Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2022.06.28 - Tigrinya - "Kinderen in de opvang"

ቀንዲ ገጽ > ህጻናት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት

ኣተዓባብያኣ ኣብ ነደርላንድ

ኣብ ነዘርላንድስ ንኣተዓባብያ ቆልዑትኩም ሓላፍነትኩም እዩ። ብ ናይ ነዘርላንድ ሕጊ ኩሉ ደቅኹም ዝገብርዎ ክሳብ 18 ዓመት ዝመሉ ናትኹም  ሓኣልፍነት እዩ። እንተ ወላድኩም ዕንወት ፈጺሙ፣ ሓላፍነትኩም እዩ።  (ሲቪላዊ ግዴታ)። ወላድኩም ካስብ 21 ዓመት ዝገበር ናይ ገንዘባዊ ሕገዝ ንመነባብሮ ከትገብሩ ሓልፍነትኩም እዩ። ቆልዑት ኣብ ሞንጎ 5 ን 18 ናይ ግደን ንትምህርቲ ክኸዱ ኣለዎም (ግደኤታዊ ትምህርቲ). እዚ እዉን ክትከታተልዎ ኣለኩም።

ኣብ መዉኣለ ሕጻናት ዝበል ናይ ሓበሬታ ጽሑፍ ኣገደስቲ ዝንበብ ኣሎ ከም ወለዲ ውን ሞጉዚት መጠን ክትፈለዎ ዘለኩም።   

Links extern

  • Tell me [1]
    https://www.kindertelefoon.nl/tell-me/?lang=en

ቤት-ትምህርቲ

ቆልዕት ካብ 5 ክሳብ 18 ዓመት
ቆልዕት ካብ 5 ክሳብ 16 ዓመት ትምህርቲ ኪኸዱ ግዴታ እዩ። ትምህርቲ ናይ ግድን ክኸዱ ኣለዎም። ኣብ ሕዚ ዝሰፈር እዩ። ቆል ዕት ድሕሪ 16 ዓመቶም ገና እንተ startkwalificatie ዘይብሎም፣ብግደን ካስብ 18 ዓመት ክመሃሩ ኣለዎም። startkwalificatie ሓደ ዲፕሎማ havo, vwo of mbo እዩ።ኸም ወላዲ/ሞግዚት ሓላፍነት ኣለኩም ደቅ ኹም እቲ ናይ ትምህርቲ ግዴታ ከተግብርዎ። እዚ እንተዘይ ኣማሊኩም  COA ን Leerplichtambtenaar ክሕብሩ እዮም። COA ዉላድኩም ብከምይ መገዲ ካም ዝምዝገብ ይሕብረኹም።

•ዉላድኩም ዕዮ ገዛ ክሰርሕ ተከታተልዎ። መብዛሕቱ ናይ COA ቦታ ናይ ዕዮ ገዛ መስርሒ ክፍሊ ኣለዎም።
•እንተ ወላድኩም ብሕማም ምኽንያት ንትምህርቲ ኽኸይደ ዘይኪሉ፣ ንትምህርቲ ቤት ናይ ዉላድኩም ባዓልኹም ሓብሩ። እዚ ናይ ንግሆ እዩ ክኸውን ዘለዎ ቅድሚ ትምህርቲ ምጂማሩ።
•ኣብ ምሉ እ ዓመት ኣብ ዝተፈላለይ እዋን ናይ ትምህርቲ ዕረፍቲ ኣሎ፣ እቲ ትምህርቲ ቤት ክሕብረኩም እዩ ጻኣታት ትምህርተን እዋን ናይ ትምሕሪ በዓላት።

