verblijfsvergunning Asiel (ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ) እንተ ተዋሂቡኩም inburgeringsplichtig (ምስ ሕብረተሰብ ናይ ምውህሃድ ግዴታ) ኣለኩም። እዚ ማለት ድማ ኣብ ነዘርላንድ ብኸመይ ከም እንነብርን ከም እንሰርሕን ክትመሃሩ ኣለኩም ማለት ኢዩ። ቋንቋ ነዘርላንድስ ምምሃር እውን ኣካል ናይ’ቲ inburgeren (ምውህሃድ) ኢዩ። ነዚ ብዝምልከት መብዛሕትኡ ግዜ መርመራ ክትገብሩ እውን ኣለኩም።
ካብ 1 ጥሪ 2022 ኣትሒዙ ሓድሽ ሕጊ ማለት Wet inburgering 2021 ዝብል ወጺኡ ኣሎ። እዚ ሕጊ እዚ ግን ንዅሉ ሰብ ዝምልከት ኣይኰነን። ምእንታን እንታይ ክትገብሩ ከም ዘለኩም ክትፈልጡ ኣየናይ ሕጊ ኸም ዝምልከተኩም ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
እንተድኣ ናይ inburgeren መስርሕ ከተካይዱ ኣለኩም ኾይኑ ካብ Dienst Uitvoering Onderwijs (ኣገልግሎት ትግበራ ትምህርቲ) ዝተላእከ ደብዳበ ክመጸኩም እዩ። ኣብ’ታ ደብዳበ ኣበየናይ ዕለት ክትጅምሩ ከም ዘለኩም ክግለጸልኩም እዩ። እታ ደብዳበ ምሳኹም እንተዘየላ ነቲ inburgeren መዓስ ከም ትጅምርዎ ንምፍላጥ ኣብ Mijn Inburgering ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም።