Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2022.06.28 - Tigrinya - "Meldplicht"

ቀንዲ ገጽ > ናይ ምፍራም ግቡእ

ናይ ፌርማ ግቡእ

ልዕሊ ዕድመ ነበርቲ መዓስከር (18+)፡ ሰሙናዊ ናይ ምፍራም ግቡእ ኣለዎም። እዚ፡ ሕጋዊ ግቡእ እዩ። በተወሳኺ፡ ኣብ ሕግታታት መዓስከር ሰፊሩ ይርከብ። COA-meldplicht ወይ ድማ inhuisregistratie ንኹሎም ነበርቲ መዓስከር ይምልከት። ካልኦት ናይ ፌርማ ግቡኣት’ውን ኣለዉ። ንሶም፡ ንሓተቲ ዑቕባ፡ መነበሪ ፍቓድ ዘለዎምን ሕቶ ዑቕብኦም ዝተነጽገን ዝተፈላለዩ እዮም። 
ኮዋ፡ ኣበይ ኬድካ ከተፈርም ከምዘለካ ክሕብረካ እዩ። ዘይምፍራም፡ ሳዕቤን የኸትል።

ናይ ፌርማ ግቡእ እንታይ ማለት እዩ?

ኣብ ግዜ መስርሕ ዑቕባ
ኣባጽሕ ነበርቲ መዓስከር (18+)፡ ሰሙናዊ ናይ ፌርማ ግቡእ ኣለዎም። እዚ፡ COA-meldplicht ተባሂሉ ይፍለጥ።

ገና ኣብ መስርሕ ዑቕባ ምስ ትህሉ፡ ሰሙናዊ ናብ ፖሊስ ወጻእተኛታት (Vreemdelingenpolitie) ብምቕራብ ክትፍርም ይግባእ። ነዚ ምስ ዘይትገብር፡ ናይ ዑቕባ መስርሕካ ደው ይብል። እዚ AVIM-meldplicht ተባሂሉ ይፍለጥ።

እቶም ናይ COA-meldplicht ከምኡ’ውን ናይ AVIM-meldplicht ኣብ ሓደ እዋን ይካየዱ።

መንበሪ ፍቓድ ኣለካ?
ኣባጽሕ ነበርቲ መዓስከር (18+)፡ ሰሙናዊ ናይ ፌርማ ግቡእ ኣለዎም። እዚ፡ COA-meldplicht ተባሂሉ ይፍለጥ።

ከም መንበሪ ፍቓድ ዘለካ መጠን ድማ፡ እቲ ናይ ምጽናሕ መሰልን ናይ ሰሙናዊ ናይ ገንዘብ ድጎማን መሰል ንምንዋሕ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 2 ሳምንታት ከተፈርም ይግባእ። 

ስለ’ዚ፡ ሰሙናዊ ከተፈርም ኣለካ፥ 1 ሰሙን እታ COA-meldplicht ጥራሕ፡ ኣብ’ታ ስዒባ ትመጽእ 2ይቲ ሰሙን ድማ ነቲ ናይ COA-meldplicht ከምኡ’ውን  ሕቶ ምንዋሕ ናይ መጽናሕ መሰክን ናይ (ሰሙናዊ)ገንዘብ ድጎማን ማለት እዩ።

ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ብናይ መጠረስታ ውሳኔ ተነጺጉ?
ናይ ዑባ ሕት ኦም ዝተነጽገ 18 ዓመትን ልዕሊ ኡን ዝዕድም ኦም ነበርቲ ናይ ድሩት ናጽነት ዘለዎ መዓስከር ወይ ናይ ስድራቤት መዓስከር፡ መዓልታዊ ነቲ COA-meldplicht ከም ኡ’ውን AVIM-meldplicht ከካይዱ ኣለዎም። ኣብ ህዝባዊ በዓላትን ቀዳመ-ሰንበትን ጥራሕ እዩ እዚ ናይ ምፍራም ግቡእ ዘይህሉ።
ገና ኣብ ንቡር መዓስከር ትነብር ምስ ትህሉ ግን፡ ኣብ ሰሙን 1 ግዜ ጥራሕ ኢኻ ነቲ ናይ COA-meldplicht ከምኡ’ውን AVIM-meldplicht ከተተግብሮ ዘለካ።

ናይ ምፍራም ግቡእ ኣብ ግዜ መቕጻዕቲ

እቲ ኣብ መዓስከር ናይ ምጽናሕን ናይ ገንዘብን መሰልካ ንግዚኡ ደው እንተይሉ (ROV’-maatregel)፡ እቲ ናይ COA-meldplicht  ጥራሕ እዩ ደው ዝብል።

ከም ሓታቲ ዑቕባ መጠን ግን፡ ኣብ ናይ ስደተኛታት ፖሊስ ብምቕራብ ከተፈርም ግቡእ ኣለካ (AVIM-meldplicht)። ኮዋ ድማ፡ ናበይ ብምኻድ ከተፈርም ከምትኽእል ክሕብረካ እዩ። 

መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ድማ፡ ኣብ’ቲ ግዜ ምቕጻዕቲ፡ ኣብ 2 ሰሙን 1 ግዜ፡ ናብ ኮዋ ብምቕራብ፡ ንናይ መጽንሒ መሰልካን ናይ ገንዘብ ምርካብ መሰልካን ክናዋሓልካ ከተፈርም ይግባእ።

እንተዘይኣፈሪምካ ዝኽተሉ ሳዕቤናት ኣየኖት እዮም?

ዕድሜኻ ልዕሊ 18 ዓመት እንተኾይኑ እሞ ነቲ ናይ ፌርማ ግቡ እንተዘይተኸቲልካዮ (de COA-meldplicht፡ de AVIM-meldplicht ወይ ድማ ምንዋሕ ናይ ምጽናሕን ገንዘብ ናይ ምርካብን መሰልካ)፡ ኣብ’ቲ መዓስከር ናይ ምጽናሕ መሰልካ ደው ከነብሎ ንኽእል።  (ሰሙናዊ) ገንዘብ’ውን ኣይወርደልካን እዩ። እዞም ዝስዕቡ ሕግታት የገልግሉ፥

•ሓደ ግዜ እንተዘይኣፈሪምካ፡ ብደብዳቤ መጠንቀቕታ ይወሃበካ
•ኣብ’ታ ስዒባ ትመጽእ ሰሙን እንተዘይኣፈሪምካ ድማ፡ ካብ መዓስከር ትሕከኽ። እዚ ማለት፡ እቲ ናይ ምጽናሕ መሰልካ ብህጹጽ ደው ነብሎ። ነቲ መዓስከር ለቒቕካ ትወጽእን ሰሙናዊ ገንዘብ ድማ ደጊም ኣይወርደልካን
•በትደጋጋሚ ግዜ ናይ ፌርማ ግቡእካ ምስ ዘይትፍጽም – እንዳነጠርካ ማለት እዩ -  መቕጻዕቲ ይብየነልካ። እዚ ማለት ኣብ መጠረስታ፡ ንሓደ ሰሙን መዓስከር ወጺእካ ከምትኸይድ ይግበር። ኣብ’ታ ሰሙን ድማ፡ ገንዘብ ኣይወርደልካን።

ኣስትወዕል፥
ካብ መዓስከር ተሰጒግካ እንደገና ተጠቃሚ መጽለሊ ናይ ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ ክትከውን ምስ ትደሊ፡ ናብ መመልከት ነቑጣ ቴር ኣፕል ብምኻድ፡ እንደገና ኣብ ናይ መስርሕ ዑቕባ ክትኣቱን መጽለሊ ክትረክብ ክትሓትት ይግባእ።

መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ግን፡ ከም እንደገና ናብ ቴር ኣፕል ኬድካ ከተመልክት ኣይትኽእልን። ናብ ምምሕዳር ብምቕራብ፡ መንበሪ ገዛ ክወሃበካ ክትሓትት ትኽእል። 

ምልዓል ናይ ፌርማ ግቡእ

ሓሓሊፉ፡ ናይ ፌርማ ግቡእካ ንሓደ ግዜ ክለዓለልካ ንኮዋ ክትሓትት ትኽእል። ንኣብነት፡ ምስ ጠበቓኻ ቆጸራ ስለዘለካ። ግቡእካ ክለዓለልካ ትሓትት ማለት እዩ። ኮዋ ድማ፡ እዚ ይከኣል እንተኾይኑ ይውስን። ኮዋ፡ ፍቓድ ክህበካ ዝኽእል፡ ካልእ ኣማራጺ ምስ ዘይህሉ ጥራሕ እዩ። ናይ ፌርማ ግቡእካ ክለዓለልካ፡ ኣቐዲምካ ኢኻ ክትሓትት ዘለካ። 

ምልዓል ናይ ፌርማ ግቡእ ኣብ ግዜ ጥንሲ

ነፍሰ-ጾር ምስ ትኾኒ፡ 6 ሳምንታት ካብ’ቲ ትሓርስሉ ዘሎ ግዜ፡ ናይ ፌርማ ግቡእኪ ክለዓለልኪ ክትሓቲ ትኽእሊ። ከምኡ ንምግባር ናብ ናይ ኮዋ Infobalie ትኸዲ። ንግዚኡ ናይ ፌርማ ግቡእ ኣይህልወክን። እዚ ምልዓል ናይ ፌርማ ግቡእ፡ ክሳብ 6 ሳምንታት ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ዘሎ ግዜ ይጸንዕ። 

Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1561
2022.06.28 - Tigrinya