Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2022.06.28 - Tigrinya - "Basisregistratie Personen"

ቀንዲ ገጽ > ክብረ መዝገብ

ናይ BRP ምዝገባ ሪጋ

ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ BRP ንምምዝጋብ ሪጋ ኣሎ። ስለዚ ድማ ብድሕሪ መንበሪ ፍቓድ ምውሃብኩም ብቐጥታ ኣይትምዝገቡን ኢኹም። እዚ ንኹሎም እቶም ኣብ ኔዘርላንድ ካብ 6 ኣዋርሕ ንላዕሊ ዝገበሩ እሞ ካብ IND ውሳኔ ክወሃቦም ዝጽበዩ ንዘለዉ ሰባትን እውን ዝምልከት እዩ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን እቲ ሪጋ ነዊሕ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ስለዚ ድማ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዝተዋሃቦም ሰባት እዩ ቀዳምነት ዝወሃቦም ዘሎ ምኽንያቱ ድማ መንበሪ ቤት ንኽወሃቡ ስለዘድልዮም።

ምምዝጋብ ኣብ ክብሪ መዝገብ (BRP)

መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብኩም ድዩ? እምበኣር ኣብ ናይ ሰባት መሰረታዊ መዝገብ (BRP) ተመዝገቡ። እንተድኣ ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኮይንኩም COA ኣብ ናይ BRP መመዝገቢ ንኽትምዝገቡ ዕድመ ክልእኸልኩም እዩ። BRP ናይ ኩሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብሩ ሰባት ናይ ውልቃዊ ሓበሬታት ዝርዝር ዝሓዘ እዩ። እንተድኣ ንስኹም ኣብ BRP ተመዝጊብኩም ፍሉይ ዝኾነ ናይ ውልቁኹም ቁጽሪ፣ ናይ ዜግነት ኣገልግሎት ቁጽሪ (BSN) ክወሃበኩም እዩ።

ብተወሳኺ ድማ እንተደኣ ኣብ ኔዘርላንድ 6 ኣዋርሕ ዝተቐመጥኩም ኮይንኩም እሞ ገና ካብ IND ውሳኔ ክወሃበኩም ትጽበዩ ዘለኹም ኮይንኩም እውን፣ ኣብ BRP ክትምዝገቡ ኣለኩም። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ግን እቲ ሪጋ ነዊሕ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን እቲ ሪጋ ነዊሕ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ስለዚ ድማ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዝተዋሃቦም ሰባት እዩ ቀዳምነት ዝወሃቦም ዘሎ ምኽንያቱ ድማ መንበሪ ቤት ንኽወሃቡ ስለዘድልዮም።

ምግዓዝ
ኣብ’ቲ መስርሕ ኣብትገብረሉ እዋን ትጸንሓሉ ቦታ (pol) ወይ ድማ ኣብ ካልእ ናይ ስደተኛታት መዓስከር (azc) ኣብ ዝነበርክምሉ እዋን ኣብ BRP ዝተመዝገብኩም ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ስለዚ ድማ ዛጊት ናይ BSN ቁጽሪ ተዋሂብኩም ኣሎ ማለት እዩ። ስለ’ዚ ከም ብሓድሽ ክትምዝገቡ እውን ኣየድልየኩምን እዩ። ግን ነቲ ሓድሽ ኣድራሻኹም ንቤት ጽሕፈት ምምሕዳርኩም ክትሕብርዎም ኣለኩም።

ሕቶታት ኣለውኹም? እምበኣር ሕቶታትኩም ናብ ናይ ኮዋ ተሓባባራይኩም ወይ ድማ ናብ ሓበሬታ ዝወሃበሉ ቦታ (infobalie) ኣቕርብዎም።

Links extern

  • Personel Records Database, BRP (Government.nl) [1]
    https://www.government.nl/topics/personal-data/personal-records-database-brp

መንበሪ ፍቓድ ከይረኸብካ ኣብ ክበረ መዝገብ (BRP) ምጽሓፍ

ኣብ ናይ ኮዋ (COA) መዓስከር ትነብር እንተኾንካ፡ ግን መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ ምስ ዝኸውን፡ እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ምስ ተማልእ፡ ኣብ ክብረ መዝገብ (BRP) ክትጸሓፍ ትኽእል፡
• መንነትካ ተረጋጹ ኣሎ፥
• ኣብ ኔዘርላንድ ምሕጋዊ መንገዲ ትነብር ዝለኻ እንተኾንካ፥
• ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ፡ ካብ 4 ኣዋርሕ ዘይውሕን ግዜ ክትጸንሕ ትጽቢት ምስ ዝህሉ። ነዘን ረቛሒታት ምስ ተማልእ፡ ትካል ኢ ኤን ዴ፡ ንክፍሊ መዝገብ ናይ ምምሕዳር ሓበሬታ ይሰድድ። ንስኻ ድማ፡ ኣብ ክበረ መዝገብ ክትጸሓፍ ትኽእል።

ዜጋ መለለዪ ቁጽሪ (BSN)