ሕጻውንቲ ክሳብ 5 ዓመት
ቆል ዑት ካብ 5 ዓመት ናይ ምምሃር ግዴታ ኣለዎም። እንተኾነ ኣብ ነዘርላንድ ቅል ዑት ካብ 4 ዓመት ን ትምህርቲ ኪኸዱ ንቡር እዩ። መብዛሕቱ መዑቖቢ ቦታ ናይ  COA  ን ሕጻውንቲ ካን 0 ክሳብ 5 ዓመት መጻወቲ ኣደራሽ ኣለዎ። ኣብዚ ዉላድኩም መስ ካሎት ሕጻውንቲ ሓቢርኻ ምጺዋት ይመሃር። እዚ ንማሕበራዊ ምዕባለ ዉላድኹም ጽቡቅ እዩ። እንተ ቆጸራ ኣሊኩም ተሓዚት ክትረክቡ ዘይኪልኹም፣ ቆል ዑትኩም ኣብቲ መጻወቲ ኣደራሽ ከተምጸዎም ይከኣል። ነቲ ዝተሓጋገዘኩም ሰብ ናይ  COA ኣዳራሽ ዝኽፈተሉ ሳዓታት ሕተትዎ።

ን ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርቲ፣ ግዴታዊ ትምህርቲን መጻወቲ ኣደራሽ ኣብ ናይ  COA ናይ ሓበሬታ ጠረፔዛ ተወከሱ።

Links extern

  • Nederlandse grondwet [2]
    http://www.parlement.com/id/vhnnmt7jesyv/hoofdstuk_1_grondwet_volledige_tekst

ናይ ትምህርቲ ወጻኢታት

ኣብ ወርሒ ነሓስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ትምህርቲ ናይ ምኻድ ግቡእ ዘለዎ ህጻን ናይ ቤት ትምህርቲ ናውቲ መግዝኢ ዝኸውን መሕወዪ ክወሃበካ እዩ። እዚ ንኣብነት፡ ንምግዛእ ብርዒ፡ ደብተርን ናይ ቡአት ትምህርቲ ቦርሳን ይውዕል።  ናይ ቤት ትምህርቲ ክፍሊት፡ ባዕልኻ ክትከፍሎ ዘድሊ ኣይኮነን። ነዚ ዝምልከት፡ COA ምስ’ቲ ቤት ትምህርቲ ዝኣተዎ ስምምዕ ኣሎ።
መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ህጻናት (ቅድሚ ዕለት 1 ነሓሰ ናይ’ታ ዓመተ ትምህርቲ ኮንጋ ዝተባህሉ) ካብ ኮዋ፡ ንናውቲ ትምህርቲ ተባሂሉ መሕወዪ ኣይወሃቡን እዮም። ወለዲ ናይ’ዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተማሃሮ፡ ነቲ ወጻኢታት ብፍሉይ ብዝወሃብ ድጎማ ክኸፍልዎ ይኽእሉ። ንዛያዳ ሓበሬታ፡ ነቲ ን “ኪንደር ባይስላኽ” ን “ኪንደር ኸቦንደን ቡጀት” ዝምልከት ሓበሬታ ተወከስ።

Vaccinaties

ከም ንቡር፡ ኩሎም ህጻናት፡ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ሕማማት ይኽተቡ እዮም። ንኽታበት ዝምልከቱ ሕቶታት ምስ ዝህልውኹም፡ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ትካል GGD (Gemeentelijke Gezondheidsdienst) ክትውከሱ ትኽእሉ። ትካል GGD ብተወሳኺ፡ ናይ Jeugdgezondheidszorg (JGZ) ናይ’ቲ ንስኻ ትነብረሉ ዘለኻ ናይ COA መዓስከር ሓላፍነት ይስከም። ሰራሕተኛታት ናይ COA ን ናይ GZA፡ ብኸመይ ኣገባብ ምስ ትካል GGD ክትራኸብ ክምትኽእል ክሕብሩኻ እዮም።

Wettelijke aansprakelijkheid

እንተ ኣብ ናይ መዓስከር ትነብሩ ኣለኹም ብመገዲ COA ውሕስነት ኣለኩምን ሕጋዊ ተጥያቅነት (WA)። እዚ መድሕን እንተ ንስኹም ወይ ኣባል ናይ ስድራኹም ናይ ካሎኦት ሰባት ንብረት ብወዝቢ ሴሩ ወይ ኣባላሹ እቲ ዝኽፈል ገንዘብ ይሽፍነልኩም። እንተ ቆልዓኹም እንዳተጻወተ ንብረት ሴሩ  Infobalie ናይ  COA ሓበሬታ ከድኩም ሓብሩ።

