ዜና ናይ ኢ ኤን ዴ (IND)
ኢ ኤን ዴ፡ ኢንተርቬው ክወስድ ጀሚሩ ኣሎ ሓደ ሓደ ግዜ (ብቪድዮ)። ሪጋኻ ምስ ኣኸለ፡ ነዚ ዝኸውን ዕድመ ካብ ኢ ኤን ዴ ክመጻካ እዩ። ስለ’ዚ፡ ቀጻሊ ናብ ሪሴፕሽን ናይ ኮዋ (COA) እንዳኸድካ፡ ደብዳቤ ዝመጻካ እንተኾይኑ ተቖጻጸር። ነዚ ኢንተርቬው ንምግባር፡ ኣብ ናይ ኮዋ (COA) ናይ ዝርርብ ክፍሊ ዘላ ኮምፔር ክጥቀም ትኽእል። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ www.ind.nl ተወከስ።
ናይ ሓበሬታ ጽሑፋት፡ ባዛዕባ ኣብ መዓስከርን ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር ብዙሕ ሓበሬታ ይህቡኻ። ነቲ ናይ መድለዪ መስኮት ድለ ወይ ድማ ካብ’ቲ ናይ መድለዪ ሕቶታት ወይ ዛዕባታት ዝብል መሪጽካ ሓበሬታ ክርከብ ይከኣል።
እንደገና ንምድላይ፡ ኣብ ጠውቕ
ንግዚኡ ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ፡ ናብ ፍሉይ ቁጽሪ ስልኪ ናይ Praktijklijn ከምኡ’ውን Tandartslijn ክትድውል ትኽእል ኢኻ።
- ቁጽሪ ስልኪ Praktijklijn: 0800 0201051
- ቁጽሪ ስልኪ Tandartslijn: 0800 2233678
ኣብ ውሽጢ ናይ ስራሕ ሰዓታት ድማ፡ ናብ ቁጽሪ ስልኪ ናይ’ቲ ኣብ መዓስከርካ ዝርከብ GZA ክትድውል ትኽእል። እቲ ቁጽሪ ስልኪ፡ ኣብ’ቲ መዓጾ ናይ GZA ዘሎ ፖስተር ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ናይ azc ተለጢፉ ኣሎ።
ናይ ባዕልኻ ቴሌፎን ዘይብልካ እንተኾይኑ፡ ብ zorgtelefoon ጌርካ ናብ Praktijklijn ከምኡ’ውን ናብ Tandartslijn ክትድውል ትኽእል።
English: Free calls to Praktijklijn and Tandartslijn
Arabic: الإتصال مجاناً بِـ إلى Praktijklijn
Armenian: . Անվճար զանգահարել՝ Praktijklijn en Tandartslijn
French: Téléphoner gratuitement à la Praktijklijn et à la Tandartslijn
Persian: مکالمه رایگان با GZA
Russian: Бесплатные звонки в Praktijklijn и Tandartslijn
Somali: . Lacag la’aan ku wac Praktijklijn iyo Tandartslijn
Spanish: Llamadas gratuitas a Praktijklijn y Tandartslijn
Turkish: Praktijklijn’i (aile hekimleri hattı) ve Tandartslijn’i (diş hekimi hattı) ücretsiz aramak
Gezond in Nederland
Website: Gezond in Nederland
Facebook: Eritreers gezond
YouTube: Eritreers gezond
ሕቶታት ብዛዕባ ሕማም ኮሮና፧
ብ ሰ ን ኪ ቀውሲ ኮ ሮ ና ብ ዛ ዕ ባ ጥዕ ናኻ፣ ስ ራ ሕ ካ ፣ ኣ ታ ዊ ታ ት ካ ን ደ ቅኻን
ሕ ቶ ታ ት ክ ህ ል ወ ካ ይኽዕ ል እ ዩ ። ብ ዛ ዕ ባ ዚ ሕ ቶ ታ ት ’ዚ
መል ሲ እ ን ተ ድ ኣ ደ ሊኻ ክ ት ድውለ ል ና ትኽዕ ል ኢኻ።
ት ግ ር ኛ ን ዓ ረ ብ ን ስ ለ ን ዛ ረ ብ ኻኣ ክ ን ሕ ግ ዘ ካ ንኽእ ል ኢ ና ።
ካ ብ ሰ ኑ ይ ክ ሳ ብ ዓ ር ቢ 1 4 : 0 0 - 1 6 : 0 0
( ካ ብ ሰ ዓ ት 2 ክ ሳ ብ ሰ ዓ ት 4 ድ . ቀ )
ክ ት ድ ው ለ ል ና ት ኽ እ ል ።
ኣብ ትራም፣ ኣውቶቡስ፣ ሜትሮን ባቡርን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስክ ክትገብሩ ናይ ግድን እዩ። እዚ ንናይ ታክሲ ሞጋዓዝያ እውን ይምልከት። ብዝተኻእለ መጠን ካብ ገዛኹም ኣይትውጽኡ። ኣድላዪ እንተዘይኮይኑ ኣይትግሹ።
ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ (ማስከር) ናይ ምግባር ግዴታ
ኣብ ትራም፣ ኣውቶቡስ፣ ሜትሮን ባቡርን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ክትገብሩ ናይ ግድን እዩ። እዚ ንናይ ታክሲ ሞጋዓዝያ እውን ዝምልከት እዩ። ኣብ ህዝባዊ ኣብ ውሽጢ ቦታታት ከም በዓል ኣብ ድኳናት፣ ስታሽዮናትን እውን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ክትገብሩ ኣለኩም። እንተደኣ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ዘይጌርኩም ድማ € 95,- ይሮ ብገንዘብ ክትቅጽዑ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ ናይ COA, GZA ከምኡ ድማ JGZ መጸበዪ ክፍልታትን ኮሮድዮታትን እውን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ክትገብሩ ናይ ግድን እዩ።
ኣብ ግዳም
. ኣብ ግዳም እንተበዛሕካ 2 ሰባት ተቛጺርካ ክትራኸብ ትኽእል።
ወይ ድማ ምስ ምሳኻ ዝቕመጡ ሰባት ምስ ኩሎም ኣብ ደገ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።
ዕድሚኦም ክሳብ 13 ዓመት ዝኾኑ ቖልዑት ኣብ ግምት ኣይኣትዉን እዮም።
. ይኹን እምበር፡ ካብ ሓድሕድካ ናይ 1 ሜትሮን ፈረቓን ክትርሕቕ ይግባእ። ዕድሚኦም ክሳብ 13 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑት ግን ናይ 1 ሜትሮን ፈረቓን ርሕቀት ክሕልዉ ኣገዳሲ ኣይኮነን።
ኣብ ሓደ ገዛ ብሓንሳብ ዝነብሩ ስድራ ርሕቀት ክሕልዉ ኣገዳሲ ኣይኮነን።
ኣብ ውሽጢ
- ቤት ምግብታትን ቤት መስተታትን ዕጽዋት እዮም።
- ሲነማታት፡ ትያትራትን ናይ ትልሂት ኣዳራሻትን ዕጽዋት እዮም። ሓደ ሓደ ቤተ መጻሕፍቲ መጻሕፍቲ ንምውሳድ ጥራሕ ክፉታት እዮም።
- ነዚ ብዝምልከት ኣብ ናቶም ናይ ኢንተርኔት መርበብ ተመልከቱ። ብጀካ ሱፐርማርኬታት፣ ቤት መድሃኒትን ካልኦት ኣፋውስ ዝሸጡ ድኳናትን መብዛሕቲኦም ድኳናት ዕጽዋት ኣዮም። ድኳናት ክሳብ ምሸት ዝኽፈትሉ እዋን የለን።
- ካብ 10 ለካቲት ጀሚርኩም ካብ ዱኳናት ዘድልይኹም ነገራት ብኢንተርነትን ብቴሌፎንን ኣዚዝኩም ናብ ድኳናት ብምኻድ ድማ ክትቅበልዎም ትኽእሉ ኢኹም። ነቲ ዝኣዘዝክሞ ንብረት ኣብ ዝተወሰነ እዋን ጥራሕ ኢኹም ክትወስድዎ ትክእሉ። 1 ሰብ ጥራሕ እዩ ድማ ነቲ ንብረት ክወስዶ ዝፍቀድ። ንብረት ምስ ኣዘዝኩም ክሳብ ትወስድዎ እንተ ወሓደ ናይ 4 ሰዓታት ፍልልይ ክህልው ኣለዎ።
- ስፖርት መግበሪ ቦታታት ዕጽዋት እዮም።
