዓስከር ይምልከት። እዚ ምኽልካል ኣብ ብሙልኡ መዓስከር እንተላይ ኣብ’ቲ ናትካ ቦታ የገልግል።
ብተወሳኺ፡ እዚ ምኽልካል ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ናይ ጥዕና ትካላትን መንግስታውያን ህንጻታትን ዝጸንዕ እዩ።

ሰባት፡ ገጽ ዝሽፍን ክልዳን ምስ ዝወድዩ፡ ከተለልዮም ኣይትኽእልን። እዚ ድማ፡ ንሓድሕዳዊ ርክብ ናይ ሰባት ኣጸጋሚ ይገብሮ። እዚ ንባዕሉ፡ ኣብ ምሃብ ኣገልግሎትን ድሕነትን ጸገም ክፈጥር ይኽእል።
እዚ ናይ ምኽልካል ሕጊ ምስ ዝጠሓስ፡ ኮዋ ንፖሊስ ክሕብር ግቡእ ኣለዎ። ገጽ ዝሽፍን ክዳን ምስ ትወዲ፡ ሰራሕተኛ ኮዋ ነቲ ክዳን ንኸተውጽኦ ክሓተካ እዩ። ከምኡ ምግባር ምስ ትኣቢ ድማ፡ ኮዋ ንፖሊስ የመልክት።
ፖሊስ፡ 410 ኤውሮ ዝመጠኑ ሞልታ ክብይን ይኽእል።