እንተደኣ ከቢድ ነገር ኣጓኒፍኩም ይፈልጥ ኮይኑ፣ እዚ ጸገም ክፈጥረልኩም ይክእል እዩ። ንኣብነት ቃንዛ ርእሲ፣ ድቃስ ዊን ኣድሕቦ ጸገም።
ን ኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ጸገማት ናብ GezondheidsZorg Asielzoekers (GZA)) ትኸዱ። ኣብዚ ቦታ ሓደ ኣማኻሪ ናይ de POH-GGZ ኣሎ ጸገምኩም ክሕግዘኩም ዝኸል። GGZ ምሕጻረ-ቃል ናይ ማከል ጥዕና ዑቅባ ሓተቲ እዩ። de POH-GGZ ምስ ሓኺም ስድራን ነርስን ተዛንዩ ይሰርሕ። de POH-GGZ ናይ ዘረባ ሰኣታት ኣብ GZA ኣለዎ።
ኣእምሮኣዊ ክንክን ጥዕና ብዛዕባ እዩ:
•ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማማት ምዉጋድ፣ ምፍዋስን ምክልኻልኝ
•ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ብዝተኻለ መገዲ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ከምዝሳተፉ
•ሓገዝ ምልጋስ ን ኣእምሮኦም ዝሰሃቱ ዊን ወልፊ ዘለዎም
ንዘለካ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ምእንታን ክትጻወሮ ክትክእል ብጉጅለታት ዝወሃብ ትምህርቲ እውን ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ትምህርቲ BAMBOO ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ትምህርቲ ኣብ ትወስድዎ እዋን ብኻልኦት ሰባት እውን ሓገዝ ይግበረልኩም እዩ። እዚ ትምህርቲ በብጉጅለ ን 5 ግዜ ዝወሃብ ኮይኑ ነፍስ-ወከፍ ትምህርቲ ድማ 2 ሰዓታት ይወስድ። እቲ ትምህርቲ ብ ናይ GZA POH-GGZ እዩ ዝወሃብ። እዚ ትምህርቲ ክወሃብ እንከሎ ተርጓማይ እውን ክመጽእ እዩ።
ኣብዚ 3 ዝተፈላለዩ ናይ BAMBOO programma (መደባት) ተዳልዮም ኣለዉ፥
•BAMBOO Adults ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ንዝዕድሚኦም ዓበይቲ
•BAMBOO Youth ካብ 12 ክሳብ 17 ዓመት ንዝዕድሚኦም መንእሰያት
•BAMBOO Kids ካብ 6 ክሳብ 11 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት
ኣብ’ዚ መደብ ትምህርቲ ንምስታፍ ናብ ንክፍሊ ሓበሬታ (Infobalie) ከምኡ ድማ GZA ብምኻድ ክትሕብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ድማ ናብ’ዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት መርበብ ብምጥዋቕ፥ direct online ከመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ንምስታፍኩም ብዝምልከት መጀመርታ ምስ COA ወይ ድማ GZA ክትዘራረቡ እውን ትኽእሉ ኢኹም።