 ኣብ ክብሪ መዝገብ ምስተመዝገብካ ዜጋ መለለዪ ቁጽሪ (BSN) ትወሃብ። እዚ ድማ ነዚ ዝስዕብ የድልየካ።
• መናብሪ መንግስታዊ ሓገዝ (uitkering) ክትሓትት
• መድሕን ጥዕና ንምሕታት
• ድጎማታት ከም ናይ ክራይ-ገዛ ድጎማን ናይ ጥዕና ድጎማን ንምሕታት
• ትምህርቲ ንኽትምዝገብ
• ስራሕ ንምድላይ

 ብዘይ ዜጋ መለለዪ ቁጽሪ (BSN) አዚኣቶም ከተሳልጦም ኣይትኽእልን። ብዘይ ዜጋ መለለዪ ቁጽሪ (BSN) ምግዓዝ ናብ ካልእ ምምሕዳር ምድንጓያት የስዕብ። 
ዜጋ መለለዪ ቁጽሪ (BSN) ናይ ብሕቲ እዩ። እዛ ቁጽሪ ንካልኦት ሰባት ክትህባ የብልካን። እቶም ሰባት በዛ ቁጽሪ ተጠቒሞም ከጥቁዕኻ ይኽእሉ። እዛ ቁጽሪ ነቶም ስርሖም ንኽሳልጡ ኣዛ ቁጽሪ ተድልዮም ትካላት ጥራሕ ኢኻ ትህብ።   

ናይ ውልቂ ሓበሬታ ኣብ ክብሪ መዝገብ

ኣብ ክብሪ መዝገብ ካብቲ ዝተመዝገበ ገለ እዚ ዝስዕብ ናይ ውልቀ-ሓበሬታ እዩ።
• ስምካ, መጸውዒ ስምካ, ዝተወለድካሉ ዕለት, ዝተወለድካሉ ቦታን ዝተወለድካሉ ሃገርን
• ሓበሬታ ብዛዕባ ወልድኻ
• ሓበሬታ ብዛዕባ ሓዳርካ ውይ ድማ ዝተመዝገበ መጻምድቲ
• ሓበሬታ ብዛዕባ ደቕኻ
• ሓበሬታ ብዛዕባ ዜግነትካን ኩነታት መርዓን
• ኣብዚ ግዜ ትቕመጠሉ ዘልኻ እድራሻ
• ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጉዕዞ ሰነዳት
• ናይ ምድማጽ መሰል ምህላውካ ወይ ዘይምህላውካ
• ንትካ ናይ ዜጋ መለለዪ ቁጽሪ (BSN)

ክብሪ መዝገብ እዚ ሓበሬታ ካበይ ረኺብዎ?
ገለ ሓበሬታ ባዕልኻ ክትህብ ኣለካ። ንኣብነት ምስትግዕዝ፡ ቆልዓ ምስትወልድ ወይድማ ኣባል ስድራቤት ምስዝመውት።  ካልኦት ሓበሬታታአ ግን ኣብ ክብሪ መዝገብ ኣውቶማቲካዊ ይጸሃፍ ወይ ይቕየር። ንኣብነት እንተ ተመርዒኻ ሽዑ እቲ ዘምርዓወካ በዓልመዚ ንክብሪ መዝገብ የሕልፎ። 

ምክልኻል ብሕታውነትካ
ናይ ውልቂ ሓበሬታ ኣብ ክብሪ መዝገብ ንህዝቢ ክፉት ኣይኮነን። እዚት ማለት ናይ ውልቂ ሓበሬታኻ ዝኾነ ሰብ ክሪኦ ኣይክእልን ማለት እዩ። ሓበሬታ ናይ ክብሪ መዝገብ  ንናይ መንግስቲ ስርሓት ዘካይካ ትካልት ጥራሕ እዩ ዝወሃብ። ንኣብነት ክፍሊ ቀረጽ, het UWV፡ ማሕበራዊ ናይ መድሕን ባንክ (SVB) ከምኡውን ምምሕዳራትን ክብሪ መዝገብ ይጥቀሙ። መን ኣየኖት ሓበሬታታት ክርኢ ከምዝፍቀድ ኣብ ሕጊ ናይ ክብሪ መዝገብ ሰፊሩ ኣሎ። ኣብዚ ሕጊ ምክልኻል ብሕታውነትን ነዚኦም ብውሑስ ናይ ምዕቃብን ዝብሉ ኣገዳሲ ኣርእስትታት ኣብዚ ሕጊ እዮም።

ኣብ ክብሪ መዝገብ (BRP) ብዛዕባኻ ዘሎ ሓበሬታ ምቁጽጻር

ንምምሕዳር ቅዳሕ ናይቲ ናትካ ኣብ ክብሪ መዝገብ (BRP)ተጻሒፉ ዘሎ ናይ ውልቂ ሓበሬታ ክትሓትት ትኽእል።  ነዚ ምምሕዳር መብዛሕቱ ግዜ ገንዘብ የኽፍል እዩ። ናትካ ናይ ውልቂ ሓበሬታ ውን ቅኑዕ ምዃኑ ንምቁጽጻር ክትሪኦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ገንዘብ ምኽፋል ኣየድልን።

