ካብቲ ቦታ ክትወጹ ትኽእሉ ኢኹም፣ እንተኾነ ግን ንፖስታን ተሌፎንን ናይ IND፣ COA ከምኡ እውን ካልኦት ተቕዋማትን ብዝምልከት ከም እትርከቡ ኣረጋግጹ (ምጅማር ናይቲ መስርሕ)።
ክትርከቡ እትኽእሉ ናይ ምዃን ሓላፍነት ናትኩም እዩ። ስለዚ ምስቲ መዕቆቢ ቦታ ርክብ ምግባር ቀጽሉ።
ንዝውውር ክንረኽበኩም እንተድኣ ዘይክኢልና፣ ኣብ COA ምዝገባኹም ክትስረዙ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣስተውዕሉ፡ ገና ዕቚባ ዘየመልከትኩም እንተድኣ ኮይንኩም (ስለዚ ገና V-nummer ዘይብልኩም ምስ እትኾኑ)፣ ኣብቲ መዕቆቢ ቦታ ዘይትጸንሑ እንተድኣ ኮይንኩም መድሕን ኣይክህልወኩምን እዩ።