Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2022.06.28 - Tigrinya - "Einde opvang (beroep zonder schorsende werking)"

ቀንዲ ገጽ > ምዝዝዛም መጽለሊ ላይ ምርካብ መሰል (ውሳኔ ንግዚኡ ደው ከብል ዘይእል ይግባይ)

ዑቕባ ምሕታት ምስዝንጸገ

ናይ ዑቕባ ሕቶካ ብ ኢምግረሽንን ዜግነትን ትካል (IND) ተነጺጉ ድዩ? ከምኡ እንተኾነ እዚ ነቲ ብ ማእከላይ ትካልመዕቆቢ ሓተትቲ-ዑቕባ (COA) ኮዋ ዝወሃበካ ናይ መዕቆቢ መሰልካ ሳዕቤን ኣለዎ።

ክትወጻሉ ዘለካ ናይ ግዜ ገደብ
ካብ ትካል ኢ. ኤን. ዴ ውሳኔ / ፍርዲ ወሲድካ ኣለኻ። ኣብ’ዚ ውሳኔ፡ እቲ ትወጻሉ ናይ ግዜ ገደብ ተጠቒሱ ይርከብ። እዚ ትወጻሉ ናይ ግዜ ገደብ ዝጅምር፡ ካብ’ታ ትካል ኢ. ኤን. ዴ ውሳኔ ዝሃበካ ስዒባ ትመጽእ ዕለት ይሕሰብ። እዚ ትወጻሉ ናይ ግዜ ገደብ ቅድሚ ምእካሉ፡ መዓስከር ለቒቕካ ክትወጽእ ይግባእ።

ይግባይ ምባል
ኣንጻር ናይ ኢ.ኤን.ደይ ውሳኔ ይግባይ ክትብል ትኽእል። እዚ ኣብ ግዜኡ ክትገብሮ ኣለካ። ኣብቲ ዝተዋህበካ ውሳኔ ናይ ኢ.ኤን.ደይ ኣብ ውሽጢ ኣየናይ ግዜ እዚ ክትገብሮ ከምዘለካ ተጻሒፉ ኣሎ። ጠበቓኻ ብዛዕባ እዚ ክሕግዘካ ይኽእል።

ክልተ ዓይነት ይግባይ ኣሎ፡
• ይግባይ ምስ ስጋብ መስርሕ ይግባይ ዝውዳእ ኣብ ሆላንድ ንምጽናሕ
• ይግባይ ስጋብ መስርሕ ይግባይ ዝውዳእ ኣብ ሆላንድ ንምጽናሕ ዘይብሉ

ይግባይ ነቲ ዘለካ ናይ ምዕቛብ መሰል ሳዕቤን ዘለዎ ክኸውን ይኽእል።

እቲ ዝገበርካዮ ይግባይ ስጋብ መስርሕ ይግባይ ዝውዳእ ኣብ ሆላንድ ንምጽናሕ ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትፈልጥ ትደሊ ዶ? ከምኡ እንተኾነ ንጠበቓኻ ሕተቶ።

ይግባይ ብዘይ ስጋብ ናይ ይግባይ መስርሕ ዝውዳእ ኣብ ሆላንድ ንምጽናሕ

እቲ ዝሓተትካዮ ይግባይ ስጋብ ይግባይ ዝውዳእ ኣብ ሆላንድ ምጽባይ ዘይብሉ ድዩ? ከምኡ እንተኾነ ስጋብ ቤት-ፍርዲ ውሳኔ ናይ ይግባይካ ዝህብ ኣብ ሆላንድ ክትጽበ ኣይፍቀደካን ማለት እዩ። ድሕሪ እቲ ምወዳእታ ናይቲ ናይ ምብጋስ ግዜ ናይ ኮዋ (COA) መዕቆቢ ቦታ ገዲፍካ ክትከይድ ኣለካ።

