Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2022.06.28 - Tigrinya - "Gezichtsbedekkende kleding verboden"

ቀንዲ ገጽ > ገጽ ዝሽፍን ክዳን ምውዳይ ክልኩል እዩ

ምኽልካል

ኣብ መዓስከር፡ ገጽ ዝሽፍን ክዳን ምውዳይ ክልኩል እዩ። ሕጃብ፡ ዑባያ፡ ገጽ ዝሽፍን ቆብዕ ወይ ሀለመት ከም ኣብነታት ክጥቀሱ ይኽእሉ። እዚ ምኽልካል፡ ንሰራሕተኛታት፡ ነበርትን በጻሕትን መዓስከር ይምልከት። እዚ ምኽልካል ኣብ ብሙልኡ መዓስከር እንተላይ ኣብ’ቲ ናትካ ቦታ የገልግል። 
ብተወሳኺ፡ እዚ ምኽልካል ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ናይ ጥዕና ትካላትን መንግስታውያን ህንጻታትን ዝጸንዕ እዩ።

ሓድሕዳዊ ርክብ ኣገዳሲ እዩ

ሰባት፡ ገጽ ዝሽፍን ክልዳን ምስ ዝወድዩ፡ ከተለልዮም ኣይትኽእልን። እዚ ድማ፡ ንሓድሕዳዊ ርክብ ናይ ሰባት ኣጸጋሚ ይገብሮ። እዚ ንባዕሉ፡ ኣብ ምሃብ ኣገልግሎትን ድሕነትን ጸገም ክፈጥር ይኽእል።

ናይ ኮዋ ናይ ምምልካት ግቡእ

እዚ ናይ ምኽልካል ሕጊ ምስ ዝጠሓስ፡ ኮዋ ንፖሊስ ክሕብር ግቡእ ኣለዎ። ገጽ ዝሽፍን ክዳን ምስ ትወዲ፡ ሰራሕተኛ ኮዋ ነቲ ክዳን ንኸተውጽኦ ክሓተካ እዩ። ከምኡ ምግባር ምስ ትኣቢ ድማ፡ ኮዋ ንፖሊስ የመልክት። 

ሞልታ

ፖሊስ፡ 410 ኤውሮ ዝመጠኑ ሞልታ ክብይን ይኽእል።


Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1983
2022.06.28 - Tigrinya