Centraal Orgaan opvang asielzoekers
Published on Centraal Orgaan opvang asielzoekers (https://www.mycoa.nl)
2022.06.28 - Tigrinya - "Gezondheidszorg"

ቀንዲ ገጽ > ክንክን ሕክምና ንዑቕባ ሓተቲ

ብዛዕባ ጥዕናኹም ዝምልከት ሓበሬታት

ናይ GZA ሰራሕተኛታት ናትኩም ናይ ጥዕና ሓበሬታት ኣብ ናይ ውልቃዊ ሓኪምኩም መዝገብ ኣብ ኮምፑተር የእትውዎም እዮም። ብኸም’ዚ ድማ ንሶም ንዓኹም ብዝበለጸ ክሕግዝኹም ይኽእሉ። ንናትኩም ውልቃዊ ሓበሬታት ኣቶም ኣብ ናይ ከዋ ቦታኹም ዘለዉ ናይ GZA  ሰራሕተኛታት ጥራሕ እዮም ክርእይዎም ዝፍቀድ። እቶም ናይ Praktijklijn ሰራሕተኛታት እውን ንናትኩም ውልቃዊ ሓበሬታት ክርእዩዎም ይኽእሉ እዮም። እንተደኣ GZA ንዓኹም ናብ ፍሉይ ኪኢላ ሓኪም ናብ ሆስፒታል ኣማሓላሊፎሙኹም፣ እምበኣር ነቲ ሓኪም ነቶም ውልቃዊ ሓበሬታት ናትኩም ይልእኽሉ። GZA ውልቃዊ ሓበሬታት ናትኩም ን COA ወይ ድማ IND ከርእይዎም ኣይፍቀድን እዩ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ንስኹም ምስተፍቅዱ ጥራሕ እዩ።

ቅበላ ክንክን ጥዕና ኣብ ፈለማ

ኣብ ካልኤቲ መዓልቲ ናብ መዓስከር ድሕሪ ምምጻእኩም፡ ምስ ትካል ኼ ዜት ኣ GZA ናይ ፈለማ ናይ ሕክምና ዝርርብ ከተካይዱ ኢኹም። ብዛዕባ ንጥዕናን ንትወስድዎ መድሃኒታትን ዝምልክቱ ሕቶታት ዝሓቖፈ ዝርዝር ክወሃበኩም እዩ። ሓሓሊፉ ድማ፡ ምስ ነርስ ዝርርብ ከተካይዱ ትኽእሉ። ብመሰረት እቲ ተካይድዎ ናይ ፈለማ ናይ ሕክምና ዝርርብ፡ እቲ ዘድልየኩም ናይ ሕክምና ሓገዝ ብእዋኑ ትረኽቡ ማለት እዩ። ነቲ ንጥዕናኹም ዝምልከት ሕቶታት ዝሃብክምዎ መልሲ፡ ኣብ ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ዝኾነ ይኹን ጽልዋ የብሉን። ንስኹም ኣብ ኔዘርላንድ ካብ ትምዝገቡ ካብ ክልተ ኣዋርሕ ዝውሕድ ጌርኩም ስለዘለኹም ንዓኹም ዘድሊ ሕክምና ንኽግበረልኩም መሰል ኣለኩም። ሓኪም ድማ እቶም ክጸንሑ ዘይብሎም ንዓኹም ክግበሩልኩም ዘለዎም ሕክምናታት ኣየኖት ምዃኖም ክግምግም እዩ። ኣብ'ዚ እቲ ኣብ RMA ዝተመዝገብክምሉ ዕለት ወሳኒ እዩ ዝኸውን።

ዓባይ ሳዓል (ቲቢ መመመዪ)

ዓባይ ሳዓል (tbc) ሓደገኛ ዝኾነ ኣብ ካሎት ክለብዕ ዝኽእል ናይ ሳንቡእ ሕማም እዩ። እንተ ካብ ሓንቲ ሃገር ብዙሕ ዓባይ ሳዓል ዘለዋ መጺኩም፣ ናይ tbc መርመራ ትገብሩ። እዚ ግዴታ ኢዩ። ናይ ሕክምና ኣባል ሳንቡ እኩም ክሰእሎ እዩ። ድሕሪ ቀዳማይ መመመዪ ን ክልተ ዓመት ኣኣብ ፍርቂ ዓመት መጸዋዕታ ን ዝሰዕብ መመመዪ ን tbc ክመጻኩም እዩ። እንተ tbc ኣለኩም መድሃኒት ይወሃበኩም።

