Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2022.06.28 - Tigrinya - "Budgetteren"

ቀንዲ ገጽ > ምስላዕ ባጀት

ግምት ባጀት ምውሳድን ባጀት ምምዳብን

ገንዘብካ ናብ እንታይ ከምዝወጽእ ዘሎ ክርደኣካ ዶ ትደሊ? ከምኡ እንተኾነ ባጀት ( ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣብ መጻኢ ዘድልየካ ወጻኢታት ምውጣን) ምድላው ጠቓሚ እዩ። ባጀት ናይ ገንዘብ ጉዳያትካ የነጽረልካ። ክንደይ ገንዘብ ከምዘለካን ነዚ ድማ ከመይ ጌርካ ከም ተውጽኦን የርእየካ። በዚ ፍልጠት ወጻኢታትካ ክትቆጻጸር ትኽእል። 

ግምት ባጀት ምድላው

ግምት ባጀት ሊስታ ናይ ወጻኢታትን ኣታዊታትን አዩ። አዚ ንምግባር 2 ዓንዲ ዘለዎ ሰለዳ ተዳሉ። እዚ ኣብ ወረቐት ክኸውን ይኽእል። ኣብ ኮምፕዩተር አንተኾነ ኤክሰል ነዚ ንምስራሕ ሓጋዚ ፕሮግራም እዩ።  
ኣብቲ ጸጋማይ ዓንዲ ወርሓዊ ኣታዊታትካ ንታሕቲ ትሰርዕም ንኣብነት፡
• ካብ ወሃቢ ስራሕካ ትረኽቦ ደሞዝ
• ንመንበሪ ዝወሃበካ ገንዘብ ካብቲ ካብቲ ዝምልከቶ ትካል
• ድጎማ (ገንዘባዊ ሓገዝ) መውዓሊ ህጻናት
• ንመዕበይ ውላድ ትረኽቦ እቶት
• ድጎማ ናይ ገዛ-ክራይ
• ድጎማ ናይ ጉዕዞ ወጻኢታት
• ድጎማ ናይ ጥዕና መድሕን
• ድጎማ ንውሉድ

ሓደ ግዜ ኣብ 3 ወርሒ ዝወሃበካ ገንዘብ-  ከም ድጎማ ንውሉድ- ናብ ሰለስተ መቒልካ ወርሓዊ እቶት ትፈልጥ።
ኣብቲ የማናይ ዓንዲ ድማ ወጻኢታትካ ተንብር፡
• ቀዋሚ ወጻኢታት። ከም ክራይ ገዛኻ, ወጻኢታት ጸዓት (ጋዝን ኤለክትሪክን)፡ መድሕን፡ ውዕል ዓሚልነት (ተለፎን፡ ጋዜጣታት)
• ዘቤታዊ ወጻኢታት፡ ንሂወትካ ዘድሊ ወጻኢታት(ዝብላዕ, ዝስተን መድሃኒትን)
• ወጻኢታት ንዝቕመጥ:  ኣዚ ወርሓዊ ተቐምጦ ገንዘብ ኮይኑ ወርሓዊ ዘይኮነ ወጻኢታት ከም ምግዛአ ክዳውንትን ማሽንን ንምግዛእ ትጥቀመሉ።
ኣብ ነፍሰወከፍ ዓንዲ ተጻሒፉ ዘሎ ገንዘብ ምስትድምሮ ድምር ናይቲ ኣታዊታትካ ብዝሒ ገንዘብን ድምር ናይቲ ወጻኢታትካ ድምር ብዝሒ ገንዘብን ይህበካ። ብዝሒ ገንዘብ ናይዚ ድምር ካብ ነንሕድሕዱ ምስተጉድል ኣብ ሓደ ወርሒ ክንደይ ገንዘብ ከምዝጎድለካ ወይ ድማ ከም ዝተርፈካ ትርኢ።

ግምት ባጀትን ባጀት ምምዳብን ውን ኣካል ናይቲ ምፍላጥ ሕብረተሰብ ሆላንድ ፕሮግራም (KNM) ናይ ኮዋ እዩ።

ውጽኢት ናይ ባጀት ምምዳብ አንታይ እዩ?

ወርሓዊ ባጀታዊ ግምት እንተጌርካ ወርሓዊ ክንደይ ገንዘብ ከምዝጎድለካ ወይ ከምዝተርፈካ ትፈልጥ። ሽዑ ገለ ወጻኢታት ከተጉድሎም ትኽእል እንተኾንካ ክትርኢ ትኽእል ከምኡውን ወርሓዊ (ዝያዳ) ከተቕምጥ ትኽእል። እዚ ድማ ባጀት ምምዳብ ይበሃል።
ንዓበይቲ ወጻኢታት፡ ንብሃንደበት ዘድልየካ ወጻኢታት ዝኸውን  ከም ማሽን ሓጻቢት ክዳዊንቲ፡ ወርሓዊ ገንዘብ ከተቐምጥ ኣገዳሲ እዩ።  ካብቲ ዘውጻእካዮ ውጥን ናይ ባጀት ገንዘብ ዝውሕደካ እንተኾነ፡ ኣብ ወጻኢታትካ ከተማሓይሾ ዘለካ ነገራት እንተሎ
ምርኣይ ይግባእ። ንኣብነት ናይ ግድን ዘይኮኑ ወጻኢታት ኣየኖት ከምምዃኖም ረአ። .
በዚ ዝተገልጸ መንገዲ ወጻኢታትካን ኣታዊታትካን ማዕረ ምስትሰርዕ ገንዘባዊ ኩነታትካ ይተኻኸል። እዚ ማለት ብሰንኪ ናይ ገንዘብ ለቓሕ እብ ሽግራት ኣይትኣቱን ማለት እዩ።
 


Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1575
2022.06.28 - Tigrinya