Kinderactiviteiten

ኣብ መዓስከር ናይ COA ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ንቖለኡት ይዳሎ። ሓደ ሓደ ጊዜ ብ COA ዊን ናይ ድጋም ማሕበራት። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ርሰ-ስም ንጥፈታት ዝበል ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ርኣይ ዊን ኣብ Infobalie ሐትቱ።

ቈልዑ ሒዝካ ብሽክለታ ምዝዋር

ንሓደ ቘልዓ ኣብ ብሽክለታ ሰቒልካ ክትማልኦ እንከለኻ ኣብ ፍሉይ ናይ ቘልዑ ኮፍ መበሊ ኮፍ ከተብሎ ኣሎካ።

ካብ 9 ወርሒ ኽሳዕ 3 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቈልዑ ኣብ ብሽክለታ ሰቒልካ ክትማልኦም እንከለኻ ኣብ ቕድሚት (ኣብ መዘወሪ) ኣብ ዝግጠም ፍሉይ ናይ ቆልዑት ኮፍ መበሊ ኮፍ ከተብሎም ኣለካ።

ካብ 3 ክሳዕ 5 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቈልዑ ከኣ ኣብ ድሕሪት እታ ብሽክለታ ኣብ ዝተገጥመ ናይ መንበር  ቅናት ዘለዎ ኮፍ መበሊ ኢኻ እትጥቀም። ናይ ቆልዑ ኣእጋር ኣብ መንጎ ቸርክዮ ናይ እታ ብሽክለታ ንኸይኣትው መኸልከሊ ክግበረሉ ከምዘለዎን ጥንቃቐ ድማ ክግበር ከምዘለዎን ኣቕልበሉ!

ካብ 5 ኽሳዕ 8 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቈልዑ ናይ እግሪ መደገፊ ዘለዎ ቕልል ዝበለ ኮፍ መበሊ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ነዞም ዓበይቲ ቆልዑት እውን ኣእጋሮም ኣብ መንጎ ቸርክዮ ናይ እታ ብሽክለታ ንኸይኣትው መኸልከሊ ክግበረሎም ከምዘለዎ ኣስተብህል!

ትራፊክ ኣብ ኔዘርላንድ፥ ድሕነት ብዘለዎ ኣገባብ ብእግርኻ ምኻድን ብሽክለታ ምዝዋርን

ሓደጋታት ንምክልኻል ነቶም ሕግታት ክትፈልጦም ኣድላዪ እዩ። እታ ትራፊክ ኣብ ኔዘርላንድ፥ ድሕነት ብዘለዎ ኣገባብ ብእግርኻ ምኻድን ብሽክለታ ምዝዋርን ዘርእስታ መጽሄት ንኹሎም እቶም ኣገደስቲ ዝዀኑ ሕግታት ትራፊክን ምልክታት ትራፊክን ዝሓዘት እያ። ብእግርኻ ወይ ብብሽክለታ ኣብ ትጓዓዘሉ እዋን ምእንቲ ሓደጋ ከየጋጥመካ ነዚኦም ክትፈልጦም ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ኣብ ነዘርላንድስ ኣብ ናይ መኪና ጽርግያ ብእግርኻ ክትከይድ ወይ ብሽክለታ ክትዝውር ኣይፍቀደልካን እዩ። ብሽክለታኻ ንኻልኦት ተጠቀምቲ መገዲ ንኸተጠንቅቖም ዘኽእለካ ደወል ክህልዋ ኣለዎ። ብሽክለታኻ ደወል እንተ ዘይብላ 35 ዩሮ ብገንዘብ ክትቅጻዕ ትኽእል ኢኻ።

ነታ መጽሄት ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ኣብ ኢንተርነት ክፈታ ወይ ንናይ COA ሰራሕተኛ ሕተቶ። ናይ COA ሰራሕተኛታት እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ነዘርላንድስ ዘሎ ትራፊክ ዝያዳ ክነግሩኻ ይኽእሉ እዮም። እዛ መጽሄት ቁኑዓትን ጌጋታትን ኵነታት ትራፊክ ዘርእዩ ሓያሎ ስእልታት ዝሓዘት እያ።

ኣብ መገዲ ባቡር

ብፍጹም ኣብ መገዲ ባቡር ብእግርኻ ኣይትጓዓዝ። እዚ ንህይወትካ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። እተን ባቡራት ብልዑል ናህሪ እየን ዝጐዓዛ።

