Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2022.06.28 - Tigrinya - "Het Nederlandse terugkeerbeleid"

ቀንዲ ገጽ > ናይ ምምላስ ፖሊሲ ሃገረ ኔዘርላንድ

ናይ ነዘርላንድ ናብ ዓዲ ምምላስ መርሓ

ምምላስ መርሓ
እዚ ሓበሬታ ነቶም ዑቕባ ሓተቲ ናይ ዑቕባ ምሕታት ጉዳዮም ዝተነጸገ እዩ። ነዘርላንድ ሓደ ናብ ዓዲ ምምላስ መርሓ ኣለዋ። እዚ ማለት እንተ ዑቅባ ምሕታት ጉዳይኩም ተዓጽዩ ካብ ነዘርላንድ ባዕልኹም ክትወጹ ኣለኩም። ኣብ ልዕልዚ (ገንዘባዊ) ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ምንጻግ ሕቶ ዑቕባ
ኣብ Immigratie- en Naturalisatiedienst (IND) ሕቶ ዑቕባ ኣቕሪብኩም። IND ዘቕረብኩምዎ ሕቶ ዑቕባ ኣብ መስርሕ ዑቕባ ነጺግዎ። ነዚ ዝምልከት መልሲ ተቐቢልኩም። ኣብ ዉሽጢ ክንደይ እዋን ካብ ነዘርላንድ ክትወኡ ከምዘለኩም ኣብቲ መልሲ ሰፊሩ ኣሎ ።እዚ ናይ ምብጋስ እዋን ይበሃል። ኣብቲ መልሲ ዝረክብክሙሉ እዋን መንግስቲ ነዘርላንድ ካብ ነዘርላንድ ኪትወጹ ክትዳለዉ ይጽበ።

እንተ ትብገስሉ እዋን ሓሊፉ፣ ናይ ም።ዕቃብ መስልኩም የብቀዕ። ኣብ መዓስከር ክትጸንሑ ኣይፍቀደን። ካብ COA ትረኽብዎ ዝነበርኩም ምሓገዝ የቋርጽ። ተኽሎ ኣሎ ኽትቕየዱ። ከሙ እዉን መንግስቲ ነዘርላንድስ ገዲዱ ከባርረኩም ይኽእል።

እግባይ
ኣንጻር ዉሳኔ ናይ IND ኣብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ።ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ይግባይን ድሕሪኡ ዝሰዕብ ኣብቲ ናይ ሓበሬታ መግለጺ ምብቃዕ ምዕቋብ ዝበል ትረኽብዎ (ይግባይ ምስ ርጉጽ ዉጽኢት) ከምኡ'ዉን ምብቃዕ ምዕቋብ (ይግባይ ብዘይ ርጉጽ ዉጽኢት)።

ምኽሪ ኣብ እዋን ምምላስ

ኣዋዲ ዘይብሉ ናብ ዓዲ ምምላስ
እንተ ደኣ ጉዳይካ ተዓጽዩ ናይ ግድን ኢዩ ኣዋዲ ዘይብሉ ካብ ነዘርላንድ ኪትወጽእ። ምንጻግ ዑቅባ ምሕታት ስለዘይተቀብልክምዎ እግባይ ትብሉ ክኸወን ይኸል'ዩ። እንተኾነ እዚ እዋን ካብ ነዘርላንድ ንኽትብገሱ ከም መቀራረቢ እንተ ተጠቀምክሙሉ ዝሓሽ እዩ።

ምኽሪ ኣብ እዋን ናብ ዓዲ ምምላስ
ኣብ ነዘርላንድ ኣብ ምምላስ ክተሓጋገዛ ዝኽላ ማሕበራት ኣለዋ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ Return assistance ዝያዳ ሓበረታ ብዛዕባ እዘን ማሕበራት ክትረኽቡ ይከኣል። እተን ክልተ ፍሉጣት ማሕበራት International Organization for Migration (IOM) ከምዉ'ዉን
Dienst Terugkeer en Vertrek (DT&V).

Links extern

  • Repatriation and Departure Service [1]
    https://english.dienstterugkeerenvertrek.nl/
  • International Organization for Migration [2]
    http://www.iom-nederland.nl/en/
  • Return assistance [3]
    https://english.infoterugkeer.nl/
  • Dienst Terugkeer en Vertrek [4]
    https://www.dienstterugkeerenvertrek.nl/
  • Internationale Organisatie voor Migratie [5]
    http://www.iom-nederland.nl/nl
  • Zelfstandig terugkeren [6]
    https://infoterugkeer.nl/

ዓለምለኻዊ ማሕበር ፍልሰት እንታይ ሓገዝ ከበርክተልኩም ይኸእል ኣብ እዋን ናብ ዓዲ ምምላስ?