ስጋብ ውሳኔ ናይ ቤት-ፍርዲ እቲ ዝወሃበካ ዝነበረ ኣገልግሎት ናይ ኮዋ ንኽቅጽል ግን ክትሓትት ትኽእል። በዚ መንገዲ ድማ ኣብቲ ናይ ይግባይ ግዜ ኣገልግሎት ናይ ኮዋ (COA) ንኽትረክብ ክትፍትን ትኽእል።

 

ነቲ ዝተዋህበ ውሳኔ ንግዚኡ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ምሕታት

እቲ ዘቕረብካዮ ይግባይ ስጋብ ይግባይ ዝውዳእ ኣብ ሆላንድ ምጽናሕ እንተዘይብሉ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ውሳኔ ብቐጥታ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ክትሓትት ትኽእል። ይግባይ ምባልን ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ውሳኔ ብቐጥታ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ምሕታትን ኣብ ግዜኡ ክሕተት ኣለዎ። እቲ ፈራዳይ መጀመርያ ብዛዕባ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ውሳኔ ብቐጥታ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ዝሓተትካዮ ውሳኔ ክህብ ይኽእል። ይግባይ ድሕሩ ብቤት-ፍርዲ ይረአ።

ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ውሳኔ ብቐጥታ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ዝሓተትካዮ ተቐባልነት ረኺቡ ዶ?
ከምኡ እንተኾነ ስጋብ ውሳኔ ናይ ቤት-ፍርዲ ብዛዕባ ይግባይ ኣብ ናይ ኮዋ (COA) መዕቆቢ ቦታ ክትጽበ ትኽእል።

ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ውሳኔ ብቐጥታ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ዝሓተትካዮ ተነጺጉ ድዩ?
ናይ ምዕቛብ መሰልካ ድሕሪ ምውዳእ ናይ ምብጋስ ግዜ የብቅዕ። ስለዚ ናይ ኮዋ (COA) መዕቆቢ ቦታ ገዲፍካ ክትከይድ ኣለካ።

ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ውሳኔ ብቐጥታ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ኣይሓተትካን ወይድማ ኣብ ውሽጢ ናይ ምብጋስ ግዜ ብዛዕባዚ ተቐባልነት ኣይረኸብካን ዲኻ?
ናይ ምዕቛብ መሰልካ ድሕሪ ምውዳእ ናይ ምብጋስ ግዜ የብቅዕ። ስለዚ ናይ ኮዋ (COA) መዕቆቢ ቦታ ገዲፍካ ክትከይድ ኣለካ።




 

ውሳኔ ናይ ቤት-ፍርዲ ብዛዕባ ይግባይ ብዘይ ስጋብ ይግባይ ዝውዳእ ኣብ ሆላንድ ምጽናሕ

ይግባይካ ተቐባልነት ረኺቡ
ቤት-ፍርዲ ዘቕረብካዮ ይግባይካ ኣብ ውሽቲ እቲ ናይ ምግካስ ግዜ ተቐቢልዎ። ስለዚ ኣብ ናይ ኮዋ (COA) ዘሎ መዕቆቢ ቦታ መሰል ኣለካ።

ይግባይካ ተቐባልነት ኣይረኸበን
ቤት-ፍርዲ ይግባይካ ኣይተቐበሎን። ናይ ምዕቛብ መሰልካ ድሕሪ እቲ ኣብቲ ኢምግረሽንን ዜግነትን ትካል ኢ.ኤን.ደይ (IND) ዝወሃበካ ውሳኔ ተጻሒፉ ዘሎ ናይ ምብጋስ ግዜ የብቅዕ። 

ሳዕቤናት ምውዳእ መሰል ናይ መዕቆቢ ቦታ

ኣብ መዕቆቢ ቦታ ናይ ምጽናሕ መስለካ ምስዘብቅዕ መዕቆቢ-ቦታ ገዲፍካ ክትካይድ ኣለካ። ድሕሪኡ ኣብቲ መዕቆቢ ቦታ ክትቅመጥ ኩልኩል እዩ። ኩሉ ዝወሃበካ ዝነበረ ነገራት ውን የቛርጽ፡

