COA ምንባርኩም ኣብ ናይ COA ቦታታት ብዝተኻእለ መጠን ምቹእ ምእንቲ ኸውን ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ይገብር እዩ። ብዛዕባ ገለ ገለ ነገራት ዘይሕጉሳት እንተደኣ ኮይንኩም ግን ንዓና ክትሕብሩና ንደልይ ኢና። ብኸምዚ ድማ ምሳኹም ሓቢርና መፍትሕታት ነናድይ። ኣብ ናይ COA ኣካይዳ ናይ ጥርዓናት (COA Klachtenregeling voor bewoners en derden) መስርሕ ጥርዓናት ብኸመይ ኣገባብ ከምእነካይዶም ሰፊሮም ይርከቡ።
ብዛዕባ እንታይ ጥርዓናት ከተቕርቡ ትኽእሉ?
ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ጥርዓንኩም ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ገለ ካብኣቶም ድማ፥ ብዛዕባ ኣወሃህባ ኣገልግሎታት ብናይ COA ሰራሕተኛታ ወይ ብዛዕባ ኣብ ናይ COA ቦታ ዘለዉ ቀረባትን ይርከብዎም። ውሕስነት ዘይስመዓካ እንተኾይኑ እውን ብዛዕብኡ ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣካይዳ ናይ ጥርዓናት ንነበርትን ንምሳኹም ሓቢሮም ዝነብሩ ሰባት ዝምልከት ኣይኮነን። እንተደኣ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጥርዓናት ኣለውኹም ኮይኖም ምስ ናይ’ቲ ቦታ ናይ COA ሰራሕተኛ ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ጥርዓንኩም ብኸመይ ከተቕርቡ ትኽእሉ?
ኩሉ ግዜ ንዘለውኹም ጥርዓናት መጀመርታ ምስ ናይ COA ሰራሕተኛ ክትዘራረብሎም እቲ ዝበለጸ እዩ።
እንተደኣ ኣዚ ንዓኹም ምንም ዘምጸኣልኩም ነገር ዘየለ እንተኾይኑ ብጽሑፍ ወይ ብ ኢ-መይል ናብ ናይ’ቲ ቦታ ናይ COA ኣመሓዳሪ ወይ/ከምኡ’ውን ክፍሊ ሕጋዊ ጉዳያት ናይ COA ጥርዓንኩም ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ድማ ብቛንቋ ኔዘርላንደኛ ወይ ኢንግሊዘኛ ክኸውን ይኽእል እዩ።
COA
t.a.v. team Juridische zaken
Postbus 30203
2500 GE Den Haag
klachten@coa.nl [1]
መስርሕ ምክያድ ጥርዓን ክንደይ ዝኣክል ግዜ ይወስድ?
ብመሰረቱ መስርሕ ምክያድ ጥርዓን እንተበዘሐ 6 ሳምንታት ይወስድ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ነቲ ጥርዓን ንምክያድ ንውሕ ዝበለ ግዜ ከድልይ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ድማ ጥርዓንኩም ክካየድ እንተበዘሐ 10 ሳምንታት ይወስድ።
እንተደኣ ብኣካይዳ ናይ ጥርዓንኩም ብ COA ዘይሕጉሳት ኮይንኩም እንታይ ትገብሩ?
እንተደኣ ብኣካይዳ መስርሕ ናይ ጥርዓንኩም ዘይሕጉሳት ኮይንኩም፣ ድሕሪ ጥርዓንኩም ዝተኻየደሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናብ ሃገራዊ ናይ ህዝቢ ጥርዓን ተቐባሊ (Nationale Ombudsman) ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።