Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2022.06.28 - Tigrinya - "OV-chipkaart"

ቀንዲ ገጽ > ህዝባዊ መጓኣዝያ ቺፕ ካርድ

ህዝባዊ መጓዓዝያ

ኣብ ኔዘርላንድ ህዝባዊ መጓዓዝያ (ov) ብምጥቃም ዳርጋ ናብ ብምሉኦም ቦታታት ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኩም። ብመንገዲ  9292 (ወይ ድማ ናይ ኢንተርኔት ኣድራሻ 9292.nl) ብምጥቃም ብቐሊሉ ኩሎም ናይ መንገድታት ኣንፈታትን ምስ ባቡር፣ ኣውቶቡስ፣ ትራምን ሜትሮን ዝራኸብሉ ነጥብታትን ክትረኽብዎም ትኽእሉ ኢኹም።

bus metro tram trein

ንብህዝባዊ መጓዓዝያ (ov) እትገብርዎም መገሻ ክትከፍሉ ድማ ዝምላእ ካርድ (OV-chipkaart) ክትጥቀሙ ኣለኩም።

ሓደ ሓደ ግዜ COA ንሓደ መዓልቲ ዘገልግል ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ካርድ (OV-dagkaart) ወይ ናይ ባቡር ካርድ ይህበኩም እዩ።
ንዕላማ ናይ መገሻኹም ተራእዩ ድማ ንእትገብርዎም ናይ መገሻ ወጻኢታት ብ COA ይኽፈለልኩም ወይ ኣይክፈለልኩምን።

Links extern

  • Reisinformatie 9292 [1]
    http://9292.nl

OV-ዝምላእ ካርድ ምምላእ

OV-chipkaart ባዕልኹም ኣብ ናይ ምምልኢ ኖቕጣታት ክትመልእዎ ኣለኩም። እዚኣቶም ድማ ኣብ ናይ ባቡር ጣብያታትን ኣብ ድኳናት ከም በዓል ፕራይመሪያ፣ ከምኡ ድማ ኣልበርት ሃይን ዝኣመሰሉ ይርከቡ። ምምላእ ድማ ብመንገዲ ናይ ገንዘብ ካርድ (Moneycard) ወይ ናይ ባንኪ ካርድ (bankpas) ክግበር ይከኣል።

OV-chipkaart ኣብ ባቡር ጣብያታት ዝርከቡ ናይ መኽፈሊ ቦታታ ጥረ ገንዘብ ብምኽፋል እውን ክትመልእዎ ይከኣል እዩ።

OV-ዝምላእ ካርድ ብምጥቃም ምኽፋል፥ ከምዝኣተኻን ከም ዝወጻእካን ምምዝጋብ

ኣብ ባቡር፣ ኣውቶቡስ፣ ትራምን ሜትሮን ኣብ ነፍስወከፍ መእተዊ ኣፍደገን መውጺ ኣፍደገን ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣሎ። እዚ መብዛሕቱ ግዜ ማዕጾ ወይ ድማ ዝተጋደመ ነገር እዩ።

ናብ መጎዓዝያ ክትሳፈሩ ከለኹም ነቲ ካርድ ናብ’ቲ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣጸጊዕኩም ትሕዝዎ። ነዚ ከም ዝኣተኻ ምምዝጋብ ኢልና ንጽውዖ። ክትወርዱ ከለኹም ድማ እንደገና ነቲ ካርድ ናብ’ቲ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣጸጊዕኩም ትሕዝዎ። ነዚ ድማ ከም ዝወጻእካ ምምዝጋብ ኢልና ንጽውዖ። ከም ዝኣተኹም ከተመዝግቡ ከለኹም 1 ግዜ ፒፕ ዝብል ድምጺ ትሰምዑ ኢኹም። ከም ዝወጻእኩም ከተመዝግቡ ከለኹም ድማ 2 ግዜ ፒፕ ዝብል ድምጺ ትሰምዑ ኢኹም።

ከምኡ’ውን እንተደኣ ካብ`ቲ ሓደ መጓዓዝያ ናብ ካልእ መጓዓዝያ ትቕይሩ ሃሊኹም ኮይንኩም ካብቲ ዝነበርክሞ መጓዓዝያ ክትወርዱ ከለኹም ከም ዝወጻእኩም ከተመዝግቡ ኣለኩም። ናብቲ ካልእ ዝቕጽል መጓዓዝያ ክትሳፈሩ ከለኹም ድማ ከም ብሓድሽ ከም ዝኣተኹም ከተመዝግቡ ኣለኩም።

