Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2023.09.24 - Tigrinya - "Het COA"

ቀንዲ ገጽ > ኮዋ

ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ

ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ ዑቕባ ምስ ተሓትት፡ መብዝሕትኡ ግዜ፡ ናይ መጽለሊ ቦታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። እቲ መጽለሊ ቦታ፡ መሕደሪ፡ ምግቢ ወይ ድማ ንዕኡ ዝኸውን ገንዘብ፡ ናይ ጁባ ገንዘብ፡ ምእላይን ናይ ሕክምና ክንክንን ዝሓቖፈ እዩ። እዚ፡ ኣብ ሕጊ ሃገረ ኔዘርላንድ ተጠቒሱ ይርከብ።

እቲ Centraal Orgaan opvang asielzoekers (COA)፡ ንመንግስቲ ኔዘርላንድ ብምውካል፡ ነዚ መጽለሊ የማእክሎ። መንበሪ ፍቓድ ምስ ትርከብ ድማ፡ ክሳብ መንበሪ ገዛ ዝርከበልካ፡ ናይ ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ መጽለሊ ቦታ ተጠቃሚ ትኸውን። ክሳብ ቤት ዝርከበልካ፡ ኣብ መዓስከር ትጸንሕ። 

ዘቕረብካዮ ናይ ዑቕባ ሕቶ ምስ ዝንጸግ ድማ፡ እቲ ናይ መጽለሊ መሰልካ ደው ይብል።

ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዘለዎም፡ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ዝርከቡ መጽለሊ ቦታታት ኣለውዎ።  እቲ ትረኽቦ መጽለልን ምእላይን፡ ከከም ቦትኡ ይፈላለ።

ማእከል ሓተትቲ ዕቕባ፡ ብዛዕባ ዘቕረብካዮ ናይ ዑቕባ ሕቶ ውሳኔ ኣይህብን እዩ። ንሱ፡ ብ Immigratie- en Naturalisatiedienst (IND) እዩ ዝርአ። ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ፡ ምስ ትካል ኢ ኤን ዴን ካልኦት ከም GezondheidsZorg Asielzoekers (GZA) ዝኣመሰሉ ትካላትን ሓቢሩ ይሰርሕ።

ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓስከር፡ ዝተፈላለዩ ሰራሕተኛታት ይሰርሑ። እዞ ማለት፡ ኮዋ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ካልኦት ትካላት። ንኣብነት፡ ማእከል ክንክን ጥዕና ሓተትቲ ዑቕባ (GezondheidsZorg Asielzoekers (GZA) ከምኡ’ውን  ኣገልግሎት ምምላስን ምፍናውን (Dienst Terugkeer en Vertrek (DT&V). ብተወሳኺ፡ ኣብ መዓስከር ዝሰርሑ ወለንተኛታት’ውን ኣለዉ። ንሶም ንኣብነት፡ ቋንቋ ኔዘርላንድ ዝምህሩን ወይ ኣብ ምድላው (ስፖርታዊ) ንጥፈታት ዝተሓባበሩን እዮም።

ተርጎምቲ
ብቑዕ ቋንቋ ኔዘርላንድ ወይ ኢንግሊዘኛ ዘይትዛረብ ምስ ትኸውን፡ ኣብ’ቲ ምስ ሰራሕተኛታት እተካይዶ ዝርርብ፡ ተጠቃሚ ናይ ቴሌፎን ተርጓሚ ክትከውን ትኽእል። ነዚ፡ ኣብ’ቲ ትገብሮ ዝርርብ ክትሓትት ትኽእል። 

ሓበሬታ
ምስ ሰራሕተኛ ክትዛረብ ደሊኻ? ወይ ድማ ካልእ ሕቶ ኣለካ? ኣብ ናይ ሓበሬታ ጠረጴዛ ናይ ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ ተወከስ።
ሰራሕተኛ ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ ክትረክብ ምስ ዘይትኽእል ድማ፡ ንኣብ ሪሴፕሽን ዘለዉ ዋርድያ ተወከስ።

ሓለቓ መዓስከር

ሓለቓ መዓስከር፡ ናይ’ቲ መዓስከር ዝለዓለ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ሓደ መዓስከር ዝተፈላለየ ዓይነት መጽለሊ ምስ ዝህሉ፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ኣሕሉቕ መዓስከር ክህልዉ ይኽእሉ። ን ኣብነት፡ ሓደ ናይ ንቡር መዓስከር ሓደ ድማ ናይ procesopvanglocatie (pol) ክኾኑ ይኽእሉ።  

ኣላዪ መዓስከር

ዝኾነ ምስ ኣብ መዓስከር ምንባር ዝተኣሳሰር ሕቶ ምስ ዝህልወካ፡ ንኣላዪ መዓስከር ክትውከስ ትኽእል። ንሱ፡ መልሲ ንምርካብ፡ ናብ መን ሰብ ወይ ትካል ክትከይድ ከምትኽእል ይሕብረካ። ንሱ፡ ናትካ ተጸዋዒ ኣካል ኮይኑ፡ ሓሓሊፉ ክበጽሓካ ይመጽእ።  ምስኡ ብኣካል ክትዛራረብ’ውን ክትሓትት ትኽእል። እቲ ዝርርብ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ወይ ድማ ኣብ ገዛኻ ክካየድ ይኽእል።  

ዓቀይታ መዓስከር

ዓቀይታ መዓስከር፡ ነቲ መዓስከርን ንብረትን ዝከናኸን እዩ። ንሱ ን ኣብነት፡ ዝተሰብረ መዓጹ ይዕርን ዝተሰብረ መብራህቲ ድማ ይቕይር። 

ኣላዪ መደብ

ኣላዪ መደብ፡ ኣብ መዓስከር ሓበሬታ፡ መደባትን ስልጠናታት ይህብ። ን ኣብነት፡ “ምቅርራብ ን ኢንበርኸሪን” ዝብል መደብ ንመንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ነበርቲ መዓስከር ይህብ።  ወይ ድማ፡ ንድሌት ዘለዎም ነበርቲ 'ተጻዋርነት' ዝብል ስልጠና የዳሉ።  ብተወሳኺ፡ ኣላዪ መደብ፡ ሓላፍነት ከም ናይ መጻወቲ ኣዳራሽ ወይ ድማ ክፉት ናይ መምሃሪ ማእከል ዝኣመሰሉ መሳለጥያታት ሓላፍነት ኣለዎ።  

ማእከልነት ጉዳይ

ማእከልነት ጉዳይ፡ ኣብ ሃገረ ኔዘልራንድ ዘለካ መጻኢ ኣብ ምቕላስ ውልቃዊ ምእላይ የካይደልካ። ውጥንካ ባዕልኻ ኢኻ ተውጽእ።  ምስ ማእከልነት ጉዳይ ብምዃን ድማ፡ ውጥንካ ኣብ ምፍጻም ክትወስዶም ዘለካ ስጉምትታት ትዘራረበሎም።  

ወለንተኛ

ኣብ መዝሕትአን መዓስከራት፡ ወለንተኛታት ይሰርሑ እዮም። ን ኣብነት፡ ኣብ መጻወቲ ኣዳራሽ ወይ ድማ ኣብ Open Leercentrum (OLc) ብተወሳኺ፡ ንሶም፡ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣብ ምድላው ይተሓባበሩ። ንሶም፡ ነቲ ዘሰላስልዎ ስራሕ ደሞዝ ኣይክፈሉን እዮም። 

ዋርድያ (ትሪኽዮን)

ኣብ ነፍስ-ወከፍ መዓስከር፡ 24 ሰዓታት ዋርድያታት ኣለዉ። ንሶም፡ ኣብ ሪሰፕሽን ይርከቡ። ዋርድያ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ መእተዊ ይርከብ። በጻሕቲ ምስ ዝመጽኹም፡ ናብ ሪሰፕሽን ብምኻድ ንዋርድያ ክሕብሩ ይግባእ። ናብ ማእከል ሓተቲ ዑቕባ ምስ ዝድወለኩም፡ ናብ ሪሰፕሽን ትኸዱ። ብተወሳኺ፡ ከም ባርዕ ዝኣመሰለ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም፡ ናብ ሪሰፕሽን ኬድኩም ክትሕብሩ ይግባእ። ናይ ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ ሰራሕተኛታት ኣብ ዘይርከብሉ እዋን ድማ፡ ናብ ኣብ ሪሰፕሽን ዘሎ ዋርድያ ክትከዱ ትኽእሉ።  

ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ እንታይ ዝግበር ንጥፈታት ኣሎ

ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ትጸንሓሉ ግዜ፡ ግዜኻ ብጽቡቕ ክትጥቀመሉ ኣገዳሲ እዩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ መዓስከር፡ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ይዳለዉ። ብተወሰኣኺ፡ ከም ዋይ ፋይ፡ ናይ መዛናግዒ ማእከልን ኮምፒተራትን ዝኣመሰሉ መሳላጥያታት ክትጥቀም ትኽእል። ድሌት ምስ ዝህልወካ ድማ፡ ኣብ መዓስከርካ ክትተሓጋገዝ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣብ መዛናግዒ ኣዳራሽ፡ ከም ሓላዊ ኮንካ ክትሰርሕ ትኽእል። 


Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1606
2023.09.24 - Tigrinya