Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2022.06.28 - Tigrinya - "Verstrekkingen"

ቀንዲ ገጽ > ክፍሊት

ንሓተትቲ ዑቕባ ዝወሃብ ነገራት

ዑቕባ እንተሓቲትካ መብዛሕቱ ግዜ መሰል ናይ ብኮዋ (COA) ዝወሃብ መዕቆቢ ቦታ ኣለካ። ኣብቲ ስርዓት ንሓተቲ ዑቕባ ዝወሃብ ነገራት (Rva) ካብ ኮዋ (COA) እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከምትጽበ ተጻሒፉ ኣሎ። እዚ ድማ ዝወሃበካ ነገራት ኢልና ንሰምዮ።    

ብኮዋ (COA) ዝወሃበካ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዝወሃብ ነገራት ዝኣተወ እዩ፡ ከም ገለ ዓይነት ኣቑሑትን ከምኡውን ናይ ጥዕና ክንክን። እቲ ዝወሃበካ መንበሪ ቤት ውን ከይተረፈ ብመሰረት (Rva) “ዝወሃበካ ነገራት” እዩ።

እቲ ዝወሃበካ ዓይነት ነገራት

ከም ተቐማጣይ ናይ ኮዋ (COA) ቦታ እዚ ዝስዕብ ነገራት ይወሃበካ፡:

•ሓደ ግዜ ዝወሃብ ነገራት (መሰረታዊ ኣቑሑት፡ መናጽፍን መኽደንን ከምኡውን  ገንዘብ ንዘቤታዊ ኣቑሑት ንምግዛእ)
• ሰሙናዊ ገንዘብ (መንቀሳቐሲ ገንዘብ፡ ንምግቢ ዝኸውን ገንዘብ፡ እዚ ብሓንሳብ ሰሙናዊ ገንዘብ ተባሂሉ ይጽዋዕ)
• ንፍሉይ ኩነታት ዝወሃብ ገንዘብ (ንመግዓዝያ፡ ወጻኢታት ንሕጋዊ ጉዳያትን ንካልእቶ ገለ ወጻኢታትን)

ንፍሉይ ኩነታት ዝወሃብ ገንዘብ ኣቐዲምካ ክትሓትት ኣለካ። ስለዚ ቅድሚ እዞም ወጻኢታት እዚኣቶም ምግባርካ ኣቐዲምካ ናብ Infobalie ብምኻድ ነዚ ገንዘብ ንምርካብ እንታይ ቅድመ-ኩነት ከምዘሎ ሕተት።

ገንዘብ ክትቅበል፡ ገንዘብ ከተውጽእ ከምኡውን ወጻኢታት ንምኽፋል ማኒካርድ ትጥቀም።

ሓደ ግዜ ዝወሃበካ ነገራት

ንመጀመርያ ኣብ ኮዋ (COA) ምስመጻእካ ገለ ኣቑሑት ንኽትጥቀመሎም ይወሃበካ። ከምኡውን መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ውልቂ ዘይትመልሶ ኣቑሑት ይወሃበካ። ንሓደ ግዜ ዘቤታዊ ኣቑሑት ንምግዛአ ገንዘብ ይወሃበካ።

ተጠቒምካ ትመልሶ ኣቑሑት
ኮዋ (COA) ገለ ኣቑሑት ተጠቒምካ ንኽትመልሶ ይህበካ። ከም መናጽፍን ኣንሶላን ከምኡውን ነቲ መንበሪ ቤትካ ዘድሊ ነገራትን ከምኡውን ንመንበሪ ቤትካ ንምክንኻን ዘድሊ ነገራት። ኣድላይ እንተኾነ ውን ናይ ህጻናት ኣቁሑት ይወሃበካ።

እዞም ኣቑሑት እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ ዋንነት ናይ ኮዋ (COA) እዮም። ክትወጽእ ኮለኻ ኩሉ ዝተለቃሕካዮ ኣቑሑት ንኮዋ (COA) ክትመልሶ ኣለካ። ኮዋ (COA) ነዞም ኣቑሑት ብጥንቃቐ ክትሕዞም ትጽቢት ኣለዎ። ገለ ዝተበላሸወ ኣቑሑት እንተሎ ኮዋ (COA) መሕወይ ናይዚ ብሙሉእ ወይድማ ብከፊል ካብቲ ሰሙናዊ ዝወሃበካ ገንዘብ የጉድለልካ። ነዚ ዝምልከት ዝተወሰነ ብዝሒ ገንዘብ ኣሎ።

