ቋንቋ ኔዘርላንድ ምምሃርን ኢንበርኸሪን ምክትታልን


መንበሪ ፍቓድ ስለዘለካ፡ ኢንበርኸሪን ክትገብር ግቡእ ኣለካ። እዚ ማለት፡ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትምሃር፡ ኣብ ኔዘርላንድ ንምስራሕ ክትቀራረብ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ማሕበረሰብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ክትፈልጥ ግቡእ ኣለካ ማለት እዩ። ትምህርቲ ትክተታትልን ፈተና ድማ ትወስድን።

ምግባር ኢንበርኸሪን ግቡእ እዩ። ክሳብ ኣየናይ ደረጃ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ከምትደሊ ግን ባዕልኻ ትመርጽ። እቲ ዝተሓተ ደረጃ ናይ ኢንበርኸሪን ኣብ ኔዘርላንድ፡ ደረጃ “ኣ ትቬ” (A2) እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ትምህርቲ ክትቅጽል ምስ ትደሊ ግን፡ ነቲ ደሊኻዮ ዘለኻ ዓውደ-ትምህርቲ ዝበቅዕ ደረጃ ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣብ ግምት ክትእቱ ኣለካ። ኣብ ከምኡ ኩነታት፡ ነቲ ናይ “ስታትስ ኤክዛመን ፕሮግራማ” (Staatsexamens-programma) ክትመርጽን ከምኡ’ውን ደረጃ ቋንቋኻ ኣብ “ቤ ኤን (B1 (Staatsexamen NT2-I)) ወይ ድማ ደረጃ “ቤ ትቬ” (B2 (Staatsexamen NT2-II)) ምስ በጽሐ ፈተና ክትገብርን ዝሓሸ ይኸውን።  

ስዒቡ፡ ብዛዕባ ምግባር ኢንበርኸሪንን ምምሃር ቋንቋ ኔዘርላንድን ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ተዳልዩ ኣሎ።

ኣገዳሲ ሓበሬታ

ቅድሚ ናይ ኢንበርኸሪን ትምህርቲ ምጅማርካ፡ ከተሳልጦም ዘለካ ገለ ጉዳያት ኣለዉ። ስዒቡ፡ ብዛዕባ’ዚ ሓበሬታ ተዳልዩ ኣሎ።  

ተወሳኺ ሓገዝ ኣብ ምምሃር ቋንቋ ኔዘርላንድ

ኣሰልጣኒ ቋንቋ (ታል ኮች) ወይ ድማ ዓርኪ ቋንቋ (ታል ማቸ)፡ ሆላንዳዊ ወለንተኛ ኮይኑ፡ ምስኡ ብምዃን ቀጻሊ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምዝራብ ትለማመድ። እዚ፡ ክልቴኹም ወይ ድማ ምስ ጉጅለ ትገብርዎ። ብኸም’ዚ ኣገባብ፡ ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዝሓሸ ኣገባብ ምዝራብን ባህሊ ኔዘርላንድ ትምሃር።