ትምህርቲ ኣብ ኔዘርላንድ


ናይ ኔዘርላንድ ዲፕሎምን እኹል ኣፍልጦ ናይ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምስ ዝህልወካ፡ ምሳኻ ዝሳነ ስራሕ ንምርካብ ይቐለልካ። ቋንቋ ኔዘርላንድኻ ከተማሓይሽ ትደሊ ወይ ድማ ቅድሚ ስራሕ ምጅማርካ ትምህርቲ ክትወስድ ትደሊ? ኣብ ሃገርካ ተማሂርካ ኔርካ እሞ እቲ ዘለካ ዲፕሎም ናብ ናይ ኔዘርላንድ ደረጃ ከተቐይሮ ደሊኻ ኣለኻ? ወይስ ብቐሊሉ ስራሕ ንርምካብ ናይ ኔዘርላንድ ዲፕሎም ክትወስድ ድሌት ኣለካ? ስዒቡ፡ ብዛዕባ ትምህርቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዝምልከት ዝበለ ኩሉ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።  

ቋንቋ ኔዘርላንድ ምምሃርን ኢንበርኸሪን ምክትታልን

መንበሪ ፍቓድ ስለዘለካ፡ ኢንበርኸሪን ክትገብር ግቡእ ኣለካ። እዚ ማለት፡ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትምሃር፡ ኣብ ኔዘርላንድ ንምስራሕ ክትቀራረብ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ማሕበረሰብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ክትፈልጥ ግቡእ ኣለካ ማለት እዩ። ትምህርቲ ትክተታትልን ፈተና ድማ ትወስድን።

ናይ ሞያ ትምህርቲ

ኣብ ኔዘርላንድ፡ ናይ ሞያ ትምህርቲ ብዝተፈላለየ ደረጃ ክትከታተል ትኽእል። ናብ ማእከላይ ደረጃ ናይ ሞያ ትምህርቲ (ኤም ቤ ኦ) (mbo (middelbaar beroepsonderwijs)) ወይ ድማ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ሞያ ትምህርቲ (ሃ ቤ ኦ) (hbo (hoger beroepsonderwijs)) ክትከይድ ትኽእል። ናይ “ሃ ቤ ኦ” ትምህርቲ፡ ካብ ናይ “ኤም ቤ ኦ” ትምህርቲ ዝያዳ ክለሰ-ሓሳባዊ እዩ።  ብዛዕባ ኣብ “ሃ ቤ ኦ” ትምህርቲ ምክትታል ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ዓውዲ 'hoger onderwijs' ክትረክብ ትኽእል።

ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ (ዩኒቨርሲቲ ወይ ልዑል ናይ ሞያ ትምህርቲ (ሃ ቤ ኦ))

ኣብ ሃገርካ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ቀሲምካ ኔርካ ወይ ድማ ንኽትመሃር ዘድሊ መቀራራቢ ጌርካ ኔርካ? ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክትመሃር ድሌት ኣለካ? ኣብ ከም’ዚ ኩነታት፡ ኣፍልጦኻ ኣብ ናይ ኔዘርላንድ ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ሞያ ትምህርቲ (ሃ ቤ ኦ) ወይ ድማ ዩኒቨርስቲ ከተዕሙቕ ትኽእል። ናይ ሃ ቤ ኦ ትምህርቲ ካብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ዝያዳ ኣብ ተግባር ዘተኮረ እዩ።  

ሕግታትን ክፍሊታትን

ትምህርቲ፡ ገንዘብ ይሓትት እዩ። ንሱ ግን፡ ኩሉ ሳዕ ባዕልኻ ክትከፍሎ ዘድሊ ኣይኮነን። ኣብ ምኽፋል ናይ ትምህርቲ ወጻኢታት ዝተሓጋገዛ ዝተፈላለያ ትካላት ኣለዋ።  ኣብ’ዚ ስዒቡ ዝመጽእ ገጽ፡ ብዛዕባ ንዓኻ ክምልከቱ ዝኽእሉ ዕድላትን ሕግታትን ዝያዳ ሓበሪታ ተዳልዩልካ ኣሎ።