Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2022.06.28 - Tigrinya - "Ik heb een verblijfsvergunning - Wat moet ik regelen?"

ቀንዲ ገጽ > ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣለኒ - ኣየኖት ጉዳያት ከካይድን ከመዓራርን ኣለኒ?

እንተደኣ ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣለኩም ኮይኑ ከተካይድዎምን ከተመዓራርይዎምን ዘለኩም ነገራት

 እንተደኣ ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣለኩም ኮይኑ፣ ብቕልጡፍ ሓደ ሓደ ጉዳያት ከተካይዱን ከተመዓራርዩን ኣለኩም፥
•ኣብ ምምሕዳር ምምዝጋብ (Basisregistratie Personen)
•ናይ ባንኪ ሕሳብ ምኽፋት
•ናይ መንበሪ ወረቐት ምውሳድ
•kinderbijslag ከምኡ'ውን kindgebonden budget ምሕታት
•ን inburgeringscursus  ከምኡ'ውን ንትምህርቲ ዝኸውን ገንዘብ ምሕታት።
•ናይ ጥዕና ውሕስነት (ኢንሹራንስ) ምሕታት።
•DigiD ምሕታት።

እዚ ብቕልጡፍ ቅድሚ ናብ ምምሕዳር ኬድኩም ምንባርኩም ክትገብርዎ ኣለኩም። ናይ COA  ተሓባባሪኹም ብዛዕባ'ዚ ተወሰኽቲ ሓበሬታታት ክህበኩም ይኽእል እዩ።

ምውሳድ verblijfsdocument

እንተደኣ ናይ መንበሪ ወረቐትኩም ተሰሪሑ ተወዲኡ ኮይኑ ካብ Immigratie- en Naturalisatie Dienst (IND) ናይ ዕድመ ወረቐት ይመጻኩም። ኣብዚ ድማ ኣበየናይ ናይ IND-መቐበሊ ቦታ ኬድኩም ክትወስድዎ ከም እትክ እሉ ይጸሓፍ። ከምኡ ድማ ኣየኖት ወረቓቕቲ ምሳኹም ተማሊእክሞም ክትመጹ ከምዘለኩም ይጸሓፎ እዩ። ጎግል ማፕስ (Google Maps) ብምጥቃም ኣበይን ብኸመይን መንገዲ ናብ'ቲ ናይ IND-መቐበሊ ቦታ ከምእትመጹ ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ መንበሪ ወረቐትኩም ባዕልኹም ናብ IND ብምኻድ ክትወስድዎ ኣለኩም። ካልእ ሰብ ክወስደልኩም ኣይፍቀድን እዩ። እንተደኣ መጻምድቲ፣ ቆልዑ ወይ ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ኣለውኹም ኮይኖም ኩሎም ባዕሎም ነናቶም ወረቐት ክወስዱ ኣለዎም። COA ንእትገብርዎም ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታት ይኸፍለልኩም እዩ። እቲ ትጓዓዝዎ ርሕቀት ግን፣ መኸዲ ጥራሕ ወይ መምለሲ ጥራሕ ካብ 10 ኪሎ-ሜተር ንላዕሊ ክኸውን ኣለዎ።

ናይ መንበሪ ወረቐት ኣብቲ ቃለ-መጠይቕ ዝገበርክምሉ መዓልቲ ሽዑ ንሽዑ ከውሃበኩም ይኽእል እዩ። ስለዚ ብፍላይ ክትወስድዎ ኢልኩም ምኻድ ኣየድልየኩምን እዩ።

 verblijfsdocument ናትኩም ወግዓዊ ናይ መንነት ካርድ ኣብ ኔዘርላንድ እዩ።

Links extern

  • Online afspraak maken [1]
    https://ind.nl/Paginas/Online-afspraak-maken.aspx

ምምዝጋብ ኣብ ክብሪ መዝገብ (BRP)

መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብኩም ድዩ? እምበኣር ኣብ ናይ ሰባት መሰረታዊ መዝገብ (BRP) ተመዝገቡ። እንተድኣ ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኮይንኩም COA ኣብ ናይ BRP መመዝገቢ ንኽትምዝገቡ ዕድመ ክልእኸልኩም እዩ። BRP ናይ ኩሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብሩ ሰባት ናይ ውልቃዊ ሓበሬታት ዝርዝር ዝሓዘ እዩ። እንተድኣ ንስኹም ኣብ BRP ተመዝጊብኩም ፍሉይ ዝኾነ ናይ ውልቁኹም ቁጽሪ፣ ናይ ዜግነት ኣገልግሎት ቁጽሪ (BSN) ክወሃበኩም እዩ።