ሕክምና ሓልዮት

ኣብ ነዘርላንድ ሓደ ሰብ እንተ ሓሚሙ ናብ ሓኪም ስድራ ይኸይድ። እንተላይ ንሕቶታት ብዛዕባ ጥዕና ናብ ሓኪም ስድራ ይኸዱ። ሓኪም ስድራ ኣድላይ እንተኾይኑ  ናብ ሆስፒታል የመሓላልፍ። እንተደኣ ንስኹም ኣብ ኔዘርላንድ ካብ ትምዝገቡ ካብ ክልተ ኣዋርሕ ዝውሕድ ኮይንኩም ጌርኩም ዘድሊ ሕክምና ንኽግበረልኩም መሰል ኣለኩም። ሓኪም ድማ እቶም ክጸንሑ ዘይብሎም ንዓኹም ክግበሩልኩም ዘለዎም ሕክምናታት ኣየኖት ምዃኖም ክግምግም እዩ። ኣብ'ዚ እቲ ኣብ RMA ዝተመዝገብክምሉ ዕለት ወሳኒ እዩ ዝኸውን።

እንተ ሓሚምኩም ብዘይ ቆጸራ ናብ GezondheidsZorg Asielzoekers (GZA) ኣብ ዘለኹሞ መዓስከር ትኸዱ።

እንተ  GZA ተዓጽዩ እቲ ዘለኩም ናይ ጥዕና ሕቶ ክሳብ እቲ ዝስዕብ ብዘይ ቆጸራ ሰዓታት ክትስበዩ ዘይኪልኩም ኣብ Praktijklijn: 088 112 2 112 ደዉሉ።

ብ መገዲ COA ንመብዛሕቱ ናይ ጥዕና ወጻኢን መድሓኒትን መድሕን ኣለኩም።
ከቢድ ቃንዛ ወይ ናይ ምሕያኽ ጸገም ኣለካ? ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት፡ ኣብ መንጎ ሰዓት 8.30 ክሳብ ሰዓት 17.00 ዘሎ ግዜ፡ ምስ ሓኪም ስኒ ቆጸራ ንምግባር፡ ናብ መሰመር ሓኪም ስኒ (Tandartslijn) ብቑጽሪ ስልኪ 088 112 2 132 ደውል።

Links extern

  • GZA [1]
    http://www.gzasielzoekers.nl

ብዘይ ቆጸራ ሳዓታትን GZA ዝኽፈተሉ እዋን

እንተ ሓሚምኩም ብዘይ ቆጸራ ሰዓታት ኣብቲ ዘለኹሞ መዓስከር ናብ GezondheidsZorg Asielzoekers (GZA) ትኸዱ። እቲ ሰዓታት ናይ ብዘይ ቆጸራ ኣብ ትሕቲ ዝኽፈተሉ ሰዓታት ዝብል ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ትረኽብዎ። ከምኡ'ዉን GZA ኣበይ ከምዝርከብን ሰዓታት ናይ ምብጻህ ብዘይ ቆጸራ ንሓደ ሰራሕተኛ ናይ COA ክትውከሱ ይከኣል።

ኣብ GZA ዝተፈላለዩ ኣብላት ናይ ጥዕና ይሰርሑ። ኩሉ ጊዜ ብቀዳምነት ብተሓጋጋዛይ ኢኹም ትሕገዙ (ተሓጋጋዛይ ሓኺም)። ንሱ ወይ ንሳ ኩጊዜ ሓደ ሓደ ሕቶታት ይሓትኹም። ኣገዳሲ'ዩ እቲ ሕቶታት ብዝተኻእለ ቅኑዕ ምምላስ፣መታን እቲ ሓኺም ክሕግዘኩም። እቲ ተሓጋጋዚ ሓኺም እንተ ኣድላይ ኮይኑ ክሕብረኹም እዩ ምስ ነርስ ዊን ሓኺም ስድራ ቆጸራ ክትገብሩ። ሓደ ሓደ ጊዜ ንሱ ባዕሉ ይሕግዘኩም።

እንተ GZA ተዓጽዩ እቲ ዘለኩም ናይ ጥዕና ሕቶ ክሳብ እቲ ዝስዕብ ብዘይ ቆጸራ ሰዓታት ክትስበዩ ዘይኪልኩም ኣብ Praktijklijn: 088 112 2 112 ደዉሉ።     
ከቢድ ቃንዛ ወይ ናይ ምሕያኽ ጸገም ኣለካ? ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት፡ ኣብ መንጎ ሰዓት 8.30 ክሳብ ሰዓት 17.00 ዘሎ ግዜ፡ ምስ ሓኪም ስኒ ቆጸራ ንምግባር፡ ናብ መሰመር ሓኪም ስኒ (Tandartslijn) ብቑጽሪ ስልኪ 088 112 2 132 ደውል።

Links extern

  • GZA [1]
    http://www.gzasielzoekers.nl

Praktijklijn

ኣብ Praktijklijn GezondheidsZorg Asielzoekers (GZA) ሓካይም ስድራን ተሓጋገዝትን ይሰርሑ። Praktijklijn ኣብ ሞንጎ  ሰዓት 8.30ን ሰዓት 17.00 ኣብ  088 - 112 2 112 ደዉሉ ን:

