መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብኩም ድዩ? እምበኣር ኣብ ናይ ሰባት መሰረታዊ መዝገብ (BRP) ተመዝገቡ። እንተድኣ ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኮይንኩም COA ኣብ ናይ BRP መመዝገቢ ንኽትምዝገቡ ዕድመ ክልእኸልኩም እዩ። BRP ናይ ኩሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብሩ ሰባት ናይ ውልቃዊ ሓበሬታት ዝርዝር ዝሓዘ እዩ። እንተድኣ ንስኹም ኣብ BRP ተመዝጊብኩም ፍሉይ ዝኾነ ናይ ውልቁኹም ቁጽሪ፣ ናይ ዜግነት ኣገልግሎት ቁጽሪ (BSN) ክወሃበኩም እዩ።
ብተወሳኺ ድማ እንተደኣ ኣብ ኔዘርላንድ 6 ኣዋርሕ ዝተቐመጥኩም ኮይንኩም እሞ ገና ካብ IND ውሳኔ ክወሃበኩም ትጽበዩ ዘለኹም ኮይንኩም እውን፣ ኣብ BRP ክትምዝገቡ ኣለኩም። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ግን እቲ ሪጋ ነዊሕ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን እቲ ሪጋ ነዊሕ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ስለዚ ድማ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዝተዋሃቦም ሰባት እዩ ቀዳምነት ዝወሃቦም ዘሎ ምኽንያቱ ድማ መንበሪ ቤት ንኽወሃቡ ስለዘድልዮም።
ምግዓዝ
ኣብ’ቲ መስርሕ ኣብትገብረሉ እዋን ትጸንሓሉ ቦታ (pol) ወይ ድማ ኣብ ካልእ ናይ ስደተኛታት መዓስከር (azc) ኣብ ዝነበርክምሉ እዋን ኣብ BRP ዝተመዝገብኩም ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ስለዚ ድማ ዛጊት ናይ BSN ቁጽሪ ተዋሂብኩም ኣሎ ማለት እዩ። ስለ’ዚ ከም ብሓድሽ ክትምዝገቡ እውን ኣየድልየኩምን እዩ። ግን ነቲ ሓድሽ ኣድራሻኹም ንቤት ጽሕፈት ምምሕዳርኩም ክትሕብርዎም ኣለኩም።
ሕቶታት ኣለውኹም? እምበኣር ሕቶታትኩም ናብ ናይ ኮዋ ተሓባባራይኩም ወይ ድማ ናብ ሓበሬታ ዝወሃበሉ ቦታ (infobalie) ኣቕርብዎም።