Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2022.06.28 - Tigrinya - "Zwangerschap"

ቀንዲ ገጽ > ጥንሲ

ጥንሲ

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ግዜ ጥንሲ ብ መሕረስቲ (verloskundige) ሓገዛት ይግበረልካ። ድሕሪ ምሕራስካ’ውን ናይ ሕርሲ ክንክን ይግበረልካ። ሽግራት እንተጋጢሞም ጥራሕ ኢኻ ናብ ሓኪም ስነ-ሕርሲ (gynaecoloog) ትመሓላለፍ።
እንተደኣ ጠኒስክን ብዝቐልጠፈ ን COA ኽትሕብራን ምስ መሕረስቲ ብቑልጡፍ ቆጸራ ክትገብራን ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ሽዑ እዘን ምሕረስቲ ናይ ጥንሲ መረጋገጺ (zwangerschapsverklaring) ይህባኽን። ጥዕናኽንን ጥዕና ናይ’ቲ ህጻን ድማ ጽቡቕ ክትትል ይግበረሉ።
እንተ ደኣ zwangerschapsverklaring ኣለክን ነቲ ህጻን ዝኸውን ዝተፈላለየ ኣቑሕት ክትልቀሓ ትኽእላን/ወይ ድማ ድጎማ ክወሃበክን ክትሓታ ትኽእላ ኢኽን። ብተወሳኺ ቅድሚ 6 ሰሙን ቅድሚ ምሕራስክንን 6 ሰሙን ድሕሪ ምሕራስክንን ካብ ናይ ምምልካት ግዴታ (ፌርማ) ነጻ ክትኮና ክትሓታ ትኽእላ ኢኽን።

ናይ ጥንሲ ተሓጋገዝቲ

ኣብ ግዜ ጥንሲ ብ ምሕረስቲ (verloskundige) ሓገዛት ይግበረልክን። ሽግራት እንተጋጢሞም ድማ ናብ ሓኪም ስነ-ሕርሲ (gynaecoloog) ትመሓላለፋ። ከም ዝጠነስክን ምስ ፈለጥክን ባዕልኽን ምስ መሕረስቲ ቆጸራ ክትሕዛ ኣለክን። GZA ድማ ብዝዕባ’ዚ ክደጋገፍኹን ይኸሉ እዮም።
እንተደኣ ናብ ካልእ ቦታ ክትግዕዛ ኮይንክን፣ ምስ verloskundige ይኹን መስ gynaecoloog ንዘለክን ቆጸራታት ምስራዝን ምቕያርን ናትክን ሓላፍነት ይኽውን። ምእንታን ቀጻሊ ጽቡቕ ሓገዛት ክግበረልክን ናብቲ ትኸደኦ ሓድሽ መንበሪ ቦታ ብዝቐልጠፈ ቖጸራ ክትሕዛ ኣለክን።
ካብቲ ክትሓርሳሉ ኢሉ ዝተመደበ ዕለት ቅድሚኡ 6 ሳምንታት ካብ ናይ ምምልካት ግዴታ (ፌርማ) ነጻ ክትኮና ናብ Infobalie  ናይ COA ብምኻድ ክትሓታ ትኽእላ ኢኽን።

መሕረስቲ

መሕረስቲ verloskundige ኣብ ግዜ ጥንሲ፣ ሕርስን ብድሕሪ ምውላድ ናይ’ቲ ህጻንን ይተሓጋገዛኽን። እዘን verloskundige ኩሉ ተቕርበኦ ሕቶታት ይምልሳልክንን ኩነታት ጥዕና ናትክንን ናይ’ቲ ህጻንን ብግቡእ ይከታተላ። ብተወሳኺ እዘን መሕረስቲ ከምዝጠነስክን ዘረጋግጽ ሰነድ (zwangerschapsverklaring) ይህባኽን አየን። እዚ ሰነድ’ዚ ናብ Infobalie  ናይ COA ብምኻድ ከተረክበኦ ኣለክን።
እንተደኣ ሽግራት ኣጋጢሙ ኮይኑ verloskundige መመሓላለፊ ደብዳቤ (verwijsbrief) ብምጽሓፍ ናብ gynaecoloog የመሓላልፋኽን።