ናይ ውልቂ መሰረታዊ ኣቑሑት
ናይ ውልቂ መሰረታዊ ኣቑሑት (psu) ውን ተወሃብ ኢኻ። እዚ ብኬሪ፡ መብልዒ ሸሓኒ፡ ተሪር ብኬሪ ከምኡውን ፋርኬታን ማንካን። እዚ ናይ ውልቂ መሰረታዊ ኣቑሑት (psu) ንኩሉ ግዜ ዋንኡ ንስኻ ኢኻ። ካብ መዕቆቢ ቦታ ምስትወጽእ ነዚኦም ምምላስ ኣየድልየካን እዩ።

ንናይ ክሽነ ዘድሊ ዝወሃበካ ኣቑሑት
ብኮዋ (COA) ንሓደ ግዜ ንመግቢ መስርሒ ዝኸውን ኣቑሑት ንኽትገዝእ ገንዘብ ይወሃበካ፡ ከም ድስቲ፡ ካራ፡ፋርኬታ፡ማንካ ናይ ሻህን ናይ ቡንን በራድ፡ መምተሪ ጣውላ መጻራረዪ ኣቑሑት።

ሰሙናዊ ክፍሊት

ኣብ መዓስከር ኣብ ትጸንሓሉ እዋን፡ ካብ ኮዋ ሰሙናዊ ውሱን ቀዋሚ መጠን ዘለዎ ገንዘብ ይወርደልካ። እዚ፡ ናይ ሰሙን ገንዘብ (ቬክ ኼልድ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ንምግብን ክዳንን ዝውዕል እዩ። መጠን ናይ’ዚ ገንዘብ፡ ብሕጊ ኣብ ድንጋገ ድጎማታት ሓተትቲ ዑቕባ (Regeling verstrekkingen asielzoekers (Rva)) ተወሲኑ ኣሎ። እቲ መጠን፡ ኣብ ኩነታት ስድራቤትካ ዝተሞርከሰ እዩ። ንሓንቲ  ባዕላ ኣስፔዝኣ ትገብር 2 ቆልዑት ዘለዋ ስድራቤት፡ መጠን ናይ’ሲ ሰሙናዊ ዝወርድ ገንዘብ እንተላይ ናይ ጁባ ገንዘብ ኣስታት 170 ኤውሮ እዩ። እቲ ልክዕ መጠን ገንዘብ፡ ካብ ናይ ሓበሬታ ጠረጴዛ (ኢንፎ ባሊ) ክትውከስ ትኽእል።

ሰራሕተኛታት COA፡ ብዛዕባ እቲ ልክዕ መጠን ዝወሃብኩም ገንዘብ ሓበሬታ ክህብኹም እዮም።

እቲ ሰሙናዊ ገንዘብ ትቕበልሉ Moneycard ክወሃበኩም እዩ። እዚ፡ ናይ ገንዘብ መኽፈሊ ካርድ እዩ። ነዚ ካርድ ተጠቒምኩም፡ ኣብ ደዃኩን ክትከፍሉን ካብ ባንካ ገንዘብ ከተውጽኡን ትኽእሉ።
እቲ ዘለኩም Moneycard፡ ናይ ልቓሕ ተኽእሎ የብሉን። እዚ ማለት፡ ብልቃሕ፡ ዘይብልኩም ገንዘብ ከተውጽኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም ማለት እዩ።

ናይ ባዕልኹም ናይ ባንካ ሕሳብ ምስ ኣውጻእኩም፡ እቲ ዝግብኣኩም ገንዘብ ኣብኡ ከምዝወርደልኩም ይግበር።

COA እታ ናይ ፈለማ ሰሙን ኣቐዲሙ የውርደልኩም። ካብኡ ንንየው ግን፡ እቲ ዝወሃብ ገንዘብ፡ እታ ሰሙን ምስ ሓለፈት ድሒሩ ይኸውን። እዚ ማለት፡ እቲ ኣብ ፈለማ ሰሙን ዝውርደልኩም ገንዘብ ክከሓስ ኣለዎ። እዚ ዝግበር፡ እቲ ሰሙናዊ ዝወርደልኩም መጠን ናይ መግቢ ገንዘብ (eetgeld)፡ በቲ እንተላይ ንክዳውንትን ውልቃዊ ድሌታትን ተባሂሉ ዝወሃብ መጠን ገንዘብ (leefgeld) ምስ ዝውስኽ እዩ። ብኸም’ዚ ኣገባብ፡ ኣብ’ተን ናይ ፈለማ ዓሰርተ ሳምንታት፡ ዕሽር (ሓደ ዕስሪት) ናይ’ቲ ዝግበኣኩም ገንዘብ ተቖራጺ ይኸውን።