ንመጀመርታ ግዜ OV-chipkaart ብምጥቃም ብባቡር ክትገሹ እንተኾይንኩም፣ ነዚ ካርድ ስርሑ ከምዝጅምር ክትገብርዎ ኣለኩም። ንስምኩም ዘይተጻሕፎ OV-chipkaart ድማ ኣብ ናይ NS-loket ብምኻድ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ሓደ ናይ መጎዓዝያ ካርድ ን 1 ሰብ ጥራሕ እዩ ከገልግል ዝኽእል፥ እዚ ንስምኩም ዘይተጻሕፎ  ካርድ እውን ይምልከት። እንተደኣ ብዙሓት ሰባት ብሓባር ትገሹ ኣለኹም ኮይንኩም ድማ ነፍስ-ወከፍ ሰብ ነናቱ ካርድ ብምጥቃም ከም ዝኣተወን ከም ከም ዝወጻን ከመዝግብ ይግባእ። እዚ ድማ እንኮላይ ን railrunner ዘለዎም ቆልዑት ይምልከት። 
እንተደኣ ኣብ ጉዕዞኹም ከም ዝኣተኹምን ከም ዝወጻእኩምን ዘየመዝጊብኩም ብገንዘብ ትቕጽዑ ኢኹም። እዚ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ድማ ባዕልኹም ክትከፍልዎ ኣለኩም።

Links extern

  • OV-chipkaart.nl [2]
    http://www.ov-chipkaart.nl/home.htm

OV-ንሓደ መዓልቲ ዘገልግል ካርድ (ን1 መዓልቲ ነጻ OV)

OV-dagkaart ንሓደ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ገደብ ኣብ ምሉእ ኔዘርላንድ ንህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጥቀመሉ እትኽእል ናይ መጓዓዝያ ካርድ እዩ። ኣብቲ ካርድ 1 Dag OV Vrij  ዝብል ተጻሒፍዎ ኣሎ። እዚ ድማ ወግዓዊ ስም ናይ’ዚ ካርድ እዩ። OV-dagkaart ኣብ ባቡር፣ ኣውቶቡስ፣ ትራምን ሜትሮን የገልግል።

ህጻናት ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሜኣም እዚ OV-dagkaart ኣየድልዮምን እዩ። እዚኣቶም ኩሉ ግዜ ብነጻ እዮም ዝገሹ። ንቆልዑት ካብ 4 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሜኦም ፉሉይ ንሓደ መዓልቲ ዘገልግል de railrunner ዝበሃል ናይ ባቡር ካርድ ኣሎ። እዚ ካርድ’ዚ € 2,50 (ይሮ) ዋግኡ።

ምዓስ እዩ COA OV-dagkaart ዝህበኩም?
COA ነዚ OV-dagkaart ዝህበኩም ንኣብነት ናብ ጠበቓኹም ክትከዱ ናይ ግድን ኣንተደኣ ኾይኑ ወይ ድማ ናብ ናይ ሕክምና ፍሉይ ኪኢላ ክትከዱ እንተለኩም እዩ። ወይ ናብ ካልእ ናይ ምዕቆቢ ቦታ ትግዕዙ እንተደኣ ሃሊኹም ኮይንኩም እውን ይወሃበኩም እዩ። ንናይ ውልቅኹም መገሻታት OV-dagkaart  ኣይወሃበኩምን እዩ። ንዝተወሃበኩም ካርድ እንተተሰሪቕኩም ወይ ኣጥፊእክሞ COA ካልእ ካርድ ኣይህበኩምን እዩ።

OV-dagkaart ተጠቂምካ ምኽፋል: ከምዝኣተኻን ከምዝወጻእካ ምምዝጋብ
ን OV-dagkaart ልክዕ ከም’ቲ OV-chipkaart ኢኹም ትጥቀምሉ። ኣብ መእተውን መውጽኢን ናይ ነፍስ-ወከፍ ባቡር፣ ኣውቶቡስ፣ ትራም ወይ ሜትሮ  ነዚ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣሎ። ኣዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብመልክዕ መሕለፊ ማዕጾን ዝተጋደመ ነገርን እዩ ዝቐርብ።