ሓኪም ስነ-ሕርሲ

ኣብ ግዜ ጥንሲ ሽግራት እንተኣጋጢሞም ብሓኪም ስነ-ሕርሲ (gynaecoloog) ሓገዝ ይግበረልክን። እዚ ፍሉይ ክእለት ብዛዕባ ስነ-ሕርስን ጥንስን ዘለዎ ሓኪም እዩ። እዚ ሓኪም እዚ ብተወሳኺ እቲ ህጻን ገና ኣብ ከብዲ ኣዲኡ እንኮሎ ክህልውዎ ዝኽእሉ ጸገማት ይፈልጥን ይእምትን።

ናይ ጥንሲ መረጋገጺ ወረቐት

መሕረስቲ ከምዝጠነስክን ዘረጋግጽ ሰነድ ይህባኽን አየን። እዚ ሰነድ’ዚ zwangerschapsverklaring ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ናብ Infobalie  ናይ COA ብምኻድ ከተረክበኦ ኣለክን።
እንተደኣ እዚ ናይ መረጋገጺ ወረቐት ኣረኪብክነኦ፣ ካብ 7ይ ወርሒ ናይ ጥንሲ ኣትሒዝክን ንህጻን ዝኸውን ኣቑሕት ክትልቀሓ ትኽእላ ኢኽን። ከምኡ’ውን ሓንሳብ ንናይ ህጻን ኣቑሕት መግዝኢ ዝኸውን ገንዘብ ይወሃበክን እዩ። 

ናይ ህጻናን ኣቑሑት

ሕጻን እንተለክን ናይ ሕጻን ኣቑሕት የድልየክን እዮ። ገሊኦም ኣቑሑት ካብ COA ክትልቅሖኦ ትኽእላ ኢኽን። ንኣብነት ናይ ህጻን ዓራትን ሞሕጸቢ ነብሲ ሸሓንን። እዚ ኣቑሑት ኣብ ዘየድልየክን ግዜ ክትመልሰኦ ይግባእ። ብዘይካ’ዚ ንዓኽን ንውልቅኽን ዝኸውን ሓደ ሓደ ንህጻን ዘድልዩ ንኣብነት፣ ክዳውንቲ ጸባ መስተይ ጡጦን ይወሃበክን እዩ። ናይ ህጻን ኣቕሑት ንኽትልቅሓ zwangerschapsverklaring የድልየክን እዩ።
ከምኡ’ውን እንተ ጠኒስክን መታን ናይ ህጻን ኣቑሑት ባዕልኽን ክትገዝኣ ሓንሳብ ገንዘብ ካብ COA ይወሃበክን እዩ። ነዚ ገንዘብ ንምቕባል እውን እዚ zwangerschapsverklaring የድልየክን እዩ።

ናይ ገዛ ምብጻሕ

መሕረስቲ ወይ ገለ ሰራሕተኛ ካብ ናይ (ሕርሲ ክንክን) kraamzorg ኣብ መንጎ መበል 34 ሰሙንን መበል 36 ሰሙንን ዘሎ ናይ ጥንሲ ግዜ ኩሉ ንህጻን ዘድልዩ ነገራት ተዳልዮም እንተለዉ ምሳኽን ንምዝርራብ ከምኡው’ን ድሕሪ ምውላድ ህጻን እንታይ ይጽበየክን ከምዘሎ ንምምይያጥ ናብ ገዛኽን ምብጻሕ ይገብራ እየን።

ናይ ሕርሲ ክንክን

ድሕሪ ሕርሲ ናይ ሕርሲ ኣለይት (kraamzorgende of kraamhulp) ናብቲ ዘለኽንኦ ቦታ ይመጻ። እታ kraamzorgende ንዓኽንን ነቲ ህጻንን ኣብ ምእላይ ትተሓጋገዝ። ብተወሳኺ ድማ ብዛዕባ ክንክንን ኣመጋግባ ህጻንን ብዝምልከት ምኽርታትን ሓበሬታታትን ትህበክን።
ናይ ሕርሲ ክንክን (kraamzorg) ባዕልኽን ክትሓታ ኣለክን። እታ ምሕረሲት ናትክን ብዛዕባ’ዚ ክትተሓባበረክን ትኽእል እያ። ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ kraamzorg ናብ Infobalie  ናይ COA ብምኻድ ክትሓታ ትኽእላ ኢኽን።
 