ሕላፍ ሰዓት
ካብ ቀዳም ዕለት 23 ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ኔዘርላንድ ሕላፍ ሰዓት ኣብ ተግባር ውዒሉ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ካብ ሰዓት 21:00 ናይ ምሸት ክሳብ ሰዓት 4:30 ናይ ለይቲ ኣብ ዘሎ እዋን ካብ ገዛ ምውጻእ ኣይፍቀድን እዩ።
ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኾነ ምኽንያት ምስ ዝህልወኩም ጥራሕ ኢኹም ናብ ደገ ምውጻእ ዝፍቀደኩም። ንኣብነት እንተደኣ ናይ ግድን ናብ ሆስፒታል ምኻድ ኣድልይኩም ኾይኑ ወይ ድማ እንተደኣ ናይ ዑቕባ መስርሕኩም ንኸተካይዱ ክትገሹ ናይ ግድን ኾይኑ (ንኣብነት ምስ IND ቃለ መጠይቕ ንምግባር)። እንተደኣ ኣብ እዋን ሕላፍ ሰዓት ናብ ደገ ወጺእኩም ድማ መውጽኢኹም ምኽንያት ዝገልጽ ወረቐት ከተርእዩ ኣለኩም።
ኣንተደኣ ናይ ሰዓት ሕላፍ ሕጊ ጥሒስኩም ናይ € 95 ኤውሮ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ክውሰነልኩም ይኽእል እዩ።
ኣብ ውሽጢ ገዛኻ
ኣብ ገዛኹም እንተበዝሐ ሓደ ሰብ ክመጻኩም ይኽእል እዩ። ኣብ ነንሕድሕድኩም ድማ ናይ 1,5 ሜትሮ ርሕቀት ክትፈናተቱ ኣለኩም።
English: Which measures are in place in the Netherlands?
Arabic: ما هي الإجراءات المطبقة في هولندا؟
Armenian: Ի՞նչ միջոցներ են կիրառվում Նիդերլանդներում
French: Quelles sont les mesures prises par les Pays-Bas ?
Persian: ۳- کدام اقدامات در هلند اعمال می شود؟
Russian: Какие меры действуют в Нидерландах?
Somali: Waa kee nidaamda hawlgal ee ka jira Nederland?
Spanish: ¿Qué medidas rigen en los Países Bajos?
Turkish: Hollanda'da hangi önlemler geçerlidir?
መባእታዊ ቤት ትምህርትታት ተኸፊተን ኣለዋ
ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርትታት ክሳብ ዕለት 1 መጋቢት ዕጽዋት ክጸንሓ እየን። ቆልዑት ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ብኢንተርነት ክመሃሩ እዮም።
ኣብ ቦታኹም ዘሎ መውዓሊ ቆልዑት ዕጹው እዩ
• ግብራዊ ትምህርቲ ምውሃብ ክቕጽል እዩ።
• መልቀቒ መርመራ ንዝገብሩ ተመሃሮ ዝወሃብ ትምህርቲ ክቕጽል እዩ።
• መልቀቒ መርመራታት ክወሃቡ እዮም።
English: Primary schools will open on February 8
Arabic: ستفتح المدارس الابتدائية في 8 فبراير
Armenian: Նախակրթարանները կբացվեն փետրվարի 8-ին
French: Les écoles primaires sont ouvertes à partir du 8 févrie
Persian: مدارس ابتدایی در 8 فوریه باز می شوند
Russian: Начальные школы откроются 8 февраля.