ብተወሳኺ ድማ እንተደኣ ኣብ ኔዘርላንድ 6 ኣዋርሕ ዝተቐመጥኩም ኮይንኩም እሞ ገና ካብ IND ውሳኔ ክወሃበኩም ትጽበዩ ዘለኹም ኮይንኩም እውን፣ ኣብ BRP ክትምዝገቡ ኣለኩም። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ግን እቲ ሪጋ ነዊሕ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን እቲ ሪጋ ነዊሕ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ስለዚ ድማ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዝተዋሃቦም ሰባት እዩ ቀዳምነት ዝወሃቦም ዘሎ ምኽንያቱ ድማ መንበሪ ቤት ንኽወሃቡ ስለዘድልዮም።

ምግዓዝ
ኣብ’ቲ መስርሕ ኣብትገብረሉ እዋን ትጸንሓሉ ቦታ (pol) ወይ ድማ ኣብ ካልእ ናይ ስደተኛታት መዓስከር (azc) ኣብ ዝነበርክምሉ እዋን ኣብ BRP ዝተመዝገብኩም ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ስለዚ ድማ ዛጊት ናይ BSN ቁጽሪ ተዋሂብኩም ኣሎ ማለት እዩ። ስለ’ዚ ከም ብሓድሽ ክትምዝገቡ እውን ኣየድልየኩምን እዩ። ግን ነቲ ሓድሽ ኣድራሻኹም ንቤት ጽሕፈት ምምሕዳርኩም ክትሕብርዎም ኣለኩም።

ሕቶታት ኣለውኹም? እምበኣር ሕቶታትኩም ናብ ናይ ኮዋ ተሓባባራይኩም ወይ ድማ ናብ ሓበሬታ ዝወሃበሉ ቦታ (infobalie) ኣቕርብዎም።

Links extern

  • Personel Records Database, BRP (Government.nl) [2]
    https://www.government.nl/topics/personal-data/personal-records-database-brp

ናይ ባንኪ ሕሳብ

ከም መንበሪ ፍቓድ ዘለኩም መጠን ናይ ባዕልኹም ናይ ባንኪ ሕሳብ ክህልወኩም ግድን እዩ። እንተደኣ ሰሪሕኩም ደሞዝኩም ኣብዚ ናይ ባንኪ ሕሳብ ኣታዊ ይኸውን። ብተወሳኺ ክወሃብኹም ዝኽእሉ ድጎማታትን ተወሰኽቲ ሓገዛትን ኣብዚ ናይ ባንኪ ሕሳብ ኣተውቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ እዩ ድማ ቅድሚ ናብ ምምሕዳር ምግዓዝኩም ናይ ባዕልኹም ናይ ባንኪ ሕሳብ ክህልወኩም ኣድላዪ ዝኸውን።

እንተደኣ burgerservicenummer (BSN) ኣለኩም ኮይኑ ብቐጥታ ናይ ባዕልኹም ናይ ባንኪ ሕሳብ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ድማ ኣብ ዝኾነ ናይ ኔዘርላንድ ባንኪ ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም። እንተደኣ ቋንቋ ናይ ኔዘርላንደኛ ብዝግባእ ዘይትዛረቡ ኮይንኩም እቲ ዝበለጸ ክትርጉመልኩም ዝኽእል ሰብ ሒዝኩም ኪዱ ኢኹም።

ነቲ ካብ COA ትቕበልዎ ገንዘብ ኣብ ናይ ባዕልኹም ናይ ባንኪ ሕሳብ ከምዝኣቱ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ብዝምልከት ናብ ናይ COA ናይ Infobalie ብምኻድ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኩም።

ምግባር ኢንበርኸሪን፥ ባዕልኻ ምስላጥን ምኽፋልን

እቲ verblijfsvergunning asiel ናይ ኔዘርላንድ ምስ ዝህልወካ፡ ናይ ኢንበርኸሪን ግቡእ (inburgeringsplicht) ግቡእ ኣለካ።  እትገብሮ ናይ ኢንበርኸሪን ስልጠና (inburgeringscursus) ከም ኡ’ውን ናይ ኢንበርኸሪን ፈተና (inburgeringsexamen) ባዕልኻ ከተሳልጦን ክትከፍሎን ኣለካ። መንግስቲ፡ ነዚ ክትገብር ትጽቢት ይገብረልካ።

ነቲ ናይ  inburgeringscursus ከም ኡ’ውን examen ዝኸውን እኹል ገንዘብ ምስ ዘይህልወካ፡ ገንዘብ ክትልቃሕ ትኽእል። verblijfsvergunning asiel ምስ ዝህልወካ እሞ ኣብ እዋንካ ነቲ ናይ ኢንበርኸሪን ፈተና ሓሊፍካዮ፡ እቲ ዝተለቃሕካዮ ገንዘብ ክትመልሶ ኣየድልን። 