ክትሳፈሩ ከለኹም ነቲ ካርድ ናብ’ቲ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣጸጊዕኩም ትሕዝዎ። ነዚ ከም ዝኣተኻ ምምዝጋብ ኢልና ንጽውዖ። ክትወርዱ ከለኹም ድማ እንደገና ነቲ ካርድ ናብ’ቲ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣጸጊዕኩም ትሕዝዎ። ነዚ ድማ ከም ዝወጻእካ ምምዝጋብ ኢልና ንጽውዖ። ከም ዝተሳፈርኩም ከተመዝግቡ ከለኹም 1 ግዜ ፒፕ ዝብል ድምጺ ትሰምዑ ኢኹም። ከም ዝወረድኩም ከተመዝግቡ ከለኹም ድማ 2 ግዜ ፒፕ ዝብል ድምጺ ትሰምዑ ኢኹም።

ከምኡ’ውን እንተደኣ ካብ ሓደ መጓዓዝያ ናብ ካልእ መጓዓዝያ ትቕይሩ ሃሊኹም ኮይንኩም ካብቲ ዝነበርክሞ መጓዓዝያ ክትወርዱ ከለኹም ከም ዝወጻእኩም ከተመዝግቡ ኣለኩም። ናብቲ ካልእ ዝቕጽል መጓዓዝያ ክትሳፈሩ ከለኹም ድማ ከም ብሓድሽ ከም ዝኣተኹም ከተመዝግቡ ኣለኩም።

ሓደ ናይ OV-dagkaart ን 1 ሰብ ጥራሕ እዩ ከገልግል ዝኽእል፥ እንተደኣ ብዙሓት ሰባት ብሓባር ክትገሹ ኣለኹም ኮይንኩም ድማ ነፍስ-ወከፍ ሰብ ነናቱ ካርድ ብምጥቃም ከም ዝኣተወን ከም ዝወጸን ከመዝግብ ይግባእ። እዚ ድማ እንኮላይ ን railrunner ዘለዎም ቆልዑት ይምልከት።

እዚ ንሓደ መዓልቲ ዘገልግል ካርድ ድሕሪ ዝገሽክምሉ መዓልቲ ኣየገልግልን እዩ። እንተደኣ ኣብ ጉዕዞኹም ከም ዝኣተኹምን ከም ዝወጻእኩምን ዘየመዝጊብኩም ብገንዘብ ትቕጽዑ ኢኹም። እዚ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ድማ ባዕልኹም ክትከፍልዎ ኣለኩም።

ናይ ባቡር ንሓደ መዓልቲ ዘገልግል ካርድ ከምኡ`ውን railrunner (ን1 መዓልቲ ነጻ ናይ ባቡር ካርድ)

ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ባቡር ካርድ ኣብ ሙሉእ ኔዘርላንድ ብዘይ ገደብ ብባቡር ክትገሽሉ እትኽእሉ ናይ መጓዓዝያ ካርድ እዩ። እዚ ካርድ ክሳብ ዝቕጽል ለይቲ ሰአዓት 04:00 ይሰርሕ። ኣብቲ ካርድ 1 Dag Trein Vrij ዝብል ተጻሒፍዎ ኣሎ። እዚ ድማ ወግዓዊ ስም ናይ’ዚ ካርድ እዩ። እዚ ካርድ’ዚ ኣብ ኣውቶቡስ፣ ትራምን ሜትሮን ኣየገልግልን እዩ። እዚ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ባቡር ካርድ ንዕድሚኦም 12 ዓመትን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ንዝኾኑን እዩ ዘገልግል።  ንቆልዑት ካብ 4 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሜኦም ፉሉይ ናይ መጓዓዝያ ካርድ ኣሎ፣ de railrunner ዝበሃል። ህጻናት ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሜኦም ኣብ ባቡር ብነጻ እዮም ዝጎዓዙ።

Railrunner
ቆልዑት ካብ 4 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሜኦም ፉሉይ ናይ ባቡር ካርድ እዮም ዝጥቀሙ። de railrunner ዝበሃል። railrunner ኽትጥቀመሉ ኣትኽእል ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ መጓዓዝያ ካርድ ዘለዎ ልዕሊ ዕድመ ዝኾነ ሰብ ምሳኻ ምስዝህሉ ጥራይ እዩ። እዚ ካርድ’ዚ (railrunner ) € 2,50 (ይሮ) ዋግኡ። ካብ 4 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሜኦም ህጻናት ብዘይ ገለ ክፍሊት እዮም ዝጎዓዙ።