ምግዓዝ ኣብ ግዜ ጥንሲ

እንተደኣ ኣብ ግዜ ጥንሲ ናብ ካልእ ቦታ ክትግዕዛ ኮይንክን ባዕልኽን ን መሕረስትን (verloskundige) ንሓኪም ስነ-ሕርስን (gynaecoloog) ክትሕብራ ይግባእ። ባዕልኽን ዘለክን ቆጸራታት ክትስርዞኦን ከተሰጋግረኦን ኣለክን። ምእንታን ቀጻሊ ጽቡቕ ሓገዛት ክግበረልክን ኣብቲ ትኸደኦ ሓድሽ መንበሪ ቦታ እንደገና ቖጸራ ክትሕዛ ኣለክን። GZA ድማ ብዛዕባ’ዚ ክተሓጋገዝኹን ይኽእሉ እዮም።

ምልዓል ናይ ፌርማ ግቡእ ኣብ ግዜ ጥንሲ

ነፍሰ-ጾር ምስ ትኾኒ፡ 6 ሳምንታት ካብ’ቲ ትሓርስሉ ዘሎ ግዜ፡ ናይ ፌርማ ግቡእኪ ክለዓለልኪ ክትሓቲ ትኽእሊ። ከምኡ ንምግባር ናብ ናይ ኮዋ Infobalie ትኸዲ። ንግዚኡ ናይ ፌርማ ግቡእ ኣይህልወክን። እዚ ምልዓል ናይ ፌርማ ግቡእ፡ ክሳብ 6 ሳምንታት ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ዘሎ ግዜ ይጸንዕ። 

ጥንስን መገሻን

ንናይ ሕክምና ቆጸራታት ዝምልከት ካብ 10 ኪሎሜተር ንላዕሊ እንተተጓዒዝክን ናይ መገሻ ወጻኢታት ብ COA ይኽፈለክን እዩ።
ካብ መበል 36 ናይ ጥንሲ ሰሙን ጀሚሩ ክሳብ 2 ሰሙን ድሕሪ ሕርሲ ዘሎ ግዜ ንናይ ሕክምና ቆጸራታት ኣብትገሻሉ ግዜ ኮፍ ኣኢልክን ትገሻሉ ናይ ሕክምና መጎዓዓዝያ (zorgtaxi) መሰል ኣለክን። ከምኡ’ውን ዕድመ ናይቲ ህጻን 6 ሰሙን ወይ ካብ 6 ሰሙን ንታሕቲ እንተኾይኑ እዚ ናይ ሕክምና መጎዓዓዝያ (zorgtaxi) ክትጥቀማ ትኽእላ ኢኽን። ነዚ መጋዓዝያ ንምጥቃም ብመንገዲ Praktijklijn ከተመልክታ ወይ ክትሓታ ትኽእላ ኢኽን። ናይ COA ሰራሕተኛታት ድማ ብዛዕባ’ዚ ክተሓጋገዝኹን ይኽእሉ እዮም።

