ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ግዜ ሓድሽ ዓመት (Oudjaarsavond) ርችት ብምትኳስን መቕሊል (oliebollen) ብምብላዕን ምብዓል ልሙድ እዩ። ልክዕ ሰዓት ዓሰርተ ክልተ (ፍርቂ ለይቲ) ኣብ ደገ ርችት (ጠራዕራዕ) ይውላዕ፥ ርችት መብዛሕቱ ግዜ ከቢድ ናይ ተኹሲ ድምጺ የስምዕ እዩ። ትክን ብርሃንን ድማ ይገብር እዩ።
ሕግታት
ርችት ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ እዮም ድማ ብዛዕባ ኣተዃኹሳን ምሓዝን ናይ ርችት ዝምልከቱ ጽኑዓት ዝኾኑ ሕግታት ወጺኦም ዘለዉ።
- ክትውልዕሉ ዝፍቀደልኩም ካብ 31 ታሕሳስ ሰዓት 18.00 ክሳብ 1 ጥሪ ሰዓት 02.00 ኣብ ዘሎ እዋን ጥራሕ እዩ። ብዛዕባዚ ጽኑዕ ዝኾነ ቁጽጽር ይግበር እዩ።
- ርችት ክሽየጥ ዝፍቀድ ኣብ ዕለታት 29, 30 ከምኡ ድማ 31 ታሕሳስ ጥራሕ እዩ።
- ቅድምን ድሕርን እዚ ናይ መሸጢ እዋን ርችት ክትሕዙ ኣይፍቀድን እዩ።
- ዘይሕጋዊ ርችት ዝበሃል ኣብ ሕጋዊ ዘይኾነ ዕዳጋ ዝተገዘአ ርችት እዩ ወይ ድማ ካብ’ዚ ናይ መሸጢ እዋን ወጻኢ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተገዘአ ርችት እዩ። ዘይሕጋዊ ርችት ክልኩል እዩ። እዚ ውሑስ ከም ምዃኑ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ስለዘይኮነን ስለዘይተፈተነን ሓደጘኛ እዩ።
ምምሕዳራት ርችት ክትትኩሰሉ ዘይፍቀድ ቦታታት ክውስኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብዞም ቦታታት እዚኣቶም ዝኾነ ይኹን ሰብ ርችት ክትኩስ ኣይፍቀደሉን እዩ።
ንድሕነት ናትኩም
- ብፍጹም ባዕልኹም ርችት ክትሰርሑ የብልኩምን
- ሕጋዊ ዝኾኑ ርችታት ካብ ሕጋውያንን ብወግዒ ኣፍልጦ ዝተወሃቦም መሸጢ ቦታታትን ጥራሕ ክትገዝኡ ኣለኩም። ኣብ ዕለታት 29, 30 ከምኡ ድማ 31 ታሕሳስ ጥራሕ ድማ ክትገዝኡ ኣለኩም።
- ርችት ኣብ ጽቡቕ ዋሕስ ዝኾነ ቦታ ቆልዑት ኣብዘይረኽብዎም ከተቐምጥዎም ኣለኩም። ኣብ ጁባ ናይ ስረኹም ወይ ድማ ጃኬትኩም ኣይተቐምጡ።
- ንመምርሒ ብዝግባእ ኣንብብዎ
- ርችት ኣብ ደገ እዩ ክውላዕ ዘለዎ፣ ኣብ ገዛ ብፍጹም ክውላዕ የብሉን
- ካብ ተፈጥሮ ብዘይተረኽቡ ጥረ ነገራት ዝተሰርሑ ክዳውንቲ ክትክደኑ የብልኩምን
- ምስ ክዳንኩም ዝለገበ መሸፈን ናይ ርእሲ ከይትገብሩ
- ክልተ ርችታት ብሓንሳብ ከይትውልዑ፣ ሓደ ብሓደ በብተራ ወልዑ
- ርችት ኣብ ኢድኩም ብምሓዝ ከይትውልዑ
- ዝፋናጫሕ ርችት (siervuurwerk) ኣብ ደልዱል ዝኾነ ቦታ ጸኒዑ ጠጠው ከምዝብል ግበሩ
- ናይ ቀስቲ ርችት (vuurwerkpijlen) ኣብ ውሽጢ ጥርሙዝ ክኣትው ኣለዎ። እቲ ጥርሙዝ ክወድቕ ከምዘይኽእል ግበሩ ኢኹም። ስለ’ዚ ድማ ፍርቁ ብሑጻ ክምላእ ኣለዎ
- ምትዃስ ዝኣበየ ርችት ከም ብሓድሽ ክትውልዕዎ የብልኩምን። ቀልጢፉ ንኽቃጸል ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ልዑል እዩ።
- ርችት ኣብቲ መወልዒ ገመዱ ክትውልዕዎ ኣለኩም።
- ንሓለፍቲ መንገዲ (ሰባትን እንስሳታትን) ክትጥንቀቑሎም ኣለኩም
- ካብ’ቲ ርችት ኣብ ውሑስ ዝኾነ ርሕቀት ክትኮኑ ኣለኩም, እንተወሓደ 6 ሜትሮ
- ናይ ዓይኒ መከላኸሊ ክትገብሩ ኣለኩም
ሕቶታት? ሕቶታት ኣለውኹም ዶ? ናብ ሰራሕተኛ ናይ COA ወይ ድማ ናብ ናይ COA ናይ ሓበሬታ መውሃቢ ቦታ ኺዱ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዞም ዝስዕቡ ናይ ምምሕዳር ናይ ኢንተርነት መርበባት እውን ይርከብ እዩ፥