ምምላስ መርሓ
እዚ ሓበሬታ ነቶም ዑቕባ ሓተቲ ናይ ዑቕባ ምሕታት ጉዳዮም ዝተነጸገ እዩ። ነዘርላንድ ሓደ ናብ ዓዲ ምምላስ መርሓ ኣለዋ። እዚ ማለት እንተ ዑቅባ ምሕታት ጉዳይኩም ተዓጽዩ ካብ ነዘርላንድ ባዕልኹም ክትወጹ ኣለኩም። ኣብ ልዕልዚ (ገንዘባዊ) ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ምንጻግ ሕቶ ዑቕባ
ኣብ Immigratie- en Naturalisatiedienst (IND) ሕቶ ዑቕባ ኣቕሪብኩም። IND ዘቕረብኩምዎ ሕቶ ዑቕባ ኣብ መስርሕ ዑቕባ ነጺግዎ። ነዚ ዝምልከት መልሲ ተቐቢልኩም። ኣብ ዉሽጢ ክንደይ እዋን ካብ ነዘርላንድ ክትወኡ ከምዘለኩም ኣብቲ መልሲ ሰፊሩ ኣሎ ።እዚ ናይ ምብጋስ እዋን ይበሃል። ኣብቲ መልሲ ዝረክብክሙሉ እዋን መንግስቲ ነዘርላንድ ካብ ነዘርላንድ ኪትወጹ ክትዳለዉ ይጽበ።
እንተ ትብገስሉ እዋን ሓሊፉ፣ ናይ ም።ዕቃብ መስልኩም የብቀዕ። ኣብ መዓስከር ክትጸንሑ ኣይፍቀደን። ካብ COA ትረኽብዎ ዝነበርኩም ምሓገዝ የቋርጽ። ተኽሎ ኣሎ ኽትቕየዱ። ከሙ እዉን መንግስቲ ነዘርላንድስ ገዲዱ ከባርረኩም ይኽእል።
እግባይ
ኣንጻር ዉሳኔ ናይ IND ኣብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ።ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ይግባይን ድሕሪኡ ዝሰዕብ ኣብቲ ናይ ሓበሬታ መግለጺ ምብቃዕ ምዕቋብ ዝበል ትረኽብዎ (ይግባይ ምስ ርጉጽ ዉጽኢት) ከምኡ'ዉን ምብቃዕ ምዕቋብ (ይግባይ ብዘይ ርጉጽ ዉጽኢት)።