•ሕቶ ብዛዕባ ጥዕና እንተ ክሳብ ዝሰዕብ ቆጸራ ብዘይ ሳዓት ክትጽበዩ ዘይከኣል ኮይኑ
•ቆጸራ ምግባር ምስ GezondheidsZorg Asielzoekers (GZA)
•ቆጸራ ምግባር ምስ ካልእ ተሕጋጋዛይ ጥዕና፣ ከም ሓኺም ስኒ ዊን ሆስፒታል
•ሕቶ ንፍቃድ (zorgtaxi) ምሕታት ብመገዲ Praktijklijn እንተ GZAኣብ ቦታኹም ዕጹው ኮይኑ።
•ን ሕክምና ቆጸራ (zorgtaxi) ምድላው  እንተ ኩነታት ጥ እናኹም ዝገድድ ኾይኑ (ነዚ ካብ GZA ፍቃቅድ የድልየኩም)

እንተ ናይ ጥዕና ረድዴት ኣድሊኩም ክሳብ ዝሰዕብ ቆሰራ ብዘይ ሰዓት ክትጽበዩ ዘይክኢልኩም፣ ናብ Praktijklijn ክትድዉሉ ትኸሉ። ቆጸሮ ንምሓዝ ቀትሪ ኣብ ሞንጎ ስዓት 8.30 - 17.00 ጥራህ ደዉሉ።                                                                                                                                                

ከቢድ ቃንዛ ወይ ናይ ምሕያኽ ጸገም ኣለካ? ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት፡ ኣብ መንጎ ሰዓት 8.30 ክሳብ ሰዓት 17.00 ዘሎ ግዜ፡ ምስ ሓኪም ስኒ ቆጸራ ንምግባር፡ ናብ መሰመር ሓኪም ስኒ (Tandartslijn) ብቑጽሪ ስልኪ 088 112 2 132 ደውል።

Links extern

  • GZA [1]
    http://www.gzasielzoekers.nl

ሆስፒታልን ፈዋሲ በዓል ሞያ

እንተ ግድን ናብ ሆስፒታል ክትከዱ ኣለኩም ወይ ሓገዝ ናይ ሕክምና ስፐሻሊስት ደሊኹም፣ኩሉ ጊዜ ኣቀዲምኩም ናብ  GezondheidsZorg Asielzoekers (GZA) ኽትከዱ ኣለኩም። ናይ ሕክምና ስፐሻሊስት ሓደ ሓኪም ዕሙቅ ዝበለ ኣፍልጦ ዘለዎ ኣብ ዝተወሰነ ዛዕባ ከም ልብን ሳንቡእን እዩ።

መወከሲ ደብዳቤ
ናብ ሆስፒታል ምኻድ ድዩ ዘድልየኩም ወይ ናብ ስፐሻሊስት ወሳናይ እቲ ሓኪም ናይ GZA  እዩ። እንተ ኣድላይ ኮይኑ ረኺብዎ መወከሲ ደብዳቤ ይህበኩም (verwijsbrief)። ኣብ ነዘርላንድ ብዘይ መወከሲ ደብዳቤ ንሆስፒታል ናብ ስፐሻሊስት ምኻድ ኣይካኣልን። ቆጸራ ምስ ስፐሻሊስት ንምግባር ናይ ምጽባይ ተኸሎ ኣሎ።

ክፍሊ ህጹጽ ረዴት
ህጹጽ ረዴት (spoedeisende hulp SEH) ፉሉይ ክእለት ዘለዎ ናይ ሓደ ሆስፒታል ክፍሊ ንምሒር ሕክምና ኣድህቦ እዩ። ብ ኢደ ወነናኹም ናብ ህጹጽ ረዴት ክትከዱ ኣይከኣልን። ኣብዚ ክትከዱ ንኣብነት ሓደጋ ወሪድኩም እንተ ኣምቡላንሳ ተደዊሉ እዩ። GZA ዉን ናብ ህጹጽ ረዴት ክሰደኩም ይኸል።ህጹስ ለዴት ዘድልየኩም እዋን ን  Praktijklijn ደዉሉ:  088-112 2 112.

Links extern

  • GZA [1]
    http://www.gzasielzoekers.nl

ሓኪም ስኒ

ቃንዛ ስኒ ዊን ኩርምቲ ኣለኩም? ኣብ መዓልታት ስራሕ፡ ካብ ሳዓት 8.30 - 17.00 ኣብ Tandartslijn: 088 112 2 132 ደዉሉ ንቆሰራ ምስ ሓኪም ስኒ ክትገብሩ። ተሓጋጋዛይ ናይ Tandartslijn ብዛዕባ ቃንዛኩም ከዛርበኩም እዩ፣ እንተ ኣድላይ ኮይኑ ኣብ ሓኺም ስኒ ቖጸራ ይገብረልኩም። ካብ ናይ Tandartslijn ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻ ኢ ህጹጽ ሓገዝ ሓኪም ስኒ ምስ ትደልዩ፡  ናብ Praktijklijn ክትድውሉ ትኽእሉ። ሕክምና ስኒ ዝግበረልኩም ኣብ እዋን ከቢድ  ጸገም ምሕያኽን ቃንዛን ጥራሕ እዩ።

ቀዳማይ ረዲኤት

እንተ ሓደጋ ኣጓኒፉ ኩሉ ጊዜ ኣብቲ ዘለኹሞ ኣብ receptie ሓብሩ። ኩሎም ሰራሕተኛ ናይ COA ን ተቀበልቲ ኣጋይሽን ኣብ እዋን ሓደጋ ረዴት ከበርክቱ ተማሂሮም እዮም። እቲ ዝልግስዎ ሓገዝ ቅድሚ ፖሊስ፣ ኣምቡላንሳኣ ዊን መጥፋእቲ ሓዊ ምምጽኦም ኣገዳሲ ኢዩ።

ንሂወት ኣስጋኢ ዝኾነ ህጽጽ ኩነት እቲ ዘይክፈሎ alarmnummer 112 ደዉሉ። እንተ እንግሊዝ ዊን ነዘርላንድ ዘይትዛረቡ ኮንኩም፣ ንዝኾነ ኩነት ብቕጽበት ኣብ መቀበል ኣጋይሽ ሓብሩ። 112 ክድዉልልኩም እዮም።

ናይ መንእሰያት ማእከል ጥዕና

ቀጻሊ መርመራ ን ቆልዑት
እቲ Jeugdgezondheidszorg (JGZ) ጥዕናን ምዕባለ ናይ ቆልዑ ካብ 4 ዓመት ክሳብ 18 ዓመት ይከታተል። ንቆልዑ ክሳብ 4 ዓመት ሰራሕተኛ ናይ JGZ ምሳኹምን ምስቆልዕትኩምን ቀጻሊ ርክብ ኣለዎም። ቆልዓኩም ከመይ ከምዘሎ ይርእዩ። ነዚ መርመራ ካብ ትካል ክኢላ ምኽሪ ዕድመ ይመጻኩም። 

ቆልዓኹም ካብ 4 ዓመት ክሳብ 18 ዓመት ሓደ ቁሩብ እዋን  ብ JGZ ክምርመር እዩ። ነዚ ዕድመ ይለኣኸልኩም።

ክታበት ቆለኡ
ኣብ ነዘርላንድ ናይ መንእሰያት ማከል ጥዕና  ብናይ Gemeentelijke Gezondheidsdienst (GGD) ዊን ናይ መንሰያት ጥዕና ድርጂት። ናይ ቆልዑት ክታበት እውን ይኣልዩ። ኣብ ነዘላንድ ቆልዑት ካብ ሓደገኛ   ሕማማት ከም ጽግዕ፣ ንፍዮን ፖልዮ ንምክልካል ይኽተቡ (መድሓኒት ምዉጋእ)። ነዚ ድመ ክመጻኩም እዩ።

Links extern

  • GZA [2]
    http://www.gzasielzoekers.nl/

Vaccinaties

ከም ንቡር፡ ኩሎም ህጻናት፡ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ሕማማት ይኽተቡ እዮም። ንኽታበት ዝምልከቱ ሕቶታት ምስ ዝህልውኹም፡ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ትካል GGD (Gemeentelijke Gezondheidsdienst) ክትውከሱ ትኽእሉ። ትካል GGD ብተወሳኺ፡ ናይ Jeugdgezondheidszorg (JGZ) ናይ’ቲ ንስኻ ትነብረሉ ዘለኻ ናይ COA መዓስከር ሓላፍነት ይስከም። ሰራሕተኛታት ናይ COA ን ናይ GZA፡ ብኸመይ ኣገባብ ምስ ትካል GGD ክትራኸብ ክምትኽእል ክሕብሩኻ እዮም።

ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ

እንተደኣ ከቢድ ነገር ኣጓኒፍኩም ይፈልጥ ኮይኑ፣ እዚ ጸገም ክፈጥረልኩም ይክእል እዩ። ንኣብነት ቃንዛ ርእሲ፣ ድቃስ ዊን ኣድሕቦ ጸገም።

ን ኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ጸገማት ናብ GezondheidsZorg Asielzoekers (GZA)) ትኸዱ። ኣብዚ ቦታ ሓደ ኣማኻሪ ናይ de POH-GGZ  ኣሎ ጸገምኩም ክሕግዘኩም ዝኸል። GGZ ምሕጻረ-ቃል ናይ ማከል ጥዕና ዑቅባ ሓተቲ እዩ። de POH-GGZ ምስ ሓኺም ስድራን ነርስን ተዛንዩ ይሰርሕ። de POH-GGZ ናይ ዘረባ ሰኣታት ኣብ GZA ኣለዎ።

ኣእምሮኣዊ ክንክን ጥዕና ብዛዕባ እዩ:

•ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማማት ምዉጋድ፣ ምፍዋስን ምክልኻልኝ
•ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ብዝተኻለ መገዲ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ከምዝሳተፉ
•ሓገዝ ምልጋስ ን ኣእምሮኦም ዝሰሃቱ ዊን ወልፊ ዘለዎም

ንዘለካ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ምእንታን ክትጻወሮ ክትክእል ብጉጅለታት ዝወሃብ ትምህርቲ እውን ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ትምህርቲ BAMBOO ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ትምህርቲ ኣብ ትወስድዎ እዋን ብኻልኦት ሰባት እውን ሓገዝ ይግበረልኩም እዩ። እዚ ትምህርቲ በብጉጅለ ን 5 ግዜ ዝወሃብ ኮይኑ ነፍስ-ወከፍ ትምህርቲ ድማ 2 ሰዓታት ይወስድ። እቲ ትምህርቲ ብ ናይ GZA POH-GGZ እዩ ዝወሃብ። እዚ ትምህርቲ ክወሃብ እንከሎ ተርጓማይ እውን ክመጽእ እዩ።

ኣብዚ 3 ዝተፈላለዩ ናይ BAMBOO programma [3](መደባት) ተዳልዮም ኣለዉ፥
•BAMBOO Adults ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ንዝዕድሚኦም ዓበይቲ
•BAMBOO Youth ካብ 12 ክሳብ 17 ዓመት ንዝዕድሚኦም መንእሰያት
•BAMBOO Kids ካብ 6 ክሳብ 11 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት
ኣብ’ዚ መደብ ትምህርቲ ንምስታፍ ናብ ንክፍሊ ሓበሬታ (Infobalie) ከምኡ ድማ GZA ብምኻድ ክትሕብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ድማ ናብ’ዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት መርበብ ብምጥዋቕ፥  direct online [4]ከመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ንምስታፍኩም ብዝምልከት መጀመርታ ምስ COA ወይ ድማ GZA ክትዘራረቡ እውን ትኽእሉ ኢኹም።

Links extern

  • GZA [1]
    http://www.gzasielzoekers.nl

ናይ ሕክምና ቆጸራ ምትግባር

ኩሉ ጊዜ ናብ ንይ ጥዕና ቆጸራ ክትከዱ ፈትኑ። እንተ ናብ ሓኪም ምኻድ ዘይትኽሉ ኮንኩም ፣ ናይ  Praktijklijn ደዊልኩም ሓኪም ዊን ነርስ ከመጻኩም ዝከኣል ኮይኑ ሕተቱ።

ኣብ ምስ ሓጋዚ ጥዕና ቆጽራ ዘለኩም እዋን ኣገዳሲ እዩ ኣብ ስዓትኩም ክትርከቡ። እንተ ደንጒኹም ተኽሎ ኣሎ እቲ ሓጋዚ ጥዕና ከይሕግዘኩም።

እንተ ኣፍልጦ ዘይብልኩም ከመይ ገርኩም ናብ ሓኪም ዊን ሆስፒታል ብኣኡቶቡስ ዊን ባቡር ከም ትጉዓዙ፣ ንሰራሕተኛ ናይ  COA ኽትሓቱ ትኽእሉ። ጉዕዞኹም ብማኸላይ ኮምፑተር OV-planner 9292 ክትምድብዎ ይከኣል።

እንተ ብኣድላይ ጉዳይ ናብ ቆጸራኹም ክትመጹ ዘይኪልኩም (ዊን ቃንዛኣ ኣቋሪጹ) ነቲ ቆጸራ ዘለኩም ሓኪም ሓብሩ። ናብPraktijklijn ደዉሉ ንሓዲሽ ቆጸራ።እንተ zorgtaxi ተዳሊልኩም እዚ እውን ኣብ ግዚኡ ሰርዝዎ። ነዚ ብዝምልከት ናብ  Praktijklijn (ካብ ምምራጽ  3 ምርጫ) ደዊልኩም ሓገዝ ሕተቱ.
ናይ ሓኪም ስኒ ቆጸራኹም ንምስራዝ ወይ ንምቕይራ፡ ናብ Tandartslijn ደውሉ።
እንተ ኣብ ቆጸራኹም ዘይተረኺብኩም እዚ ዕዳ የምጽእ

Links extern

  • OV-planner 9292 [5]
    http://www.ov9292.nl

መድሓኒታት

ኣብ ነዘርላንድ ኩሉ መድሃኒት ገዛእ ርስኻክ ትገዞ ኣይከኣልን። ንመብዛሕቱ መድሓኒት ናይ ሓኺም ምስኸር ወረኽት ኽህልወኻ ኣለዎ። ን ኣብነት ሓደ ሰራሕተኛ ናይ GZA እዚ ምስከር ወረቀት ን ዘድልየኩም መድሓኒት ክህበኩም ይኽእል። ብ መድሕን ጥዕና ካርድ ገርኩም መድሓኒት ካብ እንዳ-መድሓኒት ትወስዱ። መድሓኒትን ሓበሬታ ኣጠቃቅማ መድሓኒትን ትቅበሉ።

ሓደ ሓደ መድሓኒት፣ ከም ፓራሴታሞልን ናይ ኣፍንጫ ዝንጸግ፣ ብገዛ ረስኹም ክትገዙ ይከኣል። ኣብ ቤት-መድሓኒት ዊን ግሮሰሪ ዊን ሱፐርማርኬት። እዚኦም zelfzorgmiddelen ንብሎ። እዚኦም zelfzorgmiddelen ካብ GZA ናይ ሓኪም መረጋገጺ ወረቀት ኣየድልን። ኣብ መሻርፍ ዘይትረኽብሉ ቦታ ኣለኹም? እንተ ባዕልኻ ምኽንኻን  ነገራት ኣድልይኩም ኣብ መቀበል ኣጋይሽ ሕተቱ ወይ ንሓደ ሰራሕተኛ ናይ GZA ኣበይ ከምትረኽቡ።

ናይ COA-ሰራሕተኛ እቲ ቤት-መድሓኒት፣ ግሮሰሪን ሱፐርማርኬትን ኣበይ ከምዝኾነ ክሕብርኹም ይኸሉ።

መድሓኒትኩም ተወዲኡ፣ ገና ሕማምኩም ኣይሓወየን? እቲ ሰታሪት ናይ መድሓኒትኩም ሒዝኩም ናብ ናብ GZ A ኣብ ሰዓታት ብዘይቆጸራ ኪዱ። ተሓጋገዝይ ሓኪም ምሳኹም ይመያየጥ እንተ እቲ መሓኒት ክትቅጽልዎ ኣለኩም።

ናይ ሕክምና ወጻኢታት

ንመብዝሕትኦም ናይ ጥዕና ወጻኢታት ንምሽፋን፡ ብመገዲ ኮዋ ናይ ጥዕና መድሕን ኣለካ። ትካል መድሕን ንሓደ ሓደ ወጻኢታት ኣይሽፍኖምን እዩ። ብዛዕባ’ዚ ሕቶ ምስ ዝህልወካ፡ ናብ መስመር Praktijklijn: 088-112 2 112 ደዉል።

ናብ ሕክምና ክትከይድ ከለኻ (ንኣብነት ሓኪም ስድራ፣ ሓኪም ስኒ፣ ሆስፒታል፣ ቤት-መድሓኒት) ናይ መድሕን ካርድ ምሳኻ ክህሉ ኣለዎ።

COA ናይ መጓዓዝያ መጻኢታት ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክፍሊት እዩ ዝኽሕስ። እቲ ናይ ምጓዓዝያ ወጻኢታት ዝሽፈን፡ እቲ ርሕቀት ካብ 10 ኪሎሜተር ንላዕሊ ምስ ዝኽደውን እዩ። እቲ ሕሙም ኮፍ ኢሉ ክጓዓዝ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ድማ፡ (ማለት ብ ‘ዞርኽ ታክሲ’ ምጓዓዝ)፡ ናብ Praktijklijn ደዉል።

ብመንገዲ ኮዋ፡ ናይ ጥዕና መድሕን ናይ’ቶም ኣብ ትሕቲ Regeling Medische zorg Asielzoekers (RMA) ዘለዉ ናይ ጥዕና ወጻኢታት ኣለካ። ብመድሕን ጥዕና ዘይሽፈኑ ኣድለይቲ ናይ ጥዕና ወጻኢታት ምስ ትግበር፡ ካብ ኮዋ ፋይናስያዊ ድጎማ ክትሓትት ትኽእል። እዚ ግን፡ ቅድሚ ነቲ ወጻኢታት ምግባርካ ክትሓቶ ይግባእ። ነቲ ድጎም ንትምሕታት፡ ካብ ናይ መድሕን ትካል፡ እቶም ወጻኢታት በቲ ዘለካ ናይ ጥዕና መድሕን RMA ከምዘይሽፈኑ ዘረጋግጽ መሰነይታ ወረቐት ከተምጽእ ይግባእ። ኮዋ ድማ፡ ነቲ ዘቕረብካዮ ናይ ድጎማ ሕቶ ይመዝን።
ኮዋ ድጎማ ክህበካ ምዃኑ ገና ከይፈለጥካ እንከለኻ ወጻኢታት ኣይትግበር። ኮዋ ድጎማ ክህበካ ዝኽእል፡ ቅድሚ እቲ ወጻኢታት ምግባሩ ፍቓድ እንተሂቡ ጥራሕ እዩ!

መድሕን ጥዕና ካርድ

ን ሕክምና ዘውጻኩሞ ወጻኢ ክምለሰኩም መድሕን ጥዕና ካርድ የድልየኩም። ናይ ፈለማ ናይ ሕክምና ዝርርብ ምስ ኣካየድኩም፡ ናይ ውልቅኹም ናይ ኮዋ ቁጽሪ ዘለዎ ካብ GZA ናይ መድሕን ካርድ ክወሃበኩም እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናብ Praktijklijn/Tandartslijn ኣብ ትድውልሉ እዋን ኮነ ናብ GZA ሓኪም ስኒ፡ ሆስፒታልን ካልኦት ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ኣብ ትገብርዎ ምብጻሕ፡ እዛ ካርድን መንነት ወረቐትኩን የድልየኩም እዩ።   

ጉዕዞ ናብ ሓብሓቢ

ንሕክምና ናብ ሓብሓቢ ምኻድ የድልየኩም?መርጫ ኣለኩም ብኣጋር፣ ብሽግለታ ዊን ብ ህዝባዊ መጓዓዚ ክትከዱ። ሓገዝ እንተደሊኹም፣ መስ ናይ COA-ሰራሕተኛ ተራኸቡ።

ምብጻሕ ናብ ሓብሓቢ ልዕሊ 10 ኪሎሜተር ኮይኑ፣ ንመሕወዪ ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታት ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ናብ ሓብሓቢ ብገዛእ ርእስኹም ክትከዱ ኣይትኽእሉን? ምስ GezondheidsZorg Asielzoekers (GZA) ተራኸቡ.  GZA እንተ ናብ ሓብሓቢ ምኻድ (zorgtaxi) ኣድላይ ኾይኑ ይዉስን።  GZA  ነዚ ሕክምና ረቋሒታት ይጥቀም። እዚ ንኩሎም ተቀማጦ ዝምልከት እዩ።

Links extern

  • GZA [1]
    http://www.gzasielzoekers.nl

ታክሲ

እንተ ብምኽንያት ሕኽምና ናብ ሓብሓቢ ብገዛእ ርእስኹም ክትከዱ ዘይኪሉም፣ ምስ GezondheidsZorg Asielzoekers (GZA)  ተራኸቡ። GZA እንተ ናብ ሓብሓቢ ምኻድ ታክሲ ኣድላይ ኾይኑ ይዉስን።  GZA  ነዚ ሕክምና ረቋሂታት ይጥቀም። እዚ ንኩሎም ተቀማጦ ዝምልከት እዩ።

እቲ ዝሓሸ ብእንግሊዝ ዊን ነዘርላንድስ ምስPraktijklijn ክትረዳዱ እንተኪሊኩም እዩ። ካል ሰብ እንግሊዝ ዊን ነደርላንድስ ዝዛረብ ክድውለኩም ይከኣል።እንተ ዝተኣዝዘዝት ታክሲ ዘይተድሊ ኮይና፣ ብ   Praktijklijn: 088 112 2 112 ኣቢልኩም ሓብሩ።ስለዚ እታ ታክሲ ንዘየድልይ ኣይትመጽን።

ህጹጽ
ን ህጹጽ ሕኽምናን ኣብ እዋን ምሸት፣ለይቲ፣ ቀዳመ ሰንበት ብኸመይ መገዲ ኣብ ሓብሓቢ ከም ትበጽሑ ብ  Praktijklijn ይዉሰን።

መረጋገጺ ጐዕእዞ ብታክሲ
እንተ GZA ታክሲ ኣድላይ ኮይኑ ረኺብዎ፣ ካብ COA ritbevestiging ተምጹ። እዚ መብዛሕቱ ኣብ receptie እዩ። ኣብዛ ritbevestiging ሰዓት ክንደይ ከትወስደኩም ከምትመጽእ ተንብቡ። እዛ ሰነድ ናይ ሓብሓቢኩም ተማልእዋ ምስ ናይ zorgpas። በቲ ዳታ ኣብ ሰንድ ሰፊሩ ዘሎ ሓብሓቢኹም ታክሲ ክጠልበልኩም ይኽእል ናብ ናይ COA-ቦታ ክትምለሱ።ብገዛእ ርእሲ ናብ ትካል ታክሲ ምድዋል ኣይፍቀድን።

ምጽባይ ጊዜ
ታክሲ ካብ receptie ክትወስደኩም ትመጽእ (ኣንተ ካብ ካልእክ ትወስደኩም ዘይተዋዓዒልኩም)ታክሲ ካብ ዝተቋጸርኩሞ ጊዜ ቁሩብ ክትቅድም ዉን ክትዱንግይ ትኽእል። ተጠንቀቁ 15 ደቂቅ ኣቀዲምኩም ኣብቲ መቀበል ኣጋይሽ ከምትርከቡ። እንተ ታክሲ ኣብ ቆጸራኹም ዘይመጸት ብዉሑዱ 15 ደቂቅ ተጸበዩ። ምምላስ፡ ኣብ ሓደ ሓደ ክፋል ናይ ነዘርላንድ ነዊህ ጊዜ ክወስድ ይከኣል ታክሲ ናብ ቦታ ሓብሓቢኹም ክትወስደኩም ክትበጽሕ  ናብ COA-መዓስከር ክትመልሰኩም። እዚ ሓደ ሓደ ጊዜ  ሳዓት ይወስድ።

