Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2022.06.28 - Tigrinya - "Verkeer en vervoer"

ቀንዲ ገጽ > ተሽከርከርትን መጓዓዝያን

ትራፊክን መጓዓዝያን

ኣብ ነዘርላንድስ ኣብ ጽርግያ ንምኻድን ዝተፈላለዩ መጓዓዝያታት ንምጥቃምን ሕግታት ትራፊክ ነዘርላንድስ ክትፈልጥ ኣሎካ። እዚ ንኣጋር፣ ንተሽከርከርቲ ከምኡውን ንመራሕቲ ማኪና ዝምልከት ኢዩ። እቲ ሕግታት ካብቲ ኣብ መበቈል ሃገርካ ዘሎ ሕጊ እተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ትራፊክ ኣብ ኔዘርላንድ፥ ድሕነት ብዘለዎ ኣገባብ ብእግርኻ ምኻድን ብሽክለታ ምዝዋርን

ሓደጋታት ንምክልኻል ነቶም ሕግታት ክትፈልጦም ኣድላዪ እዩ። እታ ትራፊክ ኣብ ኔዘርላንድ፥ ድሕነት ብዘለዎ ኣገባብ ብእግርኻ ምኻድን ብሽክለታ ምዝዋርን ዘርእስታ መጽሄት ንኹሎም እቶም ኣገደስቲ ዝዀኑ ሕግታት ትራፊክን ምልክታት ትራፊክን ዝሓዘት እያ። ብእግርኻ ወይ ብብሽክለታ ኣብ ትጓዓዘሉ እዋን ምእንቲ ሓደጋ ከየጋጥመካ ነዚኦም ክትፈልጦም ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ኣብ ነዘርላንድስ ኣብ ናይ መኪና ጽርግያ ብእግርኻ ክትከይድ ወይ ብሽክለታ ክትዝውር ኣይፍቀደልካን እዩ። ብሽክለታኻ ንኻልኦት ተጠቀምቲ መገዲ ንኸተጠንቅቖም ዘኽእለካ ደወል ክህልዋ ኣለዎ። ብሽክለታኻ ደወል እንተ ዘይብላ 35 ዩሮ ብገንዘብ ክትቅጻዕ ትኽእል ኢኻ።

ነታ መጽሄት ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ኣብ ኢንተርነት ክፈታ ወይ ንናይ COA ሰራሕተኛ ሕተቶ። ናይ COA ሰራሕተኛታት እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ነዘርላንድስ ዘሎ ትራፊክ ዝያዳ ክነግሩኻ ይኽእሉ እዮም። እዛ መጽሄት ቁኑዓትን ጌጋታትን ኵነታት ትራፊክ ዘርእዩ ሓያሎ ስእልታት ዝሓዘት እያ።

ሕግታትን ምልክታትን ትራፊክ

ማኪና ብየማን ሸነኽ ዘውር ቐዳምነት ድማ ሃብ
• ኣብ ነዘርላንድስ ኵሉ ተጠቃሚ መንገዲ የማናይ ሸነኽ ክሕዝ ኣለዎ።
• ኣብ መስቀላውን ብጐድኒ ዝመጹ መገድታትን ምልክት ትራፊክ ወይ ምልክታት እንተ ዘይሓቢሩ ብየማን ሸነኽ ዝመጽእ ትራፊክ ኩሉ ግዜ ቐዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ።
• እንተደኣ ናብ ጽርግያ ወይ ናብ ዓንኬላዊ መንገዲ ክትሕወስ ደሊኻ ንኻልኦት ቀዳምነት ክትህብ ኣሎካ።
• ሰማያዊ መብራህትን መጠንቀቕታ ድምጽን ዘለወን ኣምቡላንስ፣ ናይ ፖሊስ መካይንን ናይ መጥፋእቲ ሓዊ መካይንን ኩሉ ግዜ ቐዳምነት ክወሃበን ኣለዎ።