ምዓስ እዩ COA ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ባቡር ካርድ ዝህበኩም?
COA ነዚ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ባቡር ካርድ ዝህበኩም ንኣብነት ናብ ጠበቓኹም ክትከዱ ናይ ግድን ኣንተደኣ ኾይኑ ወይ ድማ ናብ ናይ ሕክምና ፍሉይ ኪኢላ ክትከዱ እንተለኩም እዩ። ወይ ናብ ካልእ ናይ ምዕቆቢ ቦታ ትግዕዙ እንተደኣ ሃሊኹም ኮይንኩም እውን ይወሃበኩም እዩ። ንናይ ውልቅኹም መገሻታት እዚ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ባቡር ካርድ ኣይወሃበኩምን እዩ። ንዝተወሃበኩም ካርድ እንተተሰሪቕኩም ወይ ኣጥፊእክሞ COA ካልእ ካርድ ኣይህበኩምን እዩ።

ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ባቡር ካርድ ተጠቂምካ ምኽፋል: ከምዝኣተኻን ከምዝወጻእካ ምምዝጋብ
ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ባቡር ካርድ ልክዕ ከም’ቲ OV-chipkaart ኢኹም ትጥቀምሉ። ኣብ መእተውን መውጽኢን ናይ ነፍስ-ወከፍ ባቡር፣ ኣውቶቡስ፣ ትራም ወይ ሜትሮ  ነዚ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣሎ። ኣዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብመልክዕ መሕለፊ ማዕጾን ዝተጋደመ ነገርን እዩ ዝቐርብ።

ክትሳፈሩ ከለኹም ነቲ ካርድ ናብ’ቲ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣጸጊዕኩም ትሕዝዎ። ነዚ ከም ዝኣተኻ ምምዝጋብ ኢልና ንጽውዖ። ክትወርዱ ከለኹም ድማ እንደገና ነቲ ካርድ ናብ’ቲ ካርድ ዘንብብ ማሽን ኣጸጊዕኩም ትሕዝዎ። ነዚ ድማ ከም ዝወጻእካ ምምዝጋብ ኢልና ንጽውዖ።ከም ዝኣተኹም ከተመዝግቡ ከለኹም 1 ግዜ ፒፕ ዝብል ድምጺ ትሰምዑ ኢኹም። ከም ዝወጻእኩም ከተመዝግቡ ከለኹም ድማ 2 ግዜ ፒፕ ዝብል ድምጺ ትሰምዑ ኢኹም። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ግዜ መገሻኹም መጓዓዝያታት ኣብ ትቕይርሉ ግዜ ከም ዝኣተኹምን ከም ዝወጻእኩምን ከተመዝግቡ ይግባእ።
ሓደ ናይ OV-dagkaart ን 1 ሰብ ጥራሕ እዩ ከገልግል ዝኽእል፥ እንተደኣ ብዙሓት ሰባት ብሓባር ክትገሹ ኣለኹም ኮይንኩም ድማ ነፍስ-ወከፍ ሰብ ነናቱ ካርድ ብምጥቃም ከም ዝኣተወን ከም ዝወጸን ከመዝግብ ይግባእ። እዚ ድማ እንኮላይ ን railrunner ዘለዎም ቆልዑት ይምልከት።

ድሕሪ ምጋሽኩም ዘሎ መዓልቲ እዚ ካርድ ኣይሰርሕን እዩ። እንተደኣ ኣብ ጉዕዞኹም ከም ዝኣተኹምን ከም ዝወጻእኩምን ዘየመዝጊብኩም ብገንዘብ ትቕጽዑ ኢኹም። እዚ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ድማ ባዕልኹም ክትከፍልዎ ኣለኩም።

Links extern

  • Website ov-chipkaart [3]
    https://www.ov-chipkaart.nl/home.htm

Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1266

Links
[1] http://9292.nl
[2] http://www.ov-chipkaart.nl/home.htm
[3] https://www.ov-chipkaart.nl/home.htm

2022.06.28 - Tigrinya