ናይ ዑቕባ ሕቶካ ብ ኢምግረሽንን ዜግነትን ትካል (IND) ተነጺጉ ድዩ? ከምኡ እንተኾነ እዚ ነቲ ብ ማእከላይ ትካልመዕቆቢ ሓተትቲ-ዑቕባ (COA) ኮዋ ዝወሃበካ ናይ መዕቆቢ መሰልካ ሳዕቤን ኣለዎ።
ክትወጻሉ ዘለካ ናይ ግዜ ገደብ
ካብ ትካል ኢ. ኤን. ዴ ውሳኔ / ፍርዲ ወሲድካ ኣለኻ። ኣብ’ዚ ውሳኔ፡ እቲ ትወጻሉ ናይ ግዜ ገደብ ተጠቒሱ ይርከብ። እዚ ትወጻሉ ናይ ግዜ ገደብ ዝጅምር፡ ካብ’ታ ትካል ኢ. ኤን. ዴ ውሳኔ ዝሃበካ ስዒባ ትመጽእ ዕለት ይሕሰብ። እዚ ትወጻሉ ናይ ግዜ ገደብ ቅድሚ ምእካሉ፡ መዓስከር ለቒቕካ ክትወጽእ ይግባእ።
ይግባይ ምባል
ኣንጻር ናይ ኢ.ኤን.ደይ ውሳኔ ይግባይ ክትብል ትኽእል። እዚ ኣብ ግዜኡ ክትገብሮ ኣለካ። ኣብቲ ዝተዋህበካ ውሳኔ ናይ ኢ.ኤን.ደይ ኣብ ውሽጢ ኣየናይ ግዜ እዚ ክትገብሮ ከምዘለካ ተጻሒፉ ኣሎ። ጠበቓኻ ብዛዕባ እዚ ክሕግዘካ ይኽእል።
ክልተ ዓይነት ይግባይ ኣሎ፡
• ይግባይ ምስ ስጋብ መስርሕ ይግባይ ዝውዳእ ኣብ ሆላንድ ንምጽናሕ
• ይግባይ ስጋብ መስርሕ ይግባይ ዝውዳእ ኣብ ሆላንድ ንምጽናሕ ዘይብሉ
ይግባይ ነቲ ዘለካ ናይ ምዕቛብ መሰል ሳዕቤን ዘለዎ ክኸውን ይኽእል።
እቲ ዝገበርካዮ ይግባይ ስጋብ መስርሕ ይግባይ ዝውዳእ ኣብ ሆላንድ ንምጽናሕ ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትፈልጥ ትደሊ ዶ? ከምኡ እንተኾነ ንጠበቓኻ ሕተቶ።