ዝያዳ መሳንይቲ?
ታክሲ ንዉልቁኩም ትእዘዝ። ሓደ ተሓጋጋዚ ዊን ቆልዓ ክትማልኡ ይከኣል። እዚ ኣቀዲምኩም ን GZA ሓብሩ። ሰራሕተጣኛ ናይ  GZA ነቲ ዘዋራይ ክንደይ ተሳፈርቲ ከምዝማላእ ይሕብሮ።

ጥንሲ

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ግዜ ጥንሲ ብ መሕረስቲ (verloskundige) ሓገዛት ይግበረልካ። ድሕሪ ምሕራስካ’ውን ናይ ሕርሲ ክንክን ይግበረልካ። ሽግራት እንተጋጢሞም ጥራሕ ኢኻ ናብ ሓኪም ስነ-ሕርሲ (gynaecoloog) ትመሓላለፍ።
እንተደኣ ጠኒስክን ብዝቐልጠፈ ን COA ኽትሕብራን ምስ መሕረስቲ ብቑልጡፍ ቆጸራ ክትገብራን ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ሽዑ እዘን ምሕረስቲ ናይ ጥንሲ መረጋገጺ (zwangerschapsverklaring) ይህባኽን። ጥዕናኽንን ጥዕና ናይ’ቲ ህጻን ድማ ጽቡቕ ክትትል ይግበረሉ።
እንተ ደኣ zwangerschapsverklaring ኣለክን ነቲ ህጻን ዝኸውን ዝተፈላለየ ኣቑሕት ክትልቀሓ ትኽእላን/ወይ ድማ ድጎማ ክወሃበክን ክትሓታ ትኽእላ ኢኽን። ብተወሳኺ ቅድሚ 6 ሰሙን ቅድሚ ምሕራስክንን 6 ሰሙን ድሕሪ ምሕራስክንን ካብ ናይ ምምልካት ግዴታ (ፌርማ) ነጻ ክትኮና ክትሓታ ትኽእላ ኢኽን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ጥዕና

COA ኣወዳድባ ክንክን ኣብ መዓስከር ከመይ እዩ የብርሃልኩም። ነዚ ዕድመ ከትቅበሉ ኢኹም።

ናይ Gemeentelijke Gezondheidsdienst (GGD) ኣብ ስፍራታት ናይ COA ኣኼባ ብዛዕባ ጥዕና የዳሉ። እዚ ሓበሬታ ጥዕና ዘለዎ ሂወት ዝሓሸ ምርጫ ከትመርጹ ይሕግዘኩም። ነዚ ዝምልከት ዕድመ ካብ  COA ዊን ካብ GGD ክመጻኩም እዩ። ኣብዚ ን ኣብነት ብዛዕባ ትምሃሩ፣ 
•ዉድብ ኣገልግሎት ጥዕና ነዘርላንድስ
•ነብስኻ ምእላይ
•ሓገዝ ኣብ ቆልዕኡት ምእራም
•ጥዕና ዘለዎ ምግቢ
•ምንቅስቃስ
•ጾታዊ ጥዕና

ኣብዚ ናይ ሓበሬታ ኣኼባ ሓደ ትርጁማን ኣሎ። 

"ናይ ኮዋ ናይ ሓበሬታ ንቑጣ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓስከር ኮዋ፡ ናይ ኮው ናይ ሓበሬታ ነቑጣ ‘COA-Zorginformatiepunt’ ይርከብ። ኣብ’ዚ፡ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ ኣብ’ዚ መዓስከርን ዝምልክተ ናይ ሓበሬታ ጽሑፍ ክትረኽቡ ትኽእሉ። 

"ናይ ሕክምና ቴሌፎናት

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓስከር፡ ብሕት ኢኩም ናብ Praktijklijn ክትድውሉ ዝሕግዛ፡ ክልተ ተንቀሳቐስቲ ቴሌፎናትን ሓንቲ ናይ ገዛ ቴሌፎንን ኣብ ሪሰፕሽን ተድላየን ኣለዋ።

"ተርጎምቲ

ብቑዕ ቋንቋ ኔዘርላንድ ወይ ኢንግሊዘኛ ዘይትዛረብ ምስ ትኸውን፡ ምስ ወሃብቲ ክንክን ጥዕና ኣብ ተካይዶ ዝርርብ፡ ናይ ቴሌፎን ተግሯሚ ክትጥቀም ትኽእል። ከም’ዚ ክግበረልካ፡ ኣብ’ቲ ግዜ ዝርርብ ክትሓትት ትኽእል። 


Dit document is afkomstig van https://www.mycoa.nl, zie https://www.mycoa.nl/ti/print/infosheetprint/1256

Links
[1] http://www.gzasielzoekers.nl
[2] http://www.gzasielzoekers.nl/
[3] http://www.gzasielzoekers.nl/en/iamasylumseeker/bamboo
[4] http://www.gzasielzoekers.nl/en/iamasylumseeker/bamboo/trainingoverview?page7583=1&size7583=12
[5] http://www.ov9292.nl

2022.06.28 - Tigrinya