እዚ ሓበረታ ንኹሎም ነበርቲ ዝምልከት እዩ።
ቡስጣ ኣብ ጠረፔዛ ኣስተናጋዲ
ኩሉ ቡስጣ ኣብ receptie እዩ ዝመጽ።ኣብኡ ዝመጻኩም ቡስጣ እንተሎ ትርእዩ። ኣብ መርበብ ሓበረታ MyCOA እዉን ክትከታተሉ ትኽእሉ ዝመጻኩም ቡስጣ እንተ ኣሎ። ነዚ ንምግባር እቲ V-nummer ኩም ተጠቀሙ። ቡስጣኹም ኣብ receptie ኬድኩም ትወስድዎ፣ ካብ ሰራሕተኛታት ጸጥታ (Trigion)።
ዘይፍሉጥ ቡስጣ
እቶም ኣስተናገድቲ ሓደ ሓደ ጊዜ ሓደ ቡስጣ ናይ መን ከምዝኾነ ክፈልጡ ኣይክእሉን። ን ኣብነት ብምኽንያት ንጹር ዘይኮነ ኣጸሓሕፋ ዊን ዘይፍሉጥ ቋንቋ። ስለዚ እቲ ቡስጣ ናብ ለኣኺኡ ይምለስ።
ናይ ሓደራ ቡስጣ ዊን ዕሻግ
•ናይ ሓደራ ቡስጣ ኣገዳሲ ቡስጣ ከምዝተቀበልክምዎ ገዛእ ርስኹም ፈርማኹም መስፋር ዘድልዮ እዩ። ኣብ receptie ከምዚ ዓይነት ቡስጣ ኣይቅበሉን እዮም። እዚ እንኮላይ ን ናይ ሓደራ ዕሻግ ዝምልከት እዩ። እንተ ናይ ሓደራ ቡስጣ ዊን ናይ ሓደራ ዕሻግ መጺኩም እቲ ቡስጣ ዘዝዉር ኣብ ኢድኩም ከረክበኩም ኣለዎ። ሓደ ሓደ እዋን እቲ ቡስጣ ዘዝውር ዊን ኣስተናጋዲ ግመት ክሕብርኹም ይኽሉ ቡስጣ ሰዓት ክንደይ ኣቢሉ ከምዝዕደል።
•እንተ ኣብ እዋን መእዳል ቡስጣ ዘየለኩም ኣብ ጠረፔዛ ኣስተናጋዲ፣ እቲ ቡስጣ ዘዝውር ሓንቲ ብጣሽ ጽሕፍቲ ይገድፈልኩም። እዚኣ ናይ መቀበሊ ሓበሬታ ትባሃል (afhaalbericht)። ኣብዛ afhaalbericht ቡስጣኹም ዊን ዕሻግኩም ንምቅባል እንታይ ክትገብሩ ከም ዘለኩም ሰፊሩ ኣሎ። እንተ ቡስጣኹም ዊን ዕሻኩም ዘይወሲድኩሞ፣ እዚ (መብዛሕቱ ጊዜ ድሕሪ 2 ሰሙን) ናብ ዝለኣኾ ይምለስ።
•Vluchtelingenwerk ኣብ ተር ኣፕል ኣብ ፈለማ እዋን መስርሕ ዑቅባ ኣብ ምስዳድን ምቅባልን (ናይ ሓደራ) ቡስጣ ክተሓጋገዝኹም ይኽእሉ። እዚ (ናይ ሓደራ) ቡስጣ ኣገዳስነት ንመስርሕ ዑቅባ ምስ ዝህልዎ ጥራሕ እዩ።ኣብ ዘለኹሞ ቦታ ንዘሎ ተኸሎታት ንVluchtelingenwerk ተወከሱ።
ምቅያር ኣድራሻ
እንተ ናብ ካልእ ቦታ ዊን መንበሪ ገዛ ግዒዝኩም፣ እቲ ሓዲሽ ኣድራሽኹም ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንሓብሩ፡
•ን ሓድሽ ምም
•ን ጠበቃኹም
•ን ዝምልከተን ማሕበራት፣ ከም IND, DT&V ን ባንክኹምን
•የዑርኽተን ቤተሰብን
መብዛሕቱ ጊዜ ኣብ ናይ COA-ቦታ የለኹምን?
•ንቡስጣኹም ሓላፍነት ኣብ ገዛእ ርእስኹም እዩ። እንተ መብዛሕቱ እዋን ካብ ናይ COA ቦታ ወጻኢ ትጸንሑ ኾይኑ፣ ቡስጣኹም ኣብቲ ትጸንሕሉ ኣድራሻ ከምዝመጻኩም ክትገብሩ ይከኣል እዩ። ከምዚ ክትገብሩ ነቶም ቡስጣ ዝሰዱልኩም ሰባትን ማሕበራትን ኣድራሻ መኸየሪ ሓበሬታ ስደዱሎም።