ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ ዑቕባ ምስ ተሓትት፡ መብዝሕትኡ ግዜ፡ ናይ መጽለሊ ቦታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። እቲ መጽለሊ ቦታ፡ መሕደሪ፡ ምግቢ ወይ ድማ ንዕኡ ዝኸውን ገንዘብ፡ ናይ ጁባ ገንዘብ፡ ምእላይን ናይ ሕክምና ክንክንን ዝሓቖፈ እዩ። እዚ፡ ኣብ ሕጊ ሃገረ ኔዘርላንድ ተጠቒሱ ይርከብ።
እቲ Centraal Orgaan opvang asielzoekers (COA)፡ ንመንግስቲ ኔዘርላንድ ብምውካል፡ ነዚ መጽለሊ የማእክሎ። መንበሪ ፍቓድ ምስ ትርከብ ድማ፡ ክሳብ መንበሪ ገዛ ዝርከበልካ፡ ናይ ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ መጽለሊ ቦታ ተጠቃሚ ትኸውን። ክሳብ ቤት ዝርከበልካ፡ ኣብ መዓስከር ትጸንሕ።
ዘቕረብካዮ ናይ ዑቕባ ሕቶ ምስ ዝንጸግ ድማ፡ እቲ ናይ መጽለሊ መሰልካ ደው ይብል።
ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዘለዎም፡ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ዝርከቡ መጽለሊ ቦታታት ኣለውዎ። እቲ ትረኽቦ መጽለልን ምእላይን፡ ከከም ቦትኡ ይፈላለ።
ማእከል ሓተትቲ ዕቕባ፡ ብዛዕባ ዘቕረብካዮ ናይ ዑቕባ ሕቶ ውሳኔ ኣይህብን እዩ። ንሱ፡ ብ Immigratie- en Naturalisatiedienst (IND) እዩ ዝርአ። ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ፡ ምስ ትካል ኢ ኤን ዴን ካልኦት ከም GezondheidsZorg Asielzoekers (GZA) ዝኣመሰሉ ትካላትን ሓቢሩ ይሰርሕ።