ናይ ውላድ ምዝገባ

ነፍስወከፍ ህጻን ኣብ ኔዘርላንድ ዝውለድ ድሕሪ ምውላዱ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልታት ኣብ ናይቲ ትነብረሉ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ክምዝገብ ኣለዎ። እዚ ናይ ውላድ መዝገብ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ድሕሪ ምምዝጋብኩም ናይ ትውልዲ ምስክር ር ወረቐት (geboorteakte) ይወሃበኩም።
መብዛሕቱኡ ግዜ ኣቦ ወይ ኣደ ምምዝጋብ ናይ ትውልዲ የካይዱ። ንኸተመልክቱ ኣይጠዓመኩምን? ሓደ ካብቶም ኣብ ግዜ ሕርሲ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ምዝገባ ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም። እዚ ሰብ’ዚ ኣባል ስድራቤትኩም፣ መሕረሲት (verloskundige)፣ ሓኪም፣ ወይ ናይ ሕርሲ ተሓጋጋዚት (kraamhulp) ክኸውን ይኽእል አዩ።
ዝኾነ ነቲ ህጻን ዘመዝግብ ሰብ ናይ ግድን ነዘም ዝስዕቡ ሰነዳት ምሱ ክማለኦም ኣለዎ፥
. መዓልቱ ዘየሕለፈ ናይ መንበሪ ወረቐት (ንኣብነት W-document ) ናይ ኣመዝጋቢ
. መዓልቱ ዘየሕለፈ ናይ መንበሪ ወረቐት (ንኣብነት W-document ) ናይ ኣደ
. ናይ ህጻን ናይ ትውልዲ መረጋገጺ(እዚ ብ ኣብ ግዜ ሕርሲ ብዝነበረ ሓኪም ወይ መሕረሲት ይወሃብ)
ካብ ቤት ጽሕፈት ናይ ምምሕድዳር geboorteakte ይወሃበክን።

 

ናይ ትውልዲ ምስክር ወረቐት

ካብ ቤት ጽሕፈት ናይ ምምሕድዳር ናይ ትውልዲ ምስክር ወረቐት (geboorteakte) ይወሃበክን። ቅዳሕ ናይ’ዚ ብቁልጡፍ ን COA ክትህበኦም ኣለክን። ብድሕር’ዚ ነቲ ህጻን ዝኸውን ሰሙናዊ ገንዘብ ይወሃበክንን ውላድክን ድማ ኣብ Regeling Medisch zorg Asielzoekers (RMA) ይምዝገብ።

ምንጻል ጥንሲ

ኣብ ግዜ ምንጻል ጥንሲ እቲ ፍረ ኣብ መጀመርታ 3 ኣዋርሕ ካብ ጥንስኽን ይንጸል። እዚ ዝኸውን እቲ ፍረ ብዝግባእ ምስዘይዓቢ እዮ። አንተደኣ ብሃንደበት ብዙሕ ደም ከይድክን እሞ ምንጻል ጥንሲ ዘጋጠመ ኮይኑ ተሰሚዕክን ብቕጽበት ምስ Praktijklijn:088-112 2 112 ርክብ ክትገብራ ኣለክን። ንሶም ድማ ምስ ናትክን መሕረስቲ (verloskundige) ወይ ናትክን ሓኪም ስነ-ሕርሲ ክራኸቡ እዮም። ን ናይ COA ሰራሕተኛታት ድማ ብዛዕባ’ዚ ንኽተሓጋገዝኹን ክትሓተኦም ትኽእላ ኢኽን።

ዘይተየደልየ ጥንሲ

እንተደኣ ዘይደለኽነኦ ጥንሲ ኣጋጢሙክን ኮይኑ፣ ብዛዕባ’ዚ መስ ናይ COA ሰራሕተኛታት ወይ/ከምኡው’ን GezondheidsZorg Asielzoekers (GZA) ክትዘራረባ ትኽእላ ኢኽን። እዚኦም ምሳኽን ክዘራረቡ ይኽእሉ ከምኡውን ሓገዝ ክግበረልክን ናብ ካልኦት የመሓላልፉኽን። ንኣብነት ናብ ሕክምና እንተደኣ ነቲ ህጻን ክትሕዘኦ ዘይደሊኽን ኮይንክን። ከምኡው’ን ካልኦት ብዘይ መደብ ኣብ ዝተገብረ ጥንሲ ንምትሕግጋዝ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ትካላት ከም በዓል SIRIZ ወይ FIOM ኣለዉ።

Links extern

  • Siriz [1]
    http://www.siriz.nl
  • Fiom [2]
    http://www.fiom.nl

Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1261

Links
[1] http://www.siriz.nl
[2] http://www.fiom.nl

2022.06.28 - Tigrinya