እቶም ተጻሒፎም ዘለዉ ሓበሬታታት ጌጋ ድዮም?
ከምኡ እንተኾነ ነዞም ሓቤሬታታት ክትቅይሮም መሰል ኣለካ። ናብ ምምሕዳር ባዕልኻ ምስ መረጋገጺ ሰነዳትን መንነት ካርድን ክትከይድ ኣለካ። ኣብ ናይ ምምሕዳር ተቐበልቲ ጋሻ ጠረፐዛ ኣብ ክፍሊ ህዝባዊ ጉዳያት ተመልክት። መረጋገጺ ሰነዳት ወግዓውያን ወረቓቕቲ ኮይኖም እቶም ተጻሒፎም ዘለዉ ሓበሬታታት ጌጋ ከም ምዃኖም ዘርእዩ እዮም፡ ንኣብነት ፓስፖርትኻ ወይ ድማ ናይ ቃል-ኪዳን ሰነድ። ሳሕቲ ምቕያር ናይ ሓበሬታታት ገንዘብ ምኽፋል የድሊ። ከም ምቕያር መጸውዒ ስምካ ወይ ስም ኣቦኻ ዝኣመሰለ። ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዓባ ዋጋታትን መስርሕን ካብ ምምሕዳር ትረኽቦ።

ክትግዕዝ ዲኻ?
ከምኡ እንተኾኦነ ሓድሽ ኣድራሻኻ ንምምሕዳር ክትሕብር ይግበኣካ። ናብ ካልእ ቦታ እንተግዒዝካ፡ እቲ ዘሎ ምቅይያራት ነቲ ሓድሽ ምምሕዳር ትሕብር። ምምሕዳር ነቲ ኣብ ክብሪ መዝገብ (BRP) ተጻሒፉ ዘሎ የመሓይሽ። ናይ ኮዋ (COA) ናትካ ተሓጋጋዚ እዚ ከመይ ከምዝግበር ክነግረካ ይኽእል።

ኣብ ክብሪ መዝገብ (BRP)ንኽጸሓፍ እንታይ ክማላእ ኣለኒ?

ኣብ ክብሪ መዝገብ (BRP) ክትምዝገብ ኮለኻ ኣየኖት ሰነዳት ሒዝካ ክትመጽእ ከም ዘለካ ምምሕዳር ብንጹር ክነግረካ እዩ።

ብዝኾነ ናይ ግድን ክትማልኦ ዘለካ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
• ናትካ W-ሰነድ፡ ፓስፖርት ወይድማ መንነት
• ናይ ትውልዲ ክብሪ መዝገብን ናይ ቃል-ኪዳን ሰነድን(ምሳኻ እንተኣለካ)
•እታ ቀዳመይቲ ገጽ ናይቲ  ጸብጻብ ምስ ኢ.ኤን.ደይ ዝገበርካዮ ቃለ-መሕትት። ኣብዚ ገጽ ናትካ ናይ ውልቂ ሓበሬታ ተጻሒፉ ኣሎ።
• ናትካ ናይ ውልቂ ሓበሬታ ዘለዎ ደብዳቤ ናይ ኮዋ (COA)

ወግዓዊ ሰነዳት ብነዘርላንድ፡ ኢንግሊዝኛ፡ ብጀርመን ወይድማ ብፈረንሳ ዝተቶርጎመ ክኸውን ኣለዎ። እዞም ሰነዳት ዝመሓለ ተርጟማይ ዝተተርጎሙ ክኾኑ ኣለዎም። እዚ ተርጟማይ ነዚ ሞያ ዝተማህረ ኮይኑ ጥዑይ ዲፖሎማ ዘለዎ እዩ። ሳሕቲ እዞም ሰነዳት ኣብ ሆላንድ ቅቡላት ንምግባሮም ኣድላይ ክኸውን ይኽእል። እዚ ድማ “ወግዓውነት ምልባስ” ወይ ድማ ብማሕተም ምውቃዕ ይበሃል። ምምሕዳር እዚ እንታይ ከም ምዃኑን ነዚ ከመይ ጌርካ ከተሳልጦ ከምትኽእልን ይነግረካ።

 

ወጻኢታት መመዝገቢ ክብሪ መዝገብ

ወጻኢታት መመዝገቢ ክብሪ መዝገብ (BRP) ን ንመስኣሊ ተውጽኦ ወጻኢታትን ብጣዕሚ ትሑት ስለዝኾነ ባዕልኻ ክትከፍሎ ትኽእል። ኮዋ COA እዞም መሕወዪ ናይ ዞም ወጻኢታት ኣይከፍልን እዩ። ገለ ምምሕዳራት ንናይ መጀመርታ መመዝገቢ ገንዘብ ኣይኽፍላን እየን። ብዛዕባዚ ናብ Infobalie ናይ COA ኬድካ ሕተት።


Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1527

Links
[1] https://www.government.nl/topics/personal-data/personal-records-database-brp

2022.06.28 - Tigrinya