Somali: Dugsiyada hoose 8 febraayo ayaa la furaayaa
Spanish: Las escuelas primarias abrirán el 8 de febrero
Turkish: Temel eğitim okulları 8 şubattan itibaren açılıyor
ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ ኣይትግሽ።
ካብ ብዙሕ ኣገደስቲ ዘይኮኑ መገሻታት ምቑጣብ ኣገዳሲ እዩ።
ስለዚ እዩ ድማ COA ንነበርቲ ንኣገደስቲ ንዝኾኑ ጉዳያት ጥራሕ መገሻ ክገብሩ ዘፍቅድ ዘሎ፣ ንሶም ድማ፥
- ናይ ሕክምናን ናይ ውሕስነት ምኽንያታትን።
- ናይ ዑቕባን ናይ ምውጻእ መስርሓት ኣብ ዝግበረሉ እዋናትን።
ብህዝባዊ መጏዓዝን ታክስን ኣብ ትጓዓዝሉ እዋን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ክትገብሩ ናይ ግድን እዩ
- እዚ፡ ንኹሉ 13 ዓመትን ልዕሊኡን ዘሎ ሰብ ይጸንዕ።
- ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ከለኻ፡ ነቲ ናይ ኣፍ መሸፈኒ ጨርቂ ኣይትወጽኣዮ።
- ኣብ ነፍስ-ወከፍ ጉዕዞ (ምኻድ ኮነ ምምላስ) ሓድሽ ናይ ኣፍ ጨርቂ ክትወዲ ይግባእ። ዋላ ከማን ዝሕጸብ ናይ ኣፍጨርቂ ይኹን ብዘየግድስ። ስለ’ዚ፡ ክልተ ናይ ኣፍ ጨርቂ ከድልየካ እዩ ማለት እዩ። ሓንቲ ክትከይድ ከለኻ፡ ሓንቲ ድማ ክትምለስ ከለኻ ትወድየን።
- ናይ ኣፍ ጨርቂ ምስ ዘይትወዲ፡ ናይ 95 ኤውሮ ሞልታ ክትቅጻዕ ትኽእል።
- ኣብ ስቴሽናት ኮነ ባቡር ደው ዝብላሉ ሓዲዳት ናይ ኣፍ ጨርቂ ናይ ግድና ኣይኮነን።
- ኮዋ (COA) ናይ ኣፍ ጨርቂ ኣይዕድልን እዩ። ባዕልኻ ክትገዝኦ ወይ ክትሰርሖ ኣለካ።
ብኻልእ ኣገባብ ክትጓዓዝ ዘይትኽእል እተኾንካ ጥራሕ ብኣውቶቡስ፡ ትራም፡ ሜትሮ ወይ ባቡር ተጓዓዝ።
ብዝተኻእለ መጠን ካብ ሓድሕድካ ርሒቕካ ኮፍ በል።
ኣብ ፌርማታ ኮነ ኣብ ስቴሽን ግን ካብ ሓድሕድካ ናይ 1 ሜትሮን ፈረቓን ፍንትት በል።
ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ግበር
English: Travelling by public transport and taxi: face masks mandatory!
Arabic: المواصلات العامة وسيارة الأجرة: الكمامات إلزامية
Armenian: Հունիսի1-ից հասարակական տրանսպորտում պարտադիր է կրել դիմակ
French: Les déplacements. Transports publics et taxis : le port du masque facial est obligatoire !
Persian: سفر: حمل و نقل عمومی و تاکسی: ماسک های دهانی اجباری!
Russian: Транспорт:общественный транспорт и такси: маски для лица обязательны!
Somali: Safarka: Gaadiidka dadweeynaha iyo taxiyada maaskerka waa qasab!
Spanish: Viajes: en transporte público y taxi: ¡uso obligatorio de mascarilla!
Turkish: Safarka: Gaadiidka dadweeynaha iyo taxiyada maaskerka waa qasab!
ዕድሚኦም ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ንዝኾኑ ዝምልከት፥
- ስፖርት ምግባር ዝፍቀድ ናይ ሓደ ሜትሮን ፈረቓን ርሕቀት ብምሕላው ጥራሕ እዩ።
- ንበይንኻ ወይ ድማ ምስ ሓደ ሰብ ጥራሕ ብሓባር ብምዃን ስፖርት ምግባር ይከኣል እዩ።
ዕድሚኦም ክሳብ 18 ዓመት ንዝኾኑ ቖልዑት ዝምልከት፦
ምስ ብዙሓት ቆልዑት ኮይንካ ስፖርት ምግባር ፍቑድ እዩ።
ስፖርት ምግባር ዝፍቀድ ኣብ ደገ ጥራሕ እዩ።
ኣንጻር ኣባላት ክለብካ ዝኾኑ ቆልዑት ውድድር ምግባር ፍቑድ እዩ።
ኣንጻር ኣባላት ክለብካ ዘይኮኑ ቆልዑት ውድድር ምግባር ኩልኩል እዩ።
ኣብ ናይ ስፖርት ቦታታት ዝርከቡ ካፌተርያታት፣ መሕጸቢ ሰብነት ክፍልታትን መቐየሪ ክዳን ክፍልታትን ዕጽዋት እዮም።
ስፖርት መግበሪ ቦታታት
ስፖርት መግበሪ ቦታታት ዕጽዋት እዮም።
English: Can I exercise with other people?
Arabic: هل يمكنني ممارسة الرياضة مع الآخرين؟
Armenian: Կարո՞ղ եմ այլ մարդկանց հետ զբաղվել սպորտով:
French: Puis-je faire du sport avec d'autres personnes ?
Persian: آیا می توانم با افراد دیگر ورزش کنم؟
Russian: Можно мне заниматься спортом с другими людьми?
Somali: Ma la isboorti karayaa dad kale?
Spanish: ¿Puedo practicar deportes con otra gente?
Turkish: Başkalarıyla birlikte spor yapabilir miyim?
ምስ ሕማም ኮረና ዝኸዱ ናይ ጥዕና ጥርዓናት ኣለውኻ ዶ? እምበኣር ተመርመር!
እቶም ጥርዓናት እዞም ዝስዕቡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፥
- ብሃንደበት መቐረትን ሽታን ናይ ምስትምቓር ስምዒት ምጥፋእ
- ረስኒ
- ናይ ሰዓል ጥርዓናት፣ ከም ነድሪ ኣፍንጫ፣ ናይ ኣፍንጫ ጸረርታ፣ ሕንጥሸው ምባል፣ ናይ ጎሮሮ ቃንዛ፣ ሰዓልን ማዕበስትን ዝኣመሰሉ።
ክትወስዶም ዘለካ ተወሰኽቲ ስጉምትታት፦
• ነቲ ክፍሊ ወይ መንበሪ ኣሃዱ (እንተላይ ዝረስሐ ኣቕሑ) ጽቡቕ ጌርካ ብሳምና ሕጸቦ። መምከኒ ባእታ ኣየድልየካን እዩ። ይኹን እምበር፡ ተጠቒምካ ትድርብዮ ጓንቲ ግን ኩሉ ሳዕ ተጠቐም። ብድሕሪኡ የእዳውካ ተሓጸብ (ን 20 ካልኢት ብሳምና - ነቲ ቪደዮ ትዓዘብ)።
• ነቶም ዝተናኸፉ ነገራት ኣጽርዮም። ንኣብነት፡ ናይ ማዕጾ መትሓዚ፡ ናይ ማይ ቡምባ ከምኡ’ውን ናይ ሽቓቕ ኮፍ መበሊ። እንተወሓደ 70% ኣልኮል ዘለዎ መምከኒ ባእታ ጌርካ ትሓጽቦ። ነዚ እንተወሓደ፡ ሓደ ግዜ ኣብ መዓልቲ ግበሮ።
• ጎሓፍ፡ ኣብ ብግቡእ ዝተዓጹዉን ዘይተቐዱን ፌስታላት ይእትዎ።
• ናውቲ ዓራት፡ ኣብ ዝተዓጽዉ ፌስታላት ጌርካ ካብን ናብን ኣንቀሳቕስ። ክትሓጽብ ከለኻ ድማ፡ 60 ዲግሪ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ተጠቐም።
• ካብ ቤትካ ኣይትውጻእ። እዚ፡ ነቶም ምሳኻ ዝነብሩ’ውን ይምልከት እዩ። ኣጋይሽ ኣይትቀበል።
• ቤትካ ንፋስ መታን ክኣትዎ፡ ኣብ መዓልቲ ተደጋጋሚ ግዜ መስኮት ክፈት።
English: I may be infected by the coronavirus
Arabic: ربما أصبت بالفيروس التاجي
Armenian: Ես հնարավոր է, որ վարակվել եմ կորոնավիրուսով
French: J'ai peut-être été contaminé(e) par le coronavirus
