ኣብ ክብሪ መዝገብ ካብቲ ዝተመዝገበ ገለ እዚ ዝስዕብ ናይ ውልቀ-ሓበሬታ እዩ።
• ስምካ, መጸውዒ ስምካ, ዝተወለድካሉ ዕለት, ዝተወለድካሉ ቦታን ዝተወለድካሉ ሃገርን
• ሓበሬታ ብዛዕባ ወልድኻ
• ሓበሬታ ብዛዕባ ሓዳርካ ውይ ድማ ዝተመዝገበ መጻምድቲ
• ሓበሬታ ብዛዕባ ደቕኻ
• ሓበሬታ ብዛዕባ ዜግነትካን ኩነታት መርዓን
• ኣብዚ ግዜ ትቕመጠሉ ዘልኻ እድራሻ
• ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጉዕዞ ሰነዳት
• ናይ ምድማጽ መሰል ምህላውካ ወይ ዘይምህላውካ
• ንትካ ናይ ዜጋ መለለዪ ቁጽሪ (BSN)
ክብሪ መዝገብ እዚ ሓበሬታ ካበይ ረኺብዎ?
ገለ ሓበሬታ ባዕልኻ ክትህብ ኣለካ። ንኣብነት ምስትግዕዝ፡ ቆልዓ ምስትወልድ ወይድማ ኣባል ስድራቤት ምስዝመውት። ካልኦት ሓበሬታታአ ግን ኣብ ክብሪ መዝገብ ኣውቶማቲካዊ ይጸሃፍ ወይ ይቕየር። ንኣብነት እንተ ተመርዒኻ ሽዑ እቲ ዘምርዓወካ በዓልመዚ ንክብሪ መዝገብ የሕልፎ።
ምክልኻል ብሕታውነትካ
ናይ ውልቂ ሓበሬታ ኣብ ክብሪ መዝገብ ንህዝቢ ክፉት ኣይኮነን። እዚት ማለት ናይ ውልቂ ሓበሬታኻ ዝኾነ ሰብ ክሪኦ ኣይክእልን ማለት እዩ። ሓበሬታ ናይ ክብሪ መዝገብ ንናይ መንግስቲ ስርሓት ዘካይካ ትካልት ጥራሕ እዩ ዝወሃብ። ንኣብነት ክፍሊ ቀረጽ, het UWV፡ ማሕበራዊ ናይ መድሕን ባንክ (SVB) ከምኡውን ምምሕዳራትን ክብሪ መዝገብ ይጥቀሙ። መን ኣየኖት ሓበሬታታት ክርኢ ከምዝፍቀድ ኣብ ሕጊ ናይ ክብሪ መዝገብ ሰፊሩ ኣሎ። ኣብዚ ሕጊ ምክልኻል ብሕታውነትን ነዚኦም ብውሑስ ናይ ምዕቃብን ዝብሉ ኣገዳሲ ኣርእስትታት ኣብዚ ሕጊ እዮም።