ኣብ መጻኢ ካብ ናይ COA መዓስከር ክትወጹ እንተኾንኩም፡ ኣብ’ታ ስዒባ ትመጽእ ናይ ፈለማ ሰኑይ፡ ናይ መጠረስታ ‘ክፍሊት’ ይወርደልኩም። እዚ ዝወሃብ ገንዘብ፡ ነተን ናይ መጠረስታ ኣብ ናይ COA መዓስከር ዝጸናሕኩመን መዓልታት ዝምልከት ማለት እዩ። ኣብ COA ዕዳ ምስ ዝህልወኩም ድማ፡ እቲ ዘይተኸፍለ ዕዳ ምስ’ታ ናይ መጠረስታ ክፍሊት ይጸባጸብ።

ንፍሉይ ኩነታት ዝወሃብ ነገራት

ንናይ ዑቕባ መስርሕካ ወጻኢታት እንተጌርካ፡ ሳሕቲ ነቲ ወጻኢታት መሸፈኒ ገንዘብ ክወሃበካ ይኽእል። ነዞም ንፍሉይ ኩነታት ዝወሃቡ ሓገዛት ኩሉ ግዜ ኣቐዲምካ ናብ ኮዋ (COA) ሕቶኻ ከትቕርብ ኣለካ። ኣቐዲምካ ፍቓድ እንተዘይተዋህበካ ናይቲ ወጻኢታት መሸፈኒ ገንዘብ ኣይወሃበካን።

ምናልባሽ ንፍሉይ ኩነታት ዘውጻእካዮ ክሽፈነልካ ይኽእል ይኸውን፡ ከም አዞም ዝስዕቡ ዝኣመሰሉ፡

• ወጻኢታት ንሕጋዊ ጉዳያት
• ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታት
• ናይ ትምህርቲ ወጻኢታት
• ናይ ሕክምና ወጻኢታት
• ፍልይ ዝበሉ ወጻኢታት ከም ናይ ሞትን ቀብርን ወጻኢታት

ገለ ዘውጻእካዮም ወጻኢታት ብጣዕሚ ትሑት ስለዝኾኑ ንሕና ባዕልኻ ከምትኸፍሎ ጌርና ኢና ንወስዶ። ከም ኣብነት መምዝገቢ ኣብ ክብሪ መዝገብ (መሰረታዊ ምዝገባ ናይ ሰባት) ኣብ ምምሕዳር ዝኽፈል።

ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታት

ኮዋ (COA) ገለ ወጻኢታት ናይ መግዓዝያ ከም “ንፍሉይ ኩነታ ዝኽፈል” ይሽፍነልካ እዩ። ነዞም ወጻኢታት እዚኣቶም ንኽሽፈነልካ ኩሉ ግዜ ኣቐዲምካ ክትሓትት ኣለካ።

ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart)
ኣብ ሆላንድ ብህዝባዊ መጉዓዝያ ንኽትጟዓዝ ናይ ህዝባዊ መጉዓዝያ ቺፕካርድ ( OV-chipkaart) የድልየካ። ንሓደ ግዜ ኮዋ (COA) ሽም ዘይብሉ ናይ ህዝባዊ መጉዓዝያ ቺፕካርድ ( OV-chipkaart) ይህበካ። ኣብዚ ካርድ ኣብቲ መጀመርያ መዕቆቢ ቦታ ዝረኸብካሉ እዋን ንመጉዓዝያ ዝኸውን ውሑድ ገንዘብ ኣለዎ። ምእንቲ ክትጎዓዝ ክትከል ግን ኣብ ግዜኡ ኣብዚ ናይ ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart) ገንዘብ ከትእቱ ኣለካ። እዚ ናትካ ሓላፍነት እዩ። ሰራሕተኛታት ናይ ኮዋ (COA) ከመይ ጌርካ ኣብዚ ናይ ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart) ገንዘብ ከተእቱ ከም ትኽእል ክሕብሩኻ ይኽእሉ።
 
