- ናይ ፈለማ ምዝገባ፥ ናብ ተር ኣፐል መጺእኩም ኣለኹም። ሓደ ሰራሕተኛ ናይ IND መንነትኩም፣ ዜግነትኩምን ካበይ ከም ዝመጻእኩምን ክሓተኩም እዩ። እቲ ሰራሕተኛ ስእሊ ክስእለኩም እዩ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ነዘርላንድ ዑቕባ ሓቲትኩም እንተ ኾይንኩም ድማ ክቆጻጸር እዩ። ኣቲ ሰራሕተኛ ናይ IND ነዞም ዝስዕቡ ሓበሬታት ኣብቲ ናይ ሓበሬታት ስርዓት ከስፍሮም እዩ፣ እዚኦም ኸኣ ስም፣ ዜግነት፣ ዕለት ልደት፣ መበቈል ሃገር፣ ብሓባር ዝጓዓዙ ኣባላት ስድራ ቤትን ከምኡ ድማ ቋንቋን እዮም። ቁጽሪ ዘለዎ ደብዳበን ኣብ ግንቦ ኢድ ዝእሰር ነገርን ክወሃበኩም እዩ። እቲ ኣብ ኢድ ዝእሰር ነገርን ደብዳበን ነቲ ስዒቡ ዝህልወኩም ቘጸራታት ከድልየኩም እዩ።
2. ቈጸራ ምስ ፖሊስ፥ ናይ ፈለማ ምዝገባ ድሕሪ ምምዝጋብኩም ኣብ ተር ኣፐል ወይ ኣብ ቡደል ምስ ዘለዉ ፖሊስ ቈጸራ ኣለኩም። እዚ ኣበይን መዓስን ምዃኑ ኣብቲ ኣብ ተር ኣፐል ዝህሉ ጻዕቒ ስራሕ ኢዩ ዝምርኰስ። ብተወሳኺ ድማ ናብኡ ዝበጻሕክምሉ እዋን ወሳኒ እዩ። ኣብዚ 3 ኣማራጺታት ኣለዉ፥
- ኣብታ ናይ ፈለማ ምዝገባ ዝተመዝገብኩምላ መዓልቲ ናብቲ ኣብ ተር ኣፐል ዝርከብ እንዳ ፖሊስ ትኸዱ።
- ንጽብሒቱ ናብቲ ኣብ ተር ኣፐል ዝርከብ እንዳ ፖሊስ ትኸዱ። ፈለማ ናብ ናይ ለይቲ መዕቈቢ ቦታ ኽትውሰዱ ኢኹም። ኣብታ ደብዳበኹም ዕለትን ግዜን ቈጸራኹም ዝሕብር ማሕተም ክሕተመልኩም እዩ።
- ንጽብሒቱ ናብ ኣብ ቡደል ዝርከብ እንዳ ፖሊስ ብኣውቶቡስ ክትውሰዱ ኢኹም። ፈለማ ናብቲ ኣብ ተር ኣፐል ዚርከብ ናይ ለይቲ መዕቈቢ ቦታ ክትከዱ ኢኹም።
3. መንነት ምርግጋጽን ምዝገባን፥ ነቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ኣብ ተር ኣፐል ወይ ኣብ ቡደል ኣብ ዝርከብ እንዳ ፖሊስ ክትፍርምሉ ኢኹም። እቶም ፖሊስ መንነትኩምን ካበይ ከም ዝመጻእኩምን እውን ይርእዩ እዮም። ፖሊስ ኣሰር ኣጻብዕኩም ወሲዶም ስእሊ ክስእሉኹም እዮም። ናይ ስደተኛታት ቝጽሪ (V-nummer) ኣውን ክወሃበኩም እዩ።
4. መዕቆቢ ቦታ፥ ምስ ፖሊስ ዝነበረኩም ቈጸራ ምስ ተኻየደ ናብ ማእከላይ መዕቖቢ ቦታ (col) ክትውሰዱ ኢኹም። ኣብዚ ቦታ እዚ ብዛዕባ ጥዕናኹም ወይ ብዛዕባ ምርመራ ዓባይ ሰዓል ብዝምልከት ክትዘራረቡ ኢኹም። እንተደኣ ኣብቲ ማእከላይ መዕቖቢ ቦታ እኹል ቦታ ዘየለ ኾይኑ ናብ ካልእ ማእከላይ መዕቖቢ ቦታ ክትውሰዱ ኢኹም። እዚ ቦታ እዚ ኣበይ ምዃኑ ኣቐዲምካ ኣይፍለጥን እዩ። መብዛሕትኡ ቦታታት መሊኡ ስለ ዘሎ እቲ ትኸድዎ ቦታ ግዝያዊ ናይ ህጹጽ ኵነታት መዕቈቢ ቦታ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ናይ ወተሃደራት ካምፖ፣ ድንኳናት፣ ጃልባታት፣ ሆቴላት ወይ ናይ በዓላት ኣዳራሻት ክኸውን ይኽእል እዩ።
5. ምስ IND ዝግበር ቓለ-መጠይቕ፥ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ብ IND ቓለ-መጠይቕ ክግበረልኩም እዩ።
ነቲ ናይ መጀመርታ ወይ ዝቕጽል ስጉምቲ ብዝምልከት መዓስ ክትመጽኡ ትጽቢት ከም ዝግበረልኩም ዝሕብር መልእኽቲ ክትቕበሉ ኢኹም። ኣይክትርስዑን ኢኹም። ናብ Ter Apel ወይ Budel ክትመጹ ዕድመ ምስተቐበልኩም፣ እቲ መዕቆቢ ቦታኹም ናብኡ መጓዓዝያ ከዳልወኩም እዩ። ነዚ ባዕልኹም ክትከፍልዎ ኣየድልየኩምን እዩ።
ብናይ ባዕልኹም ተበግሶ - ብዘይ ዕድመ- ናብ Budel ወይ Ter Apel ምኻድ ትርጉም የብሉን!