ኮዋ (COA) ገለ ወጻኢታት ናይ መግዓዝያ ከም “ንፍሉይ ኩነታ ዝኽፈል” ይሽፍነልካ እዩ። ነዞም ወጻኢታት እዚኣቶም ንኽሽፈነልካ ኩሉ ግዜ ኣቐዲምካ ክትሓትት ኣለካ።
ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart)
ኣብ ሆላንድ ብህዝባዊ መጉዓዝያ ንኽትጟዓዝ ናይ ህዝባዊ መጉዓዝያ ቺፕካርድ ( OV-chipkaart) የድልየካ። ንሓደ ግዜ ኮዋ (COA) ሽም ዘይብሉ ናይ ህዝባዊ መጉዓዝያ ቺፕካርድ ( OV-chipkaart) ይህበካ። ኣብዚ ካርድ ኣብቲ መጀመርያ መዕቆቢ ቦታ ዝረኸብካሉ እዋን ንመጉዓዝያ ዝኸውን ውሑድ ገንዘብ ኣለዎ። ምእንቲ ክትጎዓዝ ክትከል ግን ኣብ ግዜኡ ኣብዚ ናይ ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart) ገንዘብ ከትእቱ ኣለካ። እዚ ናትካ ሓላፍነት እዩ። ሰራሕተኛታት ናይ ኮዋ (COA) ከመይ ጌርካ ኣብዚ ናይ ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart) ገንዘብ ከተእቱ ከም ትኽእል ክሕብሩኻ ይኽእሉ።
መሕወዪ ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታትካ ከመይ ጌርካ ትሕትት?
መሕወዪ ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታትካ ንምሕታት ኣብ Infobalie ኬድካ ክትገይሽ ከም ምዃንካ ተምልክት። ቆጸራ ከምዘለካ መረጋገጺ ተርኢ። ሽዑ ኮዋ ናይ መሕወዪ መሰል ኣንተኣለካ መዚኑ ወጻኢታት ናይቲ ጉዕዞ ክንደይ ከምዝውድእ ይውስን።
ናይ ምሕዋይ መሰል እንተኣለካ ናይ መጉዓዝያ ቲኬት ወይ ድማ ነቲ ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታትካ መሕወዪ ገንዘብ ይወሃበካ። እዚ መሕወዪ ገንዘብ ኣብ ናትካ ማኒካርድ ይኣቱ - ኣለካ እንተኾነ - ወይ ድማ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብካ። ቅድሚ ሓጺር ግዜ (ገለ መዓልትታት) ቅድሚ ምጋሽካ እቲ ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታት ምሕዋይ እንተሓቲትካ ምናልባሽ እቲ ገንዘብ ጌና ኣብ ሕሳብካ ዘይኣተወ ክኸውይን ይኽእል፡፡ ከምኡ እንተኾነ ስጋብ እቲ ገንዘብ ኣብ ሕሳብካ ዝኣቱ ባዕልኻ ከፊልካዮ ክትጸንሕ ኣለካ።
ንነዊሕ ጉዕዞ ናይ ባቡር ትኬት ወይድማ ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart) ይወሃበካ። እዞም ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart) እዚኣቶም ንሓደ መዓልቲ ዝሰርሑ እዮም። ድሕሪኡ እዚኦም ክትጥቀመሎም ኣይትኽእልን ኢኻ።
ናይ ኣየኖት ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታት መሕወዪ ገንዘብ ይወሃበካ?
• መጉዓዝያ ካብን ናብ ትምህርትን
• መጉዓዝያ ንሕክምናዊ ጉዳያት
• መጉዓዝያ ናብ ካልእ ናይ መዕቆቢ ቦታ ምስትቕየር
• ካብ መዕቆቡ ቦታ ምስትወጽእ
• መጉዓዝያ ንመስርሕ ዑቕባ
• መጉዓዝያ ንናይ ምምላስ ጉዳያት ንምስላጥ ብሓገዝ ናይ ኣህጉራዊ ማሕበር ሚግረሽን (IOM)
ቅድመ-ኩነት ንመሕወዪ ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታት እንታይ እዩ?
• ኮዋ (COA) ካብ 10 ኪሎመተር ንላዕሊ ዝኾነ ጉዕዞ ጥራይ መሕወዪ ይኸፍል
• ኮዋ (COA) ዝህቦ መሕወዪ ገንዘብ እቲ ዝሓሰረ መንገዲ ጉዕዞ እዩ
• ምስቲ ርሕቀት ናይቲ ጉዕዞን ወጻኢታትን ኣብ ግምት ብምእታው መሕወዪ ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታት ወይ ናይ መጉዓዝያ ቲኬት ይወሃበክ
• ጥንስቲ እንተኾንኪ ንናይ ሕክምና ቆጸራ ዘለኪ ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታት መሕወዪ ክወሃበኪ ይከኣል ይኸውን
መሕወዪ ዘይወሃቦ ጉዳያት እንታይ እዩ?
• ናይ ውልቅኻ ጉዕዞታት
• ካብ ህዝባዊ መጉዓዝያ ክትወርድ ኮለኻ ነታ ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart) ኣብታ ማሺን ምልጋብ ስለዝረሳዕካዮ ተወሳኺ ናይ ጉዕዞ ወጻኢታት እንተመጸ
• ናትካ ናይ ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart) እንተጠፍኣካ
• መስኣሊ ንናትካ ናይ ውልቂ ናይ ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart)