ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ (ዩኒቨርሲቲ ወይ ልዑል ናይ ሞያ ትምህርቲ (ሃ ቤ ኦ))


ኣብ ሃገርካ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ቀሲምካ ኔርካ ወይ ድማ ንኽትመሃር ዘድሊ መቀራራቢ ጌርካ ኔርካ? ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክትመሃር ድሌት ኣለካ? ኣብ ከም’ዚ ኩነታት፡ ኣፍልጦኻ ኣብ ናይ ኔዘርላንድ ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ሞያ ትምህርቲ (ሃ ቤ ኦ) ወይ ድማ ዩኒቨርስቲ ከተዕሙቕ ትኽእል። ናይ ሃ ቤ ኦ ትምህርቲ ካብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ዝያዳ ኣብ ተግባር ዘተኮረ እዩ።  

ኣብ ሃገርካ ትምህርቲ ዝጠረስካ እንተኾንካ፡ ብደረጃኻ ንምስራሕ፡ ሓሓሊፉ እንደገና ኣብ ኔዘርላንድ ከምብሓድሽ ክትመሃር ትግደድ። ኣብ ገለ ገለ ሞያታት፡ ክትሰርሕ ዝፍቀደካ ሰፊሕ ገምጋም ምስ ተገብረልካን ተወሳኺ ትምህርትን ምስ ትወስድ ጥራሕ እዩ።

ስዒቡ፡ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ምውሳድ ዝያዳ ሓበሬታ ተዳልዩ ኣሎ።

ምልላይ (ሚዛን) ሰርቲፊኬታት

ናይ ዝተማሃርካ መረጋገጺ ወረቐት (ዲፕሎም) ኣለካ እሞ ነዚ ናብ ንዜርላንድ ተማሊእካዮ ኣለኻ? ኣብ ከም’ዚ ኩነታት፡ ምስ ትካል ማእከል ሓበሬታ ሚዛን ዲፕሎማ (ኢ ዴ ቬ) (Informatiecentrum Diplomawaardering IDW) ርክብ ግበር። ትካል “ኢ ዴ ቬ” ድማ፡ ነቲ ዘምጸኻዮ ዲፕሎም ሚዛን ክህበሉ እዩ። ዘለካ ዲፕሎማ ብመሰረት ስርዓተ-ትምህርቲ ሃገረ ኔዘርላንድ ዘለዎ ሚዛን እንተፈሊጥካ፡ ዝሳነ ትምህርቲ ኣብ ምምራጽ ክቐለልካ እዩ። 

መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ዕለት 1 ጥሪ 2015 ዲኻ ወሲድካ? ከምኡ ምስ ዝኸውን፡ ዘለካ ዲፕሎማ ብዘይ ክፍሊት ብናጻ ከተምዝን ትኽእል። ዲፕሎማ ዘይተማላእካ እንተኾንካ ድማ፡ ንትካል “ኢ ዴ ቬ”፡ ኣመት ናይ ዘለካ ደረጃ ትምህርቲ ክህበካ ክትሓትት ትኽእል። ዝይዳ ሐበሬታን እቲ ናይ መሕተቲ ቕጥዕን ኣብ’ዚ መርበብ ገጽ ክትረኽቦ ትኽእል www.idw.nl (externe link)

UAF መሰረት ናይ ስደኛታት ተመሃሮ

ትካል “ኡ ኣ ኤፍ”፡ ንልዑል ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ስደተኛታት ዝሕግዝን ዝኣልን ዘይሻራዊ ማሕበር እዩ። ትካል “ኡ ኣ ኤፍ”፡ ንስደተኛታት ብዛዕባ ምርጫ ዓውደ-ትምህርቲ ምኽሪ ይልግስን ኣብ ምቅርራብ ትምህርትን ኣብ ግዜ ትምህርትን ድማ ይኣሊ። ትካል “ኡ ኣ ኤፍ”፡ ንትምህርቲ ዝምልከቱ ነግራት ገንዘባዊ ሓገዝ የበርክት (ናይ ቤት-ትምህርቲ ክፍሊት፡ ናይ ቋንቋ ስልጠናታት፡ መጽሓፍቲ፡ ኮምፒተርን ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታትን)። ገለ ክፋል ናይ’ቲ ትካል “ኡ ኣ ኤፍ” ዝህቦ ምወላ ህያብ ክኸውን ከሎ ገለ ክፋል ድማ ልቓሕ ኮይኑ እቲ ዝግበር ምእላይ ምስ ኣብቅዐ ዝምለስ እዩ። ብተወሳኺ፡ ትካል “ኡ ኣ ኤፍ”፡ ንስደተኛታት ኣብ ምድላይ ስራሕ ይኣሊ። ካብ ትካል “ኡ ኣ ኤፍ” ምእላይን ናይ ገንዘብ ሓገዝን ክትሓትት ደሊኻ? ኣብ’ዚ መርበብ ገጽ ብምእታው፡ ናይ “ኡ ኣ ኤፍ” ሓገዝ ይምልከተካ እንተኾይኑ ተወከስ(externe link)