ብዛዕባ ኢንበርኸሪን ዝምልከት ኩሉ ሓበሬታ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ትካል Dienst Uitvoering Onderwijs (DUO) ክትረኽቦ ትኽእል።

Links extern

  • Dienst Uitvoering Onderwijs (DUO) [3]
    https://www.inburgeren.nl/

DigiD

DigiD ብምጥቃም ብቐሊሉ ብኢንተርነት ጉዳያት ከተካይዱ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር፣ DUO፣  SVB ከምኡ'ውን Belastingdienst። ን DigiD ንምሕታት BSN ክህልወኩም ናይ ግድን እዩ። እዚ ናይ DigiD ኮድ ባዕልኹም ናብ digid.nl. ዝብል ናይ ኢንተርኔት ኣድራሻ ብምኻድ ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም።

Links extern

  • digid.nl [4]
    https://www.digid.nl/

ናይ ሓገዝ ድጎማ

እንተደኣ ናብ ናይ ምምሕዳር ናይ መንበሪ ቤት ግዒዝኩም፣ ስራሕን ቅሙጥ ገንዘብን ድማ ዘይብልኩም ኮይኑ ናይ ሓገዝ ድጎማ (bijstandsuitkering) ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ናይ ሓገዝ ድጎማ ድማ ኣብ ምምሕዳርኩም ክትሓትዎ  ኣለኩም። እንተደኣ bijstandsuitkering ትቕበሉ ኣለኹም ኮይንኩም፣ ብተደጋጋሚ ናብ ዝተፈላለያ ትካላት ስራሕ ብምድላይ ከተመልክቱ ኣለኩም። ስራሕ ከምእትደልዩ ዘለኹም ድማ ኣብ UWV Werkbedrijf ክትምዝገቡ ኣለኩም።

ናይ ሕክምና ውሕስነት (ኢንሹራንስ)

ናይ ሕክምና ውሕስነት (ኢንሹራንስ)
ኩሉ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብር ወይ ዝሰርሕ ሰብ ናይ ሕክምና ውሕስነት (zorgverzekering) ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። zorgverzekering እንተደኣ ሓሚምኩም ናይ ሕክምና ወጻኢታትኩም ይኸፍለልኩም። ንስኹም ድማ ነዚ ትካል ናይ ሕክምና ውሕስነት ወርሓዊ ውጽኢት ገንዘብ ትኸፍልዎ። መንግስቲ ድማ ኣታዊታትኩም ርእዩ ገለ ክፍል ናይቲ ትገብርዎ ወርሓዊ ውጽኢት ይኸፍሎ።

እዚ ናይ ሕክምና ውሕስነት እንተወሓደ ንመሰረታውያን ነገራት ከገልግል ዝኽእል እዩ። ኣዚ ናይ መሰረታውያን ነገራት ናይ ሕክምና ዋሕስ ንኹሎም ወጻኢታት ኣይሽፍንን እዩ። ንኣብነት ንናይ ሓኪም ስኒ ወጻኢታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣይሽፍንን እዩ። ንሓኪም ስኒ ኢልኩም እምባኣር ካልእ ተወሳኺ ናይ ሕክምና ውሕስነት ክትኣትዉ ይግባእ። እዚ ድማ ተወሳኺ ናይ ሕክምና ውሕስነት ተባሂሉ ይጽዋዕ።
እንተደኣ ኣብ  azc ትነብሩ ኮይንኩም ናይ ሕክምና ውሕስነት COA እዩ ዝኸፍለልኩም። ካብታ ካብ azc ዝወጻእኩምላ መዓልቲ ጀሚርኩም ግን ባዕልኩም ናይ ሕክምና ውሕስነት ክትኣትዉ ኣለኩም።

ካልኦት ውሕስነታት
COA ቅድሚ ናብ መንበሪ ገዛ ናብ ምምሕዳር ምኻድኩም ናይ ሕጋዊ ተሓታትነት ውሕስነት (WA-verzekering) ክትኣትዉ ይመኽረኩም። WA-verzekering ንገለ ክፋል ናይ’ቲ ንስኹም ወይ ደቅኹም ብወዝቢ ትገብርዎ ዕንወት ይኸፍሎ። ንኣብነት እንተደኣ ሓደጋ ኣጋጢምኩም እሞ ናይ ካልእ ሰብ መኪና ኣባላሺኹም ኮይንኩም።

ናይ inboedelverzekering  (ንስርቅን ሓዊ ባርዕን ዝምልከት) ዋሕስ ምእታው። ናይ መቓብር ውሕስነት  (uitvaartverzekering) ግዴታ ኣይኮነን ክህልወካ ግን እቲ ሓሸ ኣዩ። 

