ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ግዜ ጥንሲ ብ መሕረስቲ (verloskundige) ሓገዛት ይግበረልካ። ድሕሪ ምሕራስካ’ውን ናይ ሕርሲ ክንክን ይግበረልካ። ሽግራት እንተጋጢሞም ጥራሕ ኢኻ ናብ ሓኪም ስነ-ሕርሲ (gynaecoloog) ትመሓላለፍ።
እንተደኣ ጠኒስክን ብዝቐልጠፈ ን COA ኽትሕብራን ምስ መሕረስቲ ብቑልጡፍ ቆጸራ ክትገብራን ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ሽዑ እዘን ምሕረስቲ ናይ ጥንሲ መረጋገጺ (zwangerschapsverklaring) ይህባኽን። ጥዕናኽንን ጥዕና ናይ’ቲ ህጻን ድማ ጽቡቕ ክትትል ይግበረሉ።
እንተ ደኣ zwangerschapsverklaring ኣለክን ነቲ ህጻን ዝኸውን ዝተፈላለየ ኣቑሕት ክትልቀሓ ትኽእላን/ወይ ድማ ድጎማ ክወሃበክን ክትሓታ ትኽእላ ኢኽን። ብተወሳኺ ቅድሚ 6 ሰሙን ቅድሚ ምሕራስክንን 6 ሰሙን ድሕሪ ምሕራስክንን ካብ ናይ ምምልካት ግዴታ (ፌርማ) ነጻ ክትኮና ክትሓታ ትኽእላ ኢኽን።