ምድላዋት ንኽትማሃር፣ መሳጋገሪ ዓመት

ናይ ላዕለዋይ ደረጀ ትምህርቲ ክትከታተል መደብ ኔሩካ ከብቅዕ ብሰንኪ ስደት ማትሪክ ከይገበርካ መጺእካ? ኣብ ከም’ዚ ኩነታት ቀጥታ ናብ ናይ ኔዘርላንድ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ናይ መሰጋገሪ ዓመት ብምውሳድ ግን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ንምእታው ክትቀራረብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ’ቲ ናይ መሰጋገሪ ዓመት፡ ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዘሓሸ ኣገባብ ትመሃርን ነቲ “ስታትስ ኤክዛመን ኤን ቴ 2-11” (Staatsexamen NT2-II) ዝበሃል ናይ ቋንቋ ፈተና ድማ ምቅርራብ ትገብረሉ። ብተወሳኺ፡ ምስ ኣብ መጻኢ ክትወስዶ ሓሲብካ ዘለኻ ዓውደ-ትምህርቲ ዝሳነዩ ገለ ገለ ዓይነት-ትምህርቲ ትወስድ። ናይ ኣመሃህራ ክእለት ተጽንዕን ምስ ስርዓተ-ትምህርቲ ኔዘርላንድ ድማ ትላለ። 

ነቲ ናይ መሰጋገሪ ዓመት ብዓወት ምስ ትዛዝሞ፡ ኣብ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክትኣቱ ትኽእል። ዋላ’ውን ናይ ሃይ ስኩል ሰርቲፊኬት ምስ ዝህልወካ፡ ምውሳድ ናይ’ዚ መሰጋገሪ ዓመት ኣብ ምቅርራብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ኔዘርላንድ ጽቡቕ መቀራረቢ ክኾነካ ይኽእል እዩ። ኣብ መርበብ ገጽ ናይ ትካል “ኡ ኣ ኤፍ” (externe link)፡ ዝርዝር ናይ’ትን መሰጋገሪ ዓመት ዝህባ ኣብያተ-ትምህርቲ ክትረክብ ትኽእል።  

ላዕለዋይ ሞያዊ ትምህርቲ ኣብ ኔዘርላንድ

ኣብ ከባቢኻ ናይ ላዕለዋይ ናይ ሞያ ትምህርቲ (ሃ ቢ ኦ) እንተሎ ከተናዲ ደሊኻ? ኣብ መርበብ ገጽ ናይ ማሕበር ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ (externe link)፡ ዝርዝር ናይ ኩለን ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ ዝርከባ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ክትረክብ ትኽእል።

ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኔዘርላንድ

ኣብ መርበብ ገጽ ናይ ፌ ኤስ ኤን ኡ” (VSNU) (externe link) ድማ፡ ናይ ኩለን ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲ ዝርዝር ትረክብ። ኣብኡ፡ መግለጺ ናይተን ዩኒቨርሲታትን ከምኡ’ውን ብቐጥታ ናብ’ቲ መርበብ ገጽ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዩኒቨርሲቲ ትኣትወሉ ሊንክ’ውን ተዳልዩ ኣሎ።

ተበግሶ ንስራሕ

በቲ ድሮ ዘለካ ሞያ ኣብ ኔዘርላንድ ብቐሊሉ ስራሕ ክትረክብ ከምትኽእል ክትፈልጥ ትደሊ? ወይ ድማ ኣየናይ ዓውደ-ትምህርቲ ዝያዳ ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጥረልካ ክትፈልጥ ድሌት ኣለካ? ኣብ መርበብ ገጽ www.studieperspectief.nl (externe link) ተወከስ። ኣብ’ዚ ገጽ፡ ብመንጽር ዓወደ-ትምህርትን ከባብን ኣየናይ ናይ ስራሕ ዕልድ ከምዘሎ ክትዕዘብ ትኽእል።

ምምራጽ ዓይነት መጽናዕት

ኣብ ኔዘርላንድ፡ ካብ 3000 ዓይነት ዓውደ-ትምህርቲ ክትመርጽ ትኽእል። ምናልባት እዚ ካብ’ቲ ንስኻ ዝለመድካዮ ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል። ይኹን እምበር፡ ብኸመይ ኣገባብ ኢኻ ጽቡቕ ውሳኔ ክትገብር ትኽእል? ትካል “ኡ ኣ ኤፍ”፡ ዓውደ-ትምህርቲ ኣብ ምምራጽ ዝሕግዝ፡ ውጥን ስጉምቲ ንምርጫ ዓይነት ትምህርቲ (externe link) ዝብል መደብ ኣለዎ።