OV-dagkaart ንሓደ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ገደብ ኣብ ምሉእ ኔዘርላንድ ንህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጥቀመሉ እትኽእል ናይ መጓዓዝያ ካርድ እዩ። ኣብቲ ካርድ 1 Dag OV Vrij ዝብል ተጻሒፍዎ ኣሎ። እዚ ድማ ወግዓዊ ስም ናይ’ዚ ካርድ እዩ። OV-dagkaart ኣብ ባቡር፣ ኣውቶቡስ፣ ትራምን ሜትሮን የገልግል።

ህጻናት ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሜኣም እዚ OV-dagkaart ኣየድልዮምን እዩ። እዚኣቶም ኩሉ ግዜ ብነጻ እዮም ዝገሹ። ንቆልዑት ካብ 4 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሜኦም ፉሉይ ንሓደ መዓልቲ ዘገልግል de railrunner ዝበሃል ናይ ባቡር ካርድ ኣሎ። እዚ ካርድ’ዚ € 2,50 (ይሮ) ዋግኡ።
ምዓስ እዩ COA OV-dagkaart ዝህበኩም?
COA ነዚ OV-dagkaart ዝህበኩም ንኣብነት ናብ ጠበቓኹም ክትከዱ ናይ ግድን ኣንተደኣ ኾይኑ ወይ ድማ ናብ ናይ ሕክምና ፍሉይ ኪኢላ ክትከዱ እንተለኩም እዩ። ወይ ናብ ካልእ ናይ ምዕቆቢ ቦታ ትግዕዙ እንተደኣ ሃሊኹም ኮይንኩም እውን ይወሃበኩም እዩ። ንናይ ውልቅኹም መገሻታት OV-dagkaart ኣይወሃበኩምን እዩ። ንዝተወሃበኩም ካርድ እንተተሰሪቕኩም ወይ ኣጥፊእክሞ COA ካልእ ካርድ ኣይህበኩምን እዩ።
OV-dagkaart ተጠቂምካ ምኽፋል: ከምዝኣተኻን ከምዝወጻእካ ምምዝጋብ
ን OV-dagkaart ልክዕ ከም’ቲ OV-chipkaart ኢኹም ትጥቀምሉ። ኣብ መእተውን መውጽኢን ናይ ነፍስ-ወከፍ ባቡር፣ ኣውቶቡስ፣ ትራም ወይ ሜትሮ ነዚ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣሎ። ኣዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብመልክዕ መሕለፊ ማዕጾን ዝተጋደመ ነገርን እዩ ዝቐርብ።

ክትሳፈሩ ከለኹም ነቲ ካርድ ናብ’ቲ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣጸጊዕኩም ትሕዝዎ። ነዚ ከም ዝኣተኻ ምምዝጋብ ኢልና ንጽውዖ። ክትወርዱ ከለኹም ድማ እንደገና ነቲ ካርድ ናብ’ቲ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣጸጊዕኩም ትሕዝዎ። ነዚ ድማ ከም ዝወጻእካ ምምዝጋብ ኢልና ንጽውዖ። ከም ዝተሳፈርኩም ከተመዝግቡ ከለኹም 1 ግዜ ፒፕ ዝብል ድምጺ ትሰምዑ ኢኹም። ከም ዝወረድኩም ከተመዝግቡ ከለኹም ድማ 2 ግዜ ፒፕ ዝብል ድምጺ ትሰምዑ ኢኹም።
ከምኡ’ውን እንተደኣ ካብ ሓደ መጓዓዝያ ናብ ካልእ መጓዓዝያ ትቕይሩ ሃሊኹም ኮይንኩም ካብቲ ዝነበርክሞ መጓዓዝያ ክትወርዱ ከለኹም ከም ዝወጻእኩም ከተመዝግቡ ኣለኩም። ናብቲ ካልእ ዝቕጽል መጓዓዝያ ክትሳፈሩ ከለኹም ድማ ከም ብሓድሽ ከም ዝኣተኹም ከተመዝግቡ ኣለኩም።
ሓደ ናይ OV-dagkaart ን 1 ሰብ ጥራሕ እዩ ከገልግል ዝኽእል፥ እንተደኣ ብዙሓት ሰባት ብሓባር ክትገሹ ኣለኹም ኮይንኩም ድማ ነፍስ-ወከፍ ሰብ ነናቱ ካርድ ብምጥቃም ከም ዝኣተወን ከም ዝወጸን ከመዝግብ ይግባእ። እዚ ድማ እንኮላይ ን railrunner ዘለዎም ቆልዑት ይምልከት።
እዚ ንሓደ መዓልቲ ዘገልግል ካርድ ድሕሪ ዝገሽክምሉ መዓልቲ ኣየገልግልን እዩ። እንተደኣ ኣብ ጉዕዞኹም ከም ዝኣተኹምን ከም ዝወጻእኩምን ዘየመዝጊብኩም ብገንዘብ ትቕጽዑ ኢኹም። እዚ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ድማ ባዕልኹም ክትከፍልዎ ኣለኩም።