ካልኦት ሕግታት ትራፊክ፥
• ቐይሕ መብራህቲ ትራፊክ ምስ ዝውላዕ ደው ክትብል ኣሎካ።
• ኣብ ውሽጢ ማኪና ቅናት መንበር ክትገብር ትግደድ ኢኻ፣ ወላ እውን ተጓዓዛይ ኩን።
• ኣንፈት እትቕይር ተሽከርካሪት ኣንፈት መሐበሪ ምልክት ክትገብር ኣለዋ። ሞተር ዘለወን ተሽከርከርቲ ነዚ ኣራንሾኒ ብዝሕብሩ መብራህቲ ውልዕ ጥፍእ እንዳበላ እየን ዝገብረኦ። ብሽክለታ ዝዝውር ሰብ ከኣ ኢዱ ብምዝርጋሕ ይሕብር።
• ብኣጋር ዝጓዓዙ ሰባት በቲ መገዲ ኣጋር ክኸዱ ኣለዎም ክሰግሩ ከለዉ ድማ ብዜፕራ ፓድ ክሰግሩ ኣለዎም። ናይ ኣጋር መገዲ እንተ ዘየልዩ ብጸጋማይ ሸነኽ ናይ እቲ መገዲ እንተ ተጓዓዝካ ዝሓሸ እዩ።
• ኣብ ናይ መካይን ጽርግያታትን መገዲ ባቡርን ትራምን ብእግርኻ ምኻድን ብሽክለታ ምዝዋርን ንህይወትካ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እዚ ኩልኩል ኣዩ።
•  ምስ መሰየ ናይ ኩለን ተሽከርከርቲ ናይ ቅድሚትን ናይ ድሕሪትን መብራህቲ ክውላዕ ኣለዋ። እዚ ንብሽክለታታት እውን ዝምልከት እዩ ።
• ሕጊ ትራፊክ እንተ ጥሒስካ ፖሊስ መቕጻዕቲ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ምልክታት ትራፊክ
ኣብ ነዘርላንድስ ካብ ኣብ ዓድኻ ዘለዉ ዝተፈልዩ ብዙሓት ምልክታት ትራፊክ ክትርኢ ኢኻ። ኣብታ ትራፊክ ኣብ ኔዘርላንድ፥ ድሕነት ብዘለዎ ኣገባብ ብእግርኻ ምኻድን ብሽክለታ ምዝዋርን ዘርእስታ መጽሄት ሓደ ሓደ ኣገዳስቲ ዝኾኑ ምልክታት ተራፊክ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ rijksoverheid.nl ብዛዕባ ሕግታት ትራፊክ ነዘርላንድስ ዝምልከት ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈ ሰፊሕ ሓበሬታ ኣሎ። ንኣብነት Road Traffic Signs and Regulations in the Netherlands ዘርእስታ መጽሄት ኣላ።

Links extern

  • Road Traffic Signs and Regulations in the Netherlands (rijksoverheid.nl) [1]
    http://www.rijksoverheid.nl/binaries/rijksoverheid/documenten/brochures/2012/02/28/verkeersborden-en-verkeersregels-in-nederland-engels/i-m-rvv2014-eng.pdf

ቈልዑ ሒዝካ ብሽክለታ ምዝዋር

ንሓደ ቘልዓ ኣብ ብሽክለታ ሰቒልካ ክትማልኦ እንከለኻ ኣብ ፍሉይ ናይ ቘልዑ ኮፍ መበሊ ኮፍ ከተብሎ ኣሎካ።

ካብ 9 ወርሒ ኽሳዕ 3 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቈልዑ ኣብ ብሽክለታ ሰቒልካ ክትማልኦም እንከለኻ ኣብ ቕድሚት (ኣብ መዘወሪ) ኣብ ዝግጠም ፍሉይ ናይ ቆልዑት ኮፍ መበሊ ኮፍ ከተብሎም ኣለካ።

ካብ 3 ክሳዕ 5 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቈልዑ ከኣ ኣብ ድሕሪት እታ ብሽክለታ ኣብ ዝተገጥመ ናይ መንበር  ቅናት ዘለዎ ኮፍ መበሊ ኢኻ እትጥቀም። ናይ ቆልዑ ኣእጋር ኣብ መንጎ ቸርክዮ ናይ እታ ብሽክለታ ንኸይኣትው መኸልከሊ ክግበረሉ ከምዘለዎን ጥንቃቐ ድማ ክግበር ከምዘለዎን ኣቕልበሉ!

ካብ 5 ኽሳዕ 8 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቈልዑ ናይ እግሪ መደገፊ ዘለዎ ቕልል ዝበለ ኮፍ መበሊ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ነዞም ዓበይቲ ቆልዑት እውን ኣእጋሮም ኣብ መንጎ ቸርክዮ ናይ እታ ብሽክለታ ንኸይኣትው መኸልከሊ ክግበረሎም ከምዘለዎ ኣስተብህል!

ኣብ መገዲ ባቡር

ብፍጹም ኣብ መገዲ ባቡር ብእግርኻ ኣይትጓዓዝ። እዚ ንህይወትካ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። እተን ባቡራት ብልዑል ናህሪ እየን ዝጐዓዛ።

ኣብ መኸልከሊ ዝግበረሉ መስገሪ ቦታታት እቲ ናይ መጠንቀቕታ መብራህቲ ክበርህ እንተ ጀሚሩ ወይ እቲ ደወል ክድውል እንተ ጀሚሩ ደው ክትብል ኣሎካ። እንተደኣኣ ድሮ ናብ ማዕዶ ሰጊርካ ኸኣ ካብኡ ብህጹጽ ከተልግስ ኣለካ።

ብዘይካዚ መኸልከሊ ወይ ምልክታት ዘይብሉ መሰጋገሪ እውን ኣሎ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ቅድሚ ምስጋርካ ባዕልኻ ጽቡቕ ጌርካ ክትርኢ ኣለካ። እተን ባቡራት ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ፍጥነት ከም ዘለወን እውን ኣይትረስዕ።


Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1643

Links
[1] http://www.rijksoverheid.nl/binaries/rijksoverheid/documenten/brochures/2012/02/28/verkeersborden-en-verkeersregels-in-nederland-engels/i-m-rvv2014-eng.pdf

2022.06.28 - Tigrinya