ናይ ኔዘርላንድ ዲፕሎምን እኹል ኣፍልጦ ናይ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምስ ዝህልወካ፡ ምሳኻ ዝሳነ ስራሕ ንምርካብ ይቐለልካ። ቋንቋ ኔዘርላንድኻ ከተማሓይሽ ትደሊ ወይ ድማ ቅድሚ ስራሕ ምጅማርካ ትምህርቲ ክትወስድ ትደሊ? ኣብ ሃገርካ ተማሂርካ ኔርካ እሞ እቲ ዘለካ ዲፕሎም ናብ ናይ ኔዘርላንድ ደረጃ ከተቐይሮ ደሊኻ ኣለኻ? ወይስ ብቐሊሉ ስራሕ ንርምካብ ናይ ኔዘርላንድ ዲፕሎም ክትወስድ ድሌት ኣለካ? ስዒቡ፡ ብዛዕባ ትምህርቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዝምልከት ዝበለ ኩሉ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።