መሕወዪ ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታትካ ከመይ ጌርካ ትሕትት?
መሕወዪ ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታትካ ንምሕታት ኣብ Infobalie ኬድካ ክትገይሽ ከም ምዃንካ ተምልክት። ቆጸራ ከምዘለካ መረጋገጺ ተርኢ። ሽዑ ኮዋ ናይ መሕወዪ መሰል ኣንተኣለካ መዚኑ ወጻኢታት ናይቲ ጉዕዞ ክንደይ ከምዝውድእ ይውስን።

ናይ ምሕዋይ መሰል እንተኣለካ ናይ መጉዓዝያ ቲኬት ወይ ድማ ነቲ ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታትካ መሕወዪ ገንዘብ ይወሃበካ። እዚ መሕወዪ ገንዘብ ኣብ ናትካ ማኒካርድ ይኣቱ - ኣለካ እንተኾነ - ወይ ድማ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብካ። ቅድሚ ሓጺር ግዜ (ገለ መዓልትታት) ቅድሚ ምጋሽካ እቲ ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታት ምሕዋይ እንተሓቲትካ ምናልባሽ እቲ ገንዘብ ጌና ኣብ ሕሳብካ ዘይኣተወ ክኸውይን ይኽእል፡፡ ከምኡ እንተኾነ ስጋብ እቲ ገንዘብ ኣብ ሕሳብካ ዝኣቱ ባዕልኻ ከፊልካዮ ክትጸንሕ ኣለካ።

ንነዊሕ ጉዕዞ ናይ ባቡር ትኬት ወይድማ ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart) ይወሃበካ። እዞም ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart) እዚኣቶም ንሓደ መዓልቲ ዝሰርሑ እዮም። ድሕሪኡ እዚኦም ክትጥቀመሎም ኣይትኽእልን ኢኻ።

ናይ ኣየኖት ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታት መሕወዪ ገንዘብ ይወሃበካ?
• መጉዓዝያ ካብን ናብ ትምህርትን
• መጉዓዝያ ንሕክምናዊ ጉዳያት
• መጉዓዝያ ናብ ካልእ ናይ መዕቆቢ ቦታ ምስትቕየር
• ካብ መዕቆቡ ቦታ ምስትወጽእ
• መጉዓዝያ ንመስርሕ ዑቕባ
• መጉዓዝያ ንናይ ምምላስ ጉዳያት ንምስላጥ ብሓገዝ ናይ ኣህጉራዊ ማሕበር ሚግረሽን (IOM)

ቅድመ-ኩነት ንመሕወዪ ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታት እንታይ እዩ?
• ኮዋ (COA) ካብ 10 ኪሎመተር ንላዕሊ ዝኾነ ጉዕዞ ጥራይ መሕወዪ ይኸፍል
• ኮዋ (COA) ዝህቦ መሕወዪ ገንዘብ እቲ ዝሓሰረ መንገዲ ጉዕዞ እዩ
• ምስቲ ርሕቀት ናይቲ ጉዕዞን ወጻኢታትን ኣብ ግምት ብምእታው መሕወዪ ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታት ወይ ናይ መጉዓዝያ ቲኬት ይወሃበክ
• ጥንስቲ እንተኾንኪ ንናይ ሕክምና ቆጸራ ዘለኪ ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታት መሕወዪ ክወሃበኪ ይከኣል ይኸውን

መሕወዪ ዘይወሃቦ ጉዳያት እንታይ እዩ?
• ናይ ውልቅኻ ጉዕዞታት
• ካብ ህዝባዊ መጉዓዝያ ክትወርድ ኮለኻ ነታ ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart) ኣብታ ማሺን ምልጋብ ስለዝረሳዕካዮ ተወሳኺ ናይ ጉዕዞ ወጻኢታት እንተመጸ
• ናትካ ናይ ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart) እንተጠፍኣካ
• መስኣሊ ንናትካ ናይ ውልቂ ናይ ህዝባዊ ምግዓዝያ ቺፕካርድ (OV-chipkaart)

ናይ ሕክምና ወጻኢታት

ንመብዝሕትኦም ናይ ጥዕና ወጻኢታት ንምሽፋን፡ ብመገዲ ኮዋ ናይ ጥዕና መድሕን ኣለካ። ትካል መድሕን ንሓደ ሓደ ወጻኢታት ኣይሽፍኖምን እዩ። ብዛዕባ’ዚ ሕቶ ምስ ዝህልወካ፡ ናብ መስመር Praktijklijn: 088-112 2 112 ደዉል።

ናብ ሕክምና ክትከይድ ከለኻ (ንኣብነት ሓኪም ስድራ፣ ሓኪም ስኒ፣ ሆስፒታል፣ ቤት-መድሓኒት) ናይ መድሕን ካርድ ምሳኻ ክህሉ ኣለዎ።

