Temporary location (CNO)


እንኳዕ ብደሓን መጻእኩም!

ኣብ ኔዘርላንድ ንምርካብ ዕቚባ ንኸተመልክቱ ትደዩ ኢኹም። ካብ ማእከል ምዝገባ ተር-ኣፐል [Ter Apel] ድማ ናብዚ መቐበሊ ቦታ ከም እትመጽኡ ተገይሩ ኣሎ። እቶም ስሩዓት መዕቆቢ ቦታታት ናይ ኮዋ [COA] መሊኦም ስለ ዘለዉ፣ ሕጂ ኣብ ሓደ ናይ ህጹጽ እዋን መዕቆቢ ቦታ (CNO) ናይ ምምሕዳር ከተም ትቕመጡ ኣለኹም።

ናይ ህጹጽ እዋን መዕቆቢ ቦታ (CNO) ካብቲ ስሩዕ ናይ ስደኛታት መዕቆቢ ቦታ ዝወሓደ መሳለጥያታት ዘለዎ መዕቆቢ እዩ።

ንኣብነት ኣብዚ ምስ ሓያሎ ሰባት ኣብ ሓደ ክፍሊ እትድቅሱ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ እውን ኩሎም መሳለጥያታት ከም ንቡር ዘለዉ ኣይኮኑን (ከም በዓል ትምህርቲ ዝኣመሰሉ)። ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ስሩዕ መመዕቆቢ ቦታ ንኽንወስደኩም ድማ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና።

ክሳብ ሽዕኡ ብትዕግስቲ ክትጽበዩና ብትሕትና ንሓትት። እዚ ንዓኹም ከቢድ ምዃኑ ድማ ንርዳእ ኢና።

ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ ብዙሕ ሓበሬታ ክትረኽቡ ኢኹም። ነቶም ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር ዝምልከቱ ቪድዮታት እውን ርኣይዎ

ኣብ ታሕቲ ድማ ንነበርቲ ናይ ህጹጽ እዋን መዕቆቢ ቦታ (CNO) ከም ዘለዎም እንፈልጦም ሕቶታት ብዝምልከት ብርክት ዝበሉ መልሲታት ክትረኽቡ ኢኹም። ሕቶኹም ኣብኡ ኣይተዘርዘረን ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናብ Infobalie (ሰደቓ ሓበሬታ)፣ ወይ ድማ ናብ ሓደ ሰራሕተኛ ናይቲ መዕቆቢ ቦታ ተወከሱ።