• ብኮዋ (COA ) ዝወሃበካ ሰሙናዊ ገንዘብ የቛርጽ
• ናይ ጥዕና መድሕን ስለዝተቛረጸ የብልካን
ባዕልኻ መዕቆቢ ቦታ ገዲፍካ ክትከይድ ኣለካ። መዕቆቢ ቦታ ባዕልኻ ገዲፍካ እንተዘይከድካ ሽዑ ፖሊስ ካብቲ መዕቆቢ ቦታ የውጹኡኻ።


 

ኣብ ናጽነትካ ዝተሕጽረሉ መዕቆቢ ቦታ ወይድማ መዕቆቢ ቦታ ናይ ስድራቤት

ናይ ኣብ መዕቆቢ ቦታ ናይ ምጽናሕ መሰልካ ኣብቂዑ እንተኾነ ምምላስን ምብጋስን ትካል (DT&V) ኣብ ካልእ ናጽነትካ ዝተሓጽረሉ መዕቆቢ ቦታ  (vbl) ወይድማ ናይ ስድራቤት መዕቆቢ ቦታ ዝኣመሰለ መዕቆቢ ብታ ንኽረኽበልካ ክውስን ይኽእል። ኣብዚ መዕቆቢ ቦታታት ናብቲ ዝመጻእካሉ ሃገር ንኽትምለስ ሓገዝ ይግበረልካ።
ኣብ ናጽነትካ ዝተሓጽረሉ መዕቆቢ ቦታ  (vbl) ወይድማ ናይ ስድራቤት መዕቆቢ ቦታ መዕቆቢ እንተረኸብካ ምምላስን ምብጋስን ትካል (DT&V) ብመሰረት ናይ ወጻእተኛታት ሕጊ ዓንቀጽ 56 ኣብ ልዕሌኻ ስጉምቲ ይወስድ። እዚ ስጉምቲ ማለት ንስኻ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተሓበረካ ዶብ (መብዛሕቱ ግዜ ዶብ ናይ ምምሕዳር) ከይወጻእካ ንኽትቅመት ይግድደካ። ካብቲ መዕቆቢ ቦታ ግን ወጺእካ ክትንቀሳቐስ ፍቑድ እዩ።

Links extern

  • Repatriation and Department [1]
    https://english.dienstterugkeerenvertrek.nl/RepatriationandDeparture/IwanttoleavetheNetherlands/index.aspx

ውሳኔ ናይ ቤት-ፍርዲ ብዛዕባ ናይ ዑቕባ-ሕቶኻ ድሕሪ ናይ ኮዋ (COA) መዕቆቢ ቦታ ገዲፍካ ምስወጻእካ?

ድሕሪ ንስኻ ናይ መዕቆቢ ቦታ ገዲፍካ ምስወጻእካ ኣዎንታዊ ውሳኔ ክህብ ይኽእል እዩ። ምናልባሽ ብሰንኪ ናይዚ ናይ ቤት-ፍርዲ ውሳኔ ከምእንደገና መሰል ናይ መዕቆቢ ይህልወካ ይኸውን። ስለዚ ኣብ መመልከቲ ማእከል ናይ ኢምግረሽንን ዜግነትን ትካል ኢ.ኤን.ደይ (IND) ኣብ ተርኣፕል ከይድካ ተመልክት። ሓበረታ ብዛዕባ ምምላስ፡ ናይ ሓበሬታ ወረቐት ናይ ሆላንድ ናይ ምምላስ ምሕደራ ረኣ። 


Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1632

Links
[1] https://english.dienstterugkeerenvertrek.nl/RepatriationandDeparture/IwanttoleavetheNetherlands/index.aspx

2022.06.28 - Tigrinya