COA ናይ መጓዓዝያ መጻኢታት ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክፍሊት እዩ ዝኽሕስ። እቲ ናይ ምጓዓዝያ ወጻኢታት ዝሽፈን፡ እቲ ርሕቀት ካብ 10 ኪሎሜተር ንላዕሊ ምስ ዝኽደውን እዩ። እቲ ሕሙም ኮፍ ኢሉ ክጓዓዝ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ድማ፡ (ማለት ብ ‘ዞርኽ ታክሲ’ ምጓዓዝ)፡ ናብ Praktijklijn ደዉል።

ብመንገዲ ኮዋ፡ ናይ ጥዕና መድሕን ናይ’ቶም ኣብ ትሕቲ Regeling Medische zorg Asielzoekers (RMA) ዘለዉ ናይ ጥዕና ወጻኢታት ኣለካ። ብመድሕን ጥዕና ዘይሽፈኑ ኣድለይቲ ናይ ጥዕና ወጻኢታት ምስ ትግበር፡ ካብ ኮዋ ፋይናስያዊ ድጎማ ክትሓትት ትኽእል። እዚ ግን፡ ቅድሚ ነቲ ወጻኢታት ምግባርካ ክትሓቶ ይግባእ። ነቲ ድጎም ንትምሕታት፡ ካብ ናይ መድሕን ትካል፡ እቶም ወጻኢታት በቲ ዘለካ ናይ ጥዕና መድሕን RMA ከምዘይሽፈኑ ዘረጋግጽ መሰነይታ ወረቐት ከተምጽእ ይግባእ። ኮዋ ድማ፡ ነቲ ዘቕረብካዮ ናይ ድጎማ ሕቶ ይመዝን።
ኮዋ ድጎማ ክህበካ ምዃኑ ገና ከይፈለጥካ እንከለኻ ወጻኢታት ኣይትግበር። ኮዋ ድጎማ ክህበካ ዝኽእል፡ ቅድሚ እቲ ወጻኢታት ምግባሩ ፍቓድ እንተሂቡ ጥራሕ እዩ!

ናይ ትምህርቲ ወጻኢታት

ኣብ ወርሒ ነሓስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ትምህርቲ ናይ ምኻድ ግቡእ ዘለዎ ህጻን ናይ ቤት ትምህርቲ ናውቲ መግዝኢ ዝኸውን መሕወዪ ክወሃበካ እዩ። እዚ ንኣብነት፡ ንምግዛእ ብርዒ፡ ደብተርን ናይ ቡአት ትምህርቲ ቦርሳን ይውዕል።  ናይ ቤት ትምህርቲ ክፍሊት፡ ባዕልኻ ክትከፍሎ ዘድሊ ኣይኮነን። ነዚ ዝምልከት፡ COA ምስ’ቲ ቤት ትምህርቲ ዝኣተዎ ስምምዕ ኣሎ።
መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ህጻናት (ቅድሚ ዕለት 1 ነሓሰ ናይ’ታ ዓመተ ትምህርቲ ኮንጋ ዝተባህሉ) ካብ ኮዋ፡ ንናውቲ ትምህርቲ ተባሂሉ መሕወዪ ኣይወሃቡን እዮም። ወለዲ ናይ’ዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተማሃሮ፡ ነቲ ወጻኢታት ብፍሉይ ብዝወሃብ ድጎማ ክኸፍልዎ ይኽእሉ። ንዛያዳ ሓበሬታ፡ ነቲ ን “ኪንደር ባይስላኽ” ን “ኪንደር ኸቦንደን ቡጀት” ዝምልከት ሓበሬታ ተወከስ።

ወጻኢታት መመዝገቢ ክብሪ መዝገብ

ወጻኢታት መመዝገቢ ክብሪ መዝገብ (BRP) ን ንመስኣሊ ተውጽኦ ወጻኢታትን ብጣዕሚ ትሑት ስለዝኾነ ባዕልኻ ክትከፍሎ ትኽእል። ኮዋ COA እዞም መሕወዪ ናይ ዞም ወጻኢታት ኣይከፍልን እዩ። ገለ ምምሕዳራት ንናይ መጀመርታ መመዝገቢ ገንዘብ ኣይኽፍላን እየን። ብዛዕባዚ ናብ Infobalie ናይ COA ኬድካ ሕተት።


Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1260
2022.06.28 - Tigrinya