ናይ ዝተማሃርካ መረጋገጺ ወረቐት (ዲፕሎም) ኣለካ እሞ ነዚ ናብ ንዜርላንድ ተማሊእካዮ ኣለኻ? ኣብ ከም’ዚ ኩነታት፡ ምስ ትካል ማእከል ሓበሬታ ሚዛን ዲፕሎማ (ኢ ዴ ቬ) (Informatiecentrum Diplomawaardering IDW) ርክብ ግበር። ትካል “ኢ ዴ ቬ” ድማ፡ ነቲ ዘምጸኻዮ ዲፕሎም ሚዛን ክህበሉ እዩ። ዘለካ ዲፕሎማ ብመሰረት ስርዓተ-ትምህርቲ ሃገረ ኔዘርላንድ ዘለዎ ሚዛን እንተፈሊጥካ፡ ዝሳነ ትምህርቲ ኣብ ምምራጽ ክቐለልካ እዩ።
መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ዕለት 1 ጥሪ 2015 ዲኻ ወሲድካ? ከምኡ ምስ ዝኸውን፡ ዘለካ ዲፕሎማ ብዘይ ክፍሊት ብናጻ ከተምዝን ትኽእል። ዲፕሎማ ዘይተማላእካ እንተኾንካ ድማ፡ ንትካል “ኢ ዴ ቬ”፡ ኣመት ናይ ዘለካ ደረጃ ትምህርቲ ክህበካ ክትሓትት ትኽእል። ዝይዳ ሐበሬታን እቲ ናይ መሕተቲ ቕጥዕን ኣብ’ዚ መርበብ ገጽ ክትረኽቦ ትኽእል www.idw.nl (externe link)።