International Organization for Migration (IOM) ብ ኣዋዲ ዘይብሉ ካብ ነዘርላንድ ክትብገሱ ይሕግዘኩም።

IOM:
•ብዛዕባ ምምላስ ምኽርን ሓበሬታን ይልግስ
•ናብ ዓዲ ምምላስ ጉዕዞኹም ከዳልዎ ይኽእል ከምኡዉን ምናልባት ሓደ ክፋል ናይቲ ትገብርዎ ወጻኢ ክሽፍኖ ይኽእል
•ሓገዝ መንነትን መገሺ ወረቀት ከም ፍቓድ መሕለፊ ንብርካብ
•ምምራሕ ናብ በዓል መዚ፣ ንኣብነት  ናብ ሓደ ቖንስል (መገሺ) ወረቀት ምርካብ
•ምናልባት ገንዘባዊን ግብራዊ ሓገዝ ምስ ናይ ሓገዝ-መደባት ኣብ እዋን ናብ ዓዲ ምምላስ

IOM ሓደ ዘይመንግስታዊ ዝኾነ ማሕበር'ዩ፣ ናይ ምኽሪ ምልጋስ ቦታ ኣብ ምሉእ ሃገር  ኣለዎ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቦታ ናይ IOM ኣበይ ከምዝኾነ ትረኽብዎ። ኣብ ናይ ምኽሪ ቖጸራ IOM ብዛዕባ ናብ ዓዲ ምምላስ ሓበሬታ ይልግሰልኩም

Links extern

  • International Organization for Migration [2]
    http://www.iom-nederland.nl/en/

DT&V እንታይ ሓገዝ ከበርክተልኩም ይኸእል ኣብ እዋን ናብ ዓዲ ምምላስ?

Dienst Terugkeer en Vertrek (DT&V) ኣብ እዋን ምብጋስ ካብ ነዘርላንድ  ክሕግዘኩም ይኽእል። ንኣብነት ኣብ ምድላው ቲኬት ናይ ነፋሪትን መሳፈሪ ወረቅትን።

እንተደኣ DT&V ሓጊዙኩም ሓደ በዓልመዚ ምሳኹም ክዛረብ'ዩ ብዛዕባ ናብ ዓዲ ምምላስ። እዚ በዓልመዚ ኣዋዲ ዘይብሉ ክትብገሱ እዩ ድልየቱ።

ኣዋዲ ዘይብሉ ክትብገሱ ድልየት የብልኩምን? ድሕሪኡ DT&V ብግዲ ገበግሰኩም ይኽእል። ስለዚ ተኽሎ ኣሎ DT&V ኣብ ቀልጢፉ ክትግበር ትጽቢት ዝግበረሉ ቀይዲ ከስፍረኩም።

DT&V ሓደ ወግዒ ፈጻሚ ኣካል ናይ መንግስቲ ነዘርላንድ እቲ ን ዓዲ ምምላስ መርሓ ዝትግበር እዩ።

መምርሒ ብ COA ናብ ዓዲ ምምላስ

COA ናብ ዓዲ ምምላስ ስጉምቲ ኪትወስዱ ብእዋኑ ክትዳለዉ የተባብዕ።እዚ ዝስዕ ከይወርደኩም ክትከላኸሉ ይከኣል፣

•ምናልባት ድሒሩ ተገዲድኩም ከይትስጎጉ
•ኣብ ብዘይ ሕጊ ምንባር ከይትወድቑ ከምኡ'ዉን እቲ ካብ COA ትረኽብዎ ረብሓ ከየቋርጽ።

COA ብዛዕባ ዝሰዕብ ሓበረታ ይልግስ፡
•ናብ ዓዲ ምምላስን ኣመላልሳ መርሓ
•ሳዕቤን ናይ ለውጢ ኣብ ጉዳይኩም
•ኣብ እዋን ናብ ዓዲ ምምላስ ክሕግዛኹም ዝኽእላ ማሕበራት

እዚ ኣብ እዋኑ ተጠቀምሉ። ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ኣብ ናይ COA ሓበሬታ ጣዉላ ኪትሓቱ ይከኣል።

ኮዋ ብዛዕባ ምምላስ ዝምልከት ብኸም’ዚ ዝስዕብ ይሕብረኩም፥
•ምሳኹም ብውልቂ ብምዝርራብ
•ንመጻኢ ዝጠቕምኹም ስልጠናታት ብምሃብ። ኣብ’ዚ ስልጠና ኮዋ ምሳኹም ብዛዕባ ናይ መጻኢ ኩነታትኩም ይዘራረብ እዩ። እቲ ስልጠና ዝወሃበኩም ምስ ካልኦት ናይ ኮዋ ነበርቲ ብሓባር እዩ። እቲ ስልጠና ብሓገዝ ናይ ተርጓማይ እዩ ዝወሃብ።  


Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1563

Links
[1] https://english.dienstterugkeerenvertrek.nl/
[2] http://www.iom-nederland.nl/en/
[3] https://english.infoterugkeer.nl/
[4] https://www.dienstterugkeerenvertrek.nl/
[5] http://www.iom-nederland.nl/nl
[6] https://infoterugkeer.nl/

2022.06.28 - Tigrinya