ኣብ መኸልከሊ ዝግበረሉ መስገሪ ቦታታት እቲ ናይ መጠንቀቕታ መብራህቲ ክበርህ እንተ ጀሚሩ ወይ እቲ ደወል ክድውል እንተ ጀሚሩ ደው ክትብል ኣሎካ። እንተደኣኣ ድሮ ናብ ማዕዶ ሰጊርካ ኸኣ ካብኡ ብህጹጽ ከተልግስ ኣለካ።

ብዘይካዚ መኸልከሊ ወይ ምልክታት ዘይብሉ መሰጋገሪ እውን ኣሎ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ቅድሚ ምስጋርካ ባዕልኻ ጽቡቕ ጌርካ ክትርኢ ኣለካ። እተን ባቡራት ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ፍጥነት ከም ዘለወን እውን ኣይትረስዕ።

ማይን ምሕንባስን

 ኣብ ኔዘርላንድ፡ ብዙሕ ማይ ኣሎ። በዚ መሰረት ድማ፡ ምሕንባስ ክትክእል ኣገዳሲ እዩ። 

ዋላ’ኳ ሓንቢስካ ትኽእል እንተኾንካ፡ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ ሓደጋታት ተጠንቀቐሎም፦
•ዑምቀት ማያት፡ መብዝሕትኡ ግዜ ማዕሩይ ኣይኮነን; ሃንደበት ኣዝዩ ዓሙይቕ ክኸውን ይኻል እሞ ደው ኣብ ዘይትብለሉ ደረጃ ክበጽሕ ይኽእል
•ዝሑል ማይ ቅርጸት ክፈጥረልካ ይኽእል
•ሓያላት ማዕበላት ሒዞምኻ ክኸዱ ይኽእሉ።

ቀጻሊ ጥንቁቕ ኩን። ህዱእን ጽቡቕን ናይ ኣየር ኩነታት ኣብ ዝህልወሉ አዋን ከማን።
•ክትሕንብስ ዘይትኽእል እንተኾንካ፡ ኣይትሓንብስ
•ንህጸናት፡ ኩሉ ግዜ ተኸታተሎም
•በይንኻ ኣይትሓንብስ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልኩል ቦታታት ኣይትሓንብስ።

Links extern

  • How to prevent drowning (website with pdf's) [3]
    https://www.veiligheid.nl/kinderen-professionals/jgz-kraamzorg/aanvullende-materialen/folder-voorkom-verdinking
  • zwemvlog: Yasir Hierrr: Zwembad [4]
    https://www.youtube.com/watch?v=VS-zRpK8z0s
  • zwemvlog: Yasir Hierrr: Koud [5]
    https://www.youtube.com/watch?v=1ipHlVi-Sac
  • zwemvlog: Yasir Hierrr: Voetballen [6]
    https://www.youtube.com/watch?v=HN59Vs035Ow
  • zwemvlog: Yasir Hierrr: Jump jump [7]
    https://www.youtube.com/watch?v=muPSX5d1cKw
  • Zwemmen in rivieren en kanalen? Springen van bruggen? LEVENSGEVAARLIJK! [8]
    http://publicaties.minienm.nl/documenten/flyer-zwemmen-in-rivier-levensgevaarlijk-springen-van-bruggen-verboden

Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1264

Links
[1] https://www.kindertelefoon.nl/tell-me/?lang=en
[2] http://www.parlement.com/id/vhnnmt7jesyv/hoofdstuk_1_grondwet_volledige_tekst
[3] https://www.veiligheid.nl/kinderen-professionals/jgz-kraamzorg/aanvullende-materialen/folder-voorkom-verdinking
[4] https://www.youtube.com/watch?v=VS-zRpK8z0s
[5] https://www.youtube.com/watch?v=1ipHlVi-Sac
[6] https://www.youtube.com/watch?v=HN59Vs035Ow
[7] https://www.youtube.com/watch?v=muPSX5d1cKw
[8] http://publicaties.minienm.nl/documenten/flyer-zwemmen-in-rivier-levensgevaarlijk-springen-van-bruggen-verboden

2022.06.28 - Tigrinya