Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2022.06.28 - Tigrinya - "Moneycard"

ቀንዲ ገጽ > ናይ ገንዘብ ካርድ (ማኒ ካርድ)

ናይ ገንዘብ ካርድ (ማኒ ካርድ)

ካብ COA ሓደ Moneycard ይወሃበኩም። እዚ ኣቀዲሙ ዝተኸፍለ መኽፈሊ ካርድ  ኮድ ዘለዎ እዩ። እዚ ካርድ ምስ ባንክ ሕሳብ ቁጽሪ ዝኽይድ ኣይኮነን። ኣብዚ ካርድ እቲ ናይ ሶሙን ገንዘብኩምን ካል ዝግባኩምን ይወርድ። እዚ Moneycard ብምጥቃም ገንዘብ ካብቲ መውጺ ገንዘብ ከተውጹ ይከኣል። ኣብ ዱካናት ክትከፍሉ እዉን ይከኣል።

ኣብ መርብበብ ሓበረታ Moneycardservices.com እቲ ኣብ ካርድኹም ዘሎ ገንዘብ  ክትርኢዎ ይኸኣል። ከሙ እዉን ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ እቲ ዝኸፈልኩምዎ ገንዘብ ክትሪዎ ይከኣል። እቲ መራኸቢ  ናይዚ መርበብ ሓበሬታ ኣብዚ ታሕቲ ኣለኩም።ኣብ መርበብ ሓበረታ ናይ ራቦ ባንክ ሓደ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓበረታ መግለጺ ተንቀሳቀሳይ ሰእሊ ኣለኩም ብዛእባ ኣጠቃቅማ Moneycard. ተንቀሳቀሳይ ሰእሊ ብዝተፈላለይ ቋንቋ ተሕተ-ኣርእስቲ ኣለዎ። እቲ መራኸቢ ናብዚ ተንቀሳቀሳይ ሰእሊ ኣብዚ ታሕጢ ኣለኹም። ኣብ ኮምፑተር ቅሉዕ መምሃሪ ማከል (Open Leercentrum (OLc)) ኢንተርነት ክትጥቀሙ ይከኣል።

ከምኡዉን  ናይ ሓበሬታ ጽሑፍ Moneycard ኣሎ።እዚ ኣብዚ ታሕቲ ክትጽዕንዎ ትኽሉ።

እቲ መምርሒ ተንቀሳቃሳይ ሰእሊ ወይ ናይ ሓበሬታ ጽሑፍ ርኣይዎ ቅድሚ Moneycard ምጥቃምኩም። ዊን ቅድሚ ኣብ Moneycardservices.nl ምእታዉኩም።

Links extern

  • Moneycardservices.com (request balance) [1]
    https://www.moneycardservices.com/consumer
  • Instructievideo [2]
    https://www.youtube.com/watch?v=LHk4NZEXv48

ብ Moneycard ምኽፋል

ብ Moneycard ኹም ኣብ ኩሉ ዱካንት ክትከፍሉ ትኸሉ እንተ ብካርድ ምኽፋል ዝከኣል ኮይኑ። ብ Moneycard ጥረ ገንዘብ ከተውጽ እውን ይከኣል ኣብ ሓደ ኣውቶማት።

geldautomaat.png [3]

pinautomaat

መከፋፈሊ ኣውቶማት

ኣብ ዓመት ዝበዝሔ € 1000,-- ጥረ ገንዘብ ከተዉጹ ይክኣል ኣብ ሓደ መከፋፈሊ ኣውቶማት ። ኣብ ድኳናት ምኽፋል ገደብ የብሉን። ኣብ ድኳንት ብዝተኻለ መጠን ብ Moneycard ክፈሉ።

Moneycard ን OV-chipkaart ኹም ክትመልዎ እዉን ትጥቀምሉ።

ኣብዚ ታሕቲ  መራኸቢ ናብ ሓበሬታ ተንቀሳቀሳይን ጽ ስእልን ናይ ጽሑፍ መግለጺ ብዛእባ Moneycard. ንሕቶታት ብዛዓባ Moneycard ናይ infobalie ናይ COA ተወከሱ።

Links extern

  • Moneycard instructiefilm (Rabobank.nl) [4]
    https://www.rabobank.nl/bedrijven/betalen/betalingen-doen/moneycard/instructiefilmpjes-pashouders/

ጸገማት ናይ Moneycard

እንተ  ጠፊኡኩም ዊን ተሰሪቁ ኣብ ናይ COA ናይ infobalie ብምኻድ ሓደ ሓዲሽ  Moneycard ትሓቱ። እቲ ዝጠፍኤ ካርድ ዘይተጠቀምክምሉ ገንዘብ ኔርዎ፣ እዚ ኣብቲ ሓዲሽ ካርድኹም ከም ዝሓልፍ ይግበር።

እንተ ኾድኩም ረሲዕኹምዎ ን Rabobank ደዉሉ። እቲ ቁጽሪ እዚ 088-7226555 እዩ። Moneycardኹም ኣብ ኢድኹም ሓዝዎ። እቲ ባንክ ቁጽሪ ናይ ካርድኹም ክሓተኩም እዩ (ቀዳማይን ዳሕረዋይ ገጹን)።

ኣብዚ ታሕቲ  መራኸቢ ናብ ሓበሬታ ተንቀሳቀሳይን ስእልን ናይ ጽሑፍ መግለጺ ብዛእባ Moneycard ኣለኩም። ንሕቶታት ብዛዓባ Moneycard ናይ infobalie ናይ COA ተወከሱ።


Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1265

Links
[1] https://www.moneycardservices.com/consumer
[2] https://www.youtube.com/watch?v=LHk4NZEXv48
[3] https://www.mycoa.nl/ti/file/2372
[4] https://www.rabobank.nl/bedrijven/betalen/betalingen-doen/moneycard/instructiefilmpjes-pashouders/

2022.06.28 - Tigrinya