Links extern

  • መግለጺ ትካል መድሕን ጥዕና ማለት ኢንሹራንስ [5]
    https://www.uitlegzorgverzekering.nl/ti/#!/ti

Huurtoeslag ከምኡ`ውን zorgtoeslag

እንተደኣ መንበሪ ቤት ተኻሪኹም ኮይንኩም ምናልባት ንናይ ክራይ ገዛ መኽፈሊ ሓገዝ ይግበረልኩም ይኸውን እዩ። እዚ ሓገዝ  huurtoeslag ይበሃል። ብዝሒ ናይቲ ዝወሃበኩም ሓገዝ ኣብ ብዝሒ ናይ ዋጋ ክራይ፣ ናትኩም ውልቃዊ ኩነታትን ከም በዓል ብዝሒ ኣታዊኹምን ምስ ካልእ ሰብ ብሓባር ትነብሩን ኣይትነብሩን ዝተመርኮሰ እዩ።

እንተደኣ ናብ ምምሕዳር ግዒዝኩም እውን ናይ ባዕልኹም ናይ ሕክምና ውሕስነት ክትኣትዉ ኣለኩም። ነዚ መኽፈሊ ዝኸውን እውን ምናልባት ሓገዝ ይግበረልኩም ይኸውን እዩ። እዚ ሓገዝ ድማ zorgtoeslag ይበሃል።

እዞም ተወሰኽቲ ሓገዛት ብመንገዲ ናይ ኔዘርላንድ belastingdienst ይወሃብኹም።

ምሕታት huurtoeslag ከምኡ'ውን zorgtoeslag
COA ን huurtoeslag  ከምኡ'ውን zorgtoeslag ክትሓቱ ይተሓባረኩም እዩ። ቅዳሕ ናይ ገዛ ኽራይ ውዕልኩም ናብ  COA እንተተማሊእክሞ ነዚ መሰረት ብምግባር COA ናትኩም huurtoeslag ክሓተልኩም ይኽእል እዩ። ከአም ኡ’ውን zorgtoeslag ክሓተልኩም ይኽእል እዩ።

Kinderbijslag ን kindgebonden budget

ኣብ ነዘርላንድ ካብ መንግስቲ መናበዪ ቆለዑት ክሳብ 18 ዓመት ገንዘባዊ ሓገዝ  ትቅበሉ። ክልተ ዓይነት ሓገዝ ኣሎ፣ Kinderbijslag ን kindgebonden budget።

Kinderbijslag
ሓገዝ ቆልዓ ባዕልኩም ኣብ Sociale Verzekeringsbank (SVB) ክትሓቱ ኣለኩም። እዚ መንበሪ ፍቃድ ኣብዝረኸብኽምሉ ብ ቅጽበት ኣተግብርዎ። ክንደይ ሓገዝ  ዓይግባኹም ዓመት ዉላዱም ወሳኒ እዩ። ውላድኩም 6 ዓመት ምስገበረ ዝያዳ ሓገዝ ቆልዓ ትረኽቡ። ውላድኩም 12 ዓመት ምስኣኸለ ሓገዝ ቆልዓ ከምብሓዲሽ ይውሰኽ ።SVB ሓገዝ ቆልዓ ኣኣብ ርብዒ ዓመት ይኸፈል( እዚ ዓብ 3 ወርሒ እዩ)። መንበር ፍቓድ እንተዘይኹም ኻብ COA ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይክትረኽቡን ኢኹም።

Kindgebonden budget
እዚ ተወሳኺ ወርሓዊ ሓገዝ Belastingdienst ንስድራ ቆልዑት ክሳብ 18 ዓመት እዩ። Het kindgebonden budget ንስድራ ትሑጥ እቶት ዘለዎም ዝተዓለመ እዩ። መሰልኩም ን kindgebonden budget ኣብ እቶት ናይ ስድራኹም ዝተሞርከሰ እዩ።kindgebonden budget ኣኣብ ወርሂ ይኽፈል ካብ መሰል ን ሓገዝ ቆልዓ ዘለኩም እዋን።ሓገዝ ቆልዓ ንቆልዑት ካብ 12 ዓመት ክሳብ 18 ዓመት ዘለዉ ይበዝሕ ን ካብ ዝነኣሱ። ከም ንጽል ወላዲ መጥን ዝያዳ ሓገዝ ትረኽቡ።


Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1734

Links
[1] https://ind.nl/Paginas/Online-afspraak-maken.aspx
[2] https://www.government.nl/topics/personal-data/personal-records-database-brp
[3] https://www.inburgeren.nl/
[4] https://www.digid.nl/
[5] https://www.uitlegzorgverzekering.nl/ti/#!/ti

2022.06.28 - Tigrinya