ኣብ ግዜ መስርሕ ዑቕባ
ኣባጽሕ ነበርቲ መዓስከር (18+)፡ ሰሙናዊ ናይ ፌርማ ግቡእ ኣለዎም። እዚ፡ COA-meldplicht ተባሂሉ ይፍለጥ።
ገና ኣብ መስርሕ ዑቕባ ምስ ትህሉ፡ ሰሙናዊ ናብ ፖሊስ ወጻእተኛታት (Vreemdelingenpolitie) ብምቕራብ ክትፍርም ይግባእ። ነዚ ምስ ዘይትገብር፡ ናይ ዑቕባ መስርሕካ ደው ይብል። እዚ AVIM-meldplicht ተባሂሉ ይፍለጥ።
እቶም ናይ COA-meldplicht ከምኡ’ውን ናይ AVIM-meldplicht ኣብ ሓደ እዋን ይካየዱ።
መንበሪ ፍቓድ ኣለካ?
ኣባጽሕ ነበርቲ መዓስከር (18+)፡ ሰሙናዊ ናይ ፌርማ ግቡእ ኣለዎም። እዚ፡ COA-meldplicht ተባሂሉ ይፍለጥ።
ከም መንበሪ ፍቓድ ዘለካ መጠን ድማ፡ እቲ ናይ ምጽናሕ መሰልን ናይ ሰሙናዊ ናይ ገንዘብ ድጎማን መሰል ንምንዋሕ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 2 ሳምንታት ከተፈርም ይግባእ።
ስለ’ዚ፡ ሰሙናዊ ከተፈርም ኣለካ፥ 1 ሰሙን እታ COA-meldplicht ጥራሕ፡ ኣብ’ታ ስዒባ ትመጽእ 2ይቲ ሰሙን ድማ ነቲ ናይ COA-meldplicht ከምኡ’ውን ሕቶ ምንዋሕ ናይ መጽናሕ መሰክን ናይ (ሰሙናዊ)ገንዘብ ድጎማን ማለት እዩ።
ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ብናይ መጠረስታ ውሳኔ ተነጺጉ?
ናይ ዑባ ሕት ኦም ዝተነጽገ 18 ዓመትን ልዕሊ ኡን ዝዕድም ኦም ነበርቲ ናይ ድሩት ናጽነት ዘለዎ መዓስከር ወይ ናይ ስድራቤት መዓስከር፡ መዓልታዊ ነቲ COA-meldplicht ከም ኡ’ውን AVIM-meldplicht ከካይዱ ኣለዎም። ኣብ ህዝባዊ በዓላትን ቀዳመ-ሰንበትን ጥራሕ እዩ እዚ ናይ ምፍራም ግቡእ ዘይህሉ።
ገና ኣብ ንቡር መዓስከር ትነብር ምስ ትህሉ ግን፡ ኣብ ሰሙን 1 ግዜ ጥራሕ ኢኻ ነቲ ናይ COA-meldplicht ከምኡ’ውን AVIM-meldplicht ከተተግብሮ ዘለካ።