ናይ ኢንቡርኸሪንግ ግዴታ


verblijfsvergunning Asiel (ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ) እንተ ተዋሂቡኩም inburgeringsplichtig (ምስ ሕብረተሰብ ናይ ምውህሃድ ግዴታ) ኣለኩም። እዚ ማለት ድማ ኣብ ነዘርላንድ ብኸመይ ከም እንነብርን ከም እንሰርሕን ክትመሃሩ ኣለኩም ማለት ኢዩ። ቋንቋ ነዘርላንድስ ምምሃር እውን ኣካል ናይ’ቲ inburgeren (ምውህሃድ) ኢዩ። ነዚ ብዝምልከት መብዛሕትኡ ግዜ መርመራ ክትገብሩ እውን ኣለኩም።

ካብ 1 ጥሪ 2022 ኣትሒዙ ሓድሽ ሕጊ ማለት Wet inburgering 2021 ዝብል ወጺኡ ኣሎ። እዚ ሕጊ እዚ ግን ንዅሉ ሰብ ዝምልከት ኣይኰነን። ምእንታን እንታይ ክትገብሩ ከም ዘለኩም ክትፈልጡ ኣየናይ ሕጊ ኸም ዝምልከተኩም ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

እንተድኣ ናይ inburgeren መስርሕ ከተካይዱ ኣለኩም ኾይኑ ካብ Dienst Uitvoering Onderwijs (ኣገልግሎት ትግበራ ትምህርቲ) ዝተላእከ ደብዳበ ክመጸኩም እዩ። ኣብ’ታ ደብዳበ ኣበየናይ ዕለት ክትጅምሩ ከም ዘለኩም ክግለጸልኩም እዩ። እታ ደብዳበ ምሳኹም እንተዘየላ ነቲ inburgeren መዓስ ከም ትጅምርዎ ንምፍላጥ ኣብ Mijn Inburgering ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም።

ድሕሪ 1 ጥሪ 2022 ዓ. ም. ክጅምር ኣሎኒ

Plakkenእቲ inburgeren ትጅምርሉ ዕለት 1 ጥሪ 2022 ወይ ድሕሪኡ እንተደኣ ኾይኑ ናይ’ቲ ትቕመጥሉ ምምሕዳር ከተማ ቓለ መጠይቕ ንኽትገብሩ ዕድመ ክልእኹልኩም እዮም። ድሮ እንታይ ትፈልጡ ከም ዘለኹም ንምፍላጥ እውን ፈተና ኽትወስዱ ኣለኩም። እዚ Leerbaarheidstoets (LBT) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብዛዕባ’ቲ ፈተና ብዝምልከት ምምሕዳር ከተማ ምሳኹም ቘጸራ ክገብሩ እዮም። ንሕና ነቲ ትገብርዎ ቓለ-መጠይቕን ፈተናን brede intake ኢልና ኢና ንጽውዖ። ብድሕሪ brede intake ንስኹም ምስ ምምሕዳር ከተማ ብሓባር ብምዃን ናይ ውልቅኹም መደብ ከተዳልዉ ኢኹም። እዚ persoonlijk plan inburgering en participatie (PIP) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ’ዚ መደብ እዚ inburgeren ንኽትገብሩ ኣንታይ ክትገብሩ ከም ዘለኩም ይግለጽ እዩ። መርመራ ኽትገብሩ ዘለኩም እንተ ዀይኑን እንታይ ዓይነት መመራ ከም ትገብሩን እውን ይግለጽ እዩ።

ናይ ዑቝባ ፍቓድ ቅድሚ 1 ጥሪ 2022 ዓ. ም. እዩ ተዋሂቡኒ

እንተደኣ ነቲ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ትምህርቲ  ካብ 1 ጥሪ 2013 ክሳዕ 1 ጥሪ 2022 ኣብ ዘሎ እዋን ኮይንኩም ጀሚርክሞ ናይ ግድን ናይ inburgeringsexamen (ናይ ኢንቡርኸሪንግ መርመራ) ኽትወስዱ ኣለኩም። ነቲ ፈተና ባዕልኹም ብምጽናዕ ክትዳለውሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኰይኑ ግና ናብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ እውን ክትመሃርዎ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ነቲ ናይ ኢቡርኸሪንግ ትምህርትን ባዕልኹም ኢኹም ከተሳልጥዎን ከተካይድዎን ዘለኩም። እንተደኣ ነቲ ትምህርትን ፈተናን ዝኸውን እኹል ገንዘብ ዘይብልኩም ኮይንኩም ካብ DUO ገንዘብ ክትልቅሑ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ብኸመይ ከም ዝሳለጥን ከም ዝካየድን ንምፍላጥ ኣብ inburgeren.nl ኸተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።

መብዛሕትኡ ግዜ ናይ inburgeren ትምህርቲ ንምውዳእ 3 ዓመት ግዜ ይወሃበኩም እዩ። እዚ እዋን እዚ inburgeringstermijn ተባሂሉ ይጽዋዕ ።

መርመራታት

መርመራታት

ኣብ እዋን inburgeringsexamen (ናይ ኢንቡርኸሪንግ መርመራ) እኹል ቋንቋ ነዘርላንድስ ክትዛረቡ፣ ከተንብቡ፣ ክትጽሕፉን ክትርድኡን ከም እትኽእሉ ከተርእዩ ኣለኩም። ብዛዕባ ሕብረተሰብ ነዘርላንድ ኸኣ እኹል ፍልጠት ከም ዘለኩም ከተርእዩ ኣለኩም። DUO  ነቲ እተወሰነ ኽፋል ናይ inburgering ብሓባር ምሳኻትኩም ብምዃን ከሳልጥዎ እዮም። ንኣብነት ነቶም መርመራታት ኣብ DUO ኢኹም ትገብርዎም፣ ብዛዕባ ኢንቡርኸረን ብዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኹም ኣብ ናይ DUO ወብ ሳይት ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ኮዋ (COA) ንኢንቡርኸሪንግ ብዝምልከት ዝግበር ምድላው

ነቲ ዕቝባ ንምርካብ ዘቕረብክሞ ሕቶ ብዝምልከት እንተደኣ ኣወንታዊ ዝኾነ ውሳነ ተዋሂብኩም ብኡንብኡ ኣብ ኮዋ መድብ Voorinburgering (ንኢንቡርኸርኒግ ዝግበር ምድላው) ክትጅምሩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብዚ ትሳተፉ ብፍታውኩም እዩ ትኸፍልዎ ገንዘብ ድማ የለን ብነጻ እዩ። እንተኾነ ግና COA ኣብ ኵሉ ኽፍላት ናይ’ቲ መደብ ክትሳተፍን ብንጥፈት ድማ ክትሳተፍን ትጽቢት ይገብሩልኩም እዮም። እቲ casemanager ናትኩም ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ መደብ እዚ ትገብርዎ ተሳትፎ ብዝምልከት ንኽትመያየጡ ዕድመ ከቐርበልኩም እዩ።

መደብ Voorinburgering ነዞም ዝስዕቡ ክፋላት ዝሓቘፈ ኢዩ ፥

• ናይ ቛንቋ ነዘርላንድስ ትምህርቲ (Nt2)

• ብዛዕባ ማሕበረሰብ ነዘርላንድ ንምፍላጥ ዝወሃብ ትምህርቲ (KNM)