Persian: من ممکن است به ویروس کرونا آلوده باشم
Russian: Возможно я заражен коронавирусом
Somali: Waxaa dhici karta in la'ii qaadsiiyay Korona Fiiruska
Spanish: . Es posible que esté contagiado de Coronavirus
Turkish: Bana muhtemelen koronavirüsü bulaştı
- ቅድምን ድሕርን ናይ ኣፍ ጨርቂ ምግባርካ የእዳውካ እንተዋሓደ ን 20 ካልኢት ተሓጸብ።
- ናይ ኣፍ ጨርቂ ክትወዲ ኮነ ከተውጽእ ከለኻ፡ ነቲ ላስቲክ ጥራሕ ተንክፎ።
- ኣፍካ፡ ኣፍንጫኻን መንከስካን ብግቡእ ከምዝተሸፈነ ኣረጋግጽ። ብድሕሪኡ ኣይትነክፎ።
- ዝተጠቐምካሉ ናይ ኣፍ ጨርቂ ብቐጥታ ኣብ እንዳ ጎሓፍ ደርብዮ። ወይ ድማ ክስብ ትድርብዮ ኣብ ፍሉይ ዕጹው መቐመጢ ግበሮ።
- ናይ ኣፍ ጨርቂ፡ ኣብ መዓልቲ ካብ 3 ሰዓታት ንላዕሊ ኣይትውደ። ናይ ኣፍ ጨርቂ፡ ጥልቁይ ምስዝኸውን ኣይትጠቀምሉ። እምበኣር ሓድሽ ናይ ኣፍ ጨርቂ ተጠቐም፡
ምስ ወረድካ ኢኻ ነቲ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ከተውጽኦ ዝግባእ
- ነቶም ጽሩያትን ረሳሓትን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ኣብ ፍሉይ ዕጹው መቐመጢ ብምዕቃብ ነንበይኖም ፈላሊኻ ኣቐምጦም።
- ባዕልኻ ንዝሰራሕካዮ ናይ ኣፍ ጨርቂ ክሳብ ኣብ ገዛኻ ትሓጽቦ ኣብ ፍሉይ ዕጹው መቐመጢ ግበሮ።
- ኩሉ ግዜ ናብ ገዛኻ ኣብ ትመጸሉ እዋን የእዳውካ ማይን ሳምናን ብምጥቃም ተሓጸብ።
- ድሕሪ ነፍስ-ወከፍ ምጥቃም ናይ ኣፍ ጨርቂ፡ ብ 60 ዲግሪ ጌርካ ሙሉእ ብሙሉእ ሕጸቦ።
- ናይ ክዳን መሕጸቢ ሳምና ጥራሕ ተጠቐም። ካልእ ባእታ ኣይትሓውሰሉ።
- ነቲ ናይ ኣፍ ጨርቂ ኣብ ናይ መሕጸቢ ማሽን ምስ የእተኻ፡ የእዳውካ ትሓጸብ።
English: How do I use the face mask?
Arabic: كيف أستخدم الكمامة؟
Armenian: Ինչպե՞ս կրել դիմակ
French: Comment vais-je utiliser le masque ?
Persian: چگونه می توانم از ماسک دهان استفاده کنم؟
Russian: Как пользоваться маской для лица?
Somali: Sideen u isticmaalaa maaskerka afka?
Spanish: ¿Cómo usar la mascarilla?
Turkish: Ağız maskesini nasıl kullanmalıyım?
ምስ ሕማም ኮረና ዝኸዱ ናይ ጥዕና ጥርዓናት ኣለውኻ ዶ? እምበኣር ተመርመር!
እቶም ጥርዓናት እዞም ዝስዕቡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፥
- ብሃንደበት መቐረትን ሽታን ናይ ምስትምቓር ስምዒት ምጥፋእ
- ረስኒ
- ናይ ሰዓል ጥርዓናት፣ ከም ነድሪ ኣፍንጫ፣ ናይ ኣፍንጫ ጸረርታ፣ ሕንጥሸው ምባል፣ ናይ ጎሮሮ ቃንዛ፣ ሰዓልን ማዕበስቲ ዝኣመሰሉ ጥርዓናት።
ናይ ምርመራ ቖጸራ
ምርመራ ንኽግበረልካ ቆጸራ ንምሓዝ ኣብ ከባቢኻ ናብ ዝርከብ GZA ቴሌፎን ደውል ወይ ብድሕሪ ናይ ስራሕ ሰዓታት ናብ GZA ናብ ስልኪ ቑጽሪ: 088 - 112 2 112 ወይ ድማ 0800 - 020 1 051 (ብዘይ ክፍሊት) ደውል።
ናይ ሕክምና ቁጽርኻ (zorgnummer) ቀርቦ GZA ምርመራ ንኽግበረልካ ቆጸራ ክሕዙልካ እዮም።
ካብ ገዛ ኣይትውጻእ
- ምርመራ ንኽግበረልካ ጥራሕ ኢኻ ናብ ደገ ክትወጽ ዘለካ።
- ናይ ዝገበርካዮ ምርመራ ውጽኢት ክሳብ ዝፍለጥ ካብ ገዛ ኣይትውጻእ።
- ናይ ዝገበርካዮ ምርመራ ውጽኢት ብ GZA ክሕበረካ እዩ።
English: Do you have complaints that fit the corona virus? Get tested!
Arabic: كورونا. ماذا يجب ان تفعل في حالة الشكاوى؟
Armenian: Կորոնա՝ ի՞նչ անել գանգատների դեպքում
French: Que faire en cas de symptômes ?
Persian: در صورت بروز علائم چه کاری باید انجام دهید؟
Russian: Корона. Что необходимо делать в случае жалоб?
Somali: Maxaad yeeleysaa haddi aad cabasho leedahay?
Spanish: Coronavirus. ¿Qué hacer si siente molestias?
Turkish: Koronavirüsüne uyan şikayetleriniz mi var? O halde kendinizi test ettirin!
ኣብ ናይ GZA ከምኡ ድማ ናይ JGZ መቐበል ኣጋይሽ (ረሰፕሽን)፣ መጸበዪ ክፍልታት፣ ኮሮድዮታትን ናይ ዝርርብ ክፍልታትን ኣብ ትህልወሉ እዋን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ተጠቀም፣
ቅድሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ትምህርትታትን ምክፋልካ ንጥዕናኻ ዝምልከት መምልኢ ቅጺ ክትመልእ ኣለካ። ኣብ ናይ ኮዋ ቦታታት ካብ ዝግበሩ ንጥፈታት ገሊኦም ብሰንኪ ኮሮና ክቋረጹ ይክእሉ እዮም።
ን GZA ብኸመይ ክትረኽቦም ከምትኽእል ኣብ ቦታኻ ረኣይ ኢኻ። ምስ GZA ቆጸራ ክትሕዝ ድልየት ኣለካ? ናብ ናይ መዕስከርካ GZA ደውል። እቲ ቁጽሪ ስልኪ፡ ኣብ'ቲ ፖስተራትን ኣብ ማዕጾ ናይ GZA ክርከብ ይከኣል። ኣብ መዓስከርካ ዘሎ GZA ዕጽው ምስ ዝኸውን ድማ፡ ናብ Praktijklijn ብቑጽሪ ስልኪ 088-112 2 112 ደውል። (24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ / 7መዓልታት ኣብ ሰሙን ክርከብ ይከኣል)
ክንክን ጥዕና መንእሰያትን ህጻናትን (Jeugdgezondheidszorg (JGZ)) ግን ንወለድን ህጻናትን ብዘይ ቆጸራ ዝኽየደሉ ናይ ዝርርብ ሰዓታት ኣለዎ። ነዚ ዝምልከት ናይ ዕድመ ደብዳቤ ክመጻካ እዩ። ናይ ዕድመ ደብዳቤ ምስ ዝመጻካ ጥራሕ ክትመጽእ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ናብ ናይ ዝርርብ ሰዓት፡ ሓደ ወላዲ ጥራሕ ክመጽእ ኣለዎ። እቲ መጸበዪ ክፍሊ ክፉት እንተኾይኑ፡ ካብ’ቶም ኣብኡ ዝህልዉ ሰባት ናይ 1 ሜትሮን ፈረቓን ርሓቕ።
ብተወሳኺ፡ እዚ ዝስዕብ ሕግታት ይጸንዕ፦
- ኣብ ኩሎም ናይ ሓባር ቦታታት፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም፡ ካብ ምሳኻ ዝነብሩን ሰራሕተኛታትን ናይ 1 ሜትሮን ፈረቓን ርሓቕ።
- ኣብ መንበሪ ኣሃዱታት ምክያድ ኣኼባታትን ፌስታታን ኣይፍቀድን እዩ።
- ኣብ መዓልቲ እንተበዝሐ ሓደ ሰብ ጥራሕ በጻሒ ክመጽእ ይኽእል እዩ (ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ከይጸብጸብካ)። ኩሉ ግዜ ድማ ኣብ ነንሕድሕድኩም ናይ 1,5 ሜትሮ ርሕቀት ክትፈናተቱ ኣለኩም።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሕግታት ጽኑዓት እዮም። እንተደኣ ነዞም ሕግታት ዘየኽቢርኩም ድማ ስጉምቲ ክውሰደኩም እዩ። እዚ ወላ ንኔዘርላንዳውያን ዝምልከት ጉዳይ እዩ እቲ ዝወሃብ መቕጻዕቲ ድማ ኣዝዩ ልዑል እዩ።
ኣስተውዕል፥ ኣብ ቦታኻ ንጥዕናን ንውሕስነትን ዝምልከቱ ካልኦት ሕግታት ክህልዉ እውን ይኽእሉ እዮም።
ንድሕነት ኩሎም ነበርቲ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ነዞም ሕግታት ከኽህብር ይግባእ!
English: The following applies at the COA-centre
Arabic: أ. في موقع COA يسري
Armenian: .COA-ի ապաստանի կենտրոնում ուժի մեջ է
French: Mesures en vigueur sur le site du COA
Persian: موارد زیر در محل COA اعمال می شود
Russian: В центре по приему COA действует следующене.
Somali: Waxaa la raacayo Gudaha xaruumaha-COA
Spanish: Medidas que rigen en el centro del COA
Turkish: COA yerleşim yerinde geçerli olan kurallar
እቲ ናተይ ናብ ናይ ምምሕዳር ገዛ ምቕያር ኣብ ግዜ ቅልውላው ኮርና ክቕጽል ድዩ?
ኣብ መብዝሕትአን ምምሕዳራት እወ። ኣብ ገለ ምምሕዳራት ግን ኣይቅጽልን እዩ። እንተድኣ ሓንቲ ምምሕዳር እቲ ምግዓዝ ኣይቅጽልን እዩ ኢላ ወሲና፡ ኣብ መዓስከር ናይ ምጽናሕ መሰልካ ዝተሓለወ ይኸውን። ሰሙናዊ ድማ፡ ካብ COA ገንዘብ ይወርደልካ። ብተወሳኺ፡ ብመንገዲ COA ኣቢሉ፡ ናይ ጥዕና መድሕንን ናይ ሕጋዊ ታሓታትነት መድሕንን ይህልወካ። እዚ፡ ዋላ’ኳ ድሮ ናይ ክራይ ገዛ ውዕል ፈሪምካ እንተነበርካ ይምልከተካ እዩ።
ናይ ክራይ ገዛ ውዕል ፈሪመ ክነሰይ ገዛ ኣይግዕዝን እየ ኢለ ክኣቢ ይኽእል ዶ?
ኣይፋልን። ናይ ገዛ ክራይ ውዕል ዝፈረምካ እንተኾንካ እሞ እቲ ምምሕዳር ነቲ ናትካ ናይ ገዛ ምግዓዝ ክቕጽል ኣለዎ ዝብል እነኾይኑ፡ ንስኻ ክትግዕዝ ግቡእ ኣለካ።
ንስኻ ወይ ድማ ምሳኻ ዝነብሩ ብቫይረስ ክሮና ዝተለኸፍኩም እንተኾንኩም ግን (ረስኒ፡ ጉንፋዕ፡ ሰዓል)፡ ንስኻን እቶም ምሳኻ ዝነብሩ ሰባትን ን 10 መዓልታት ክትውሸቡ ስለዘለኩም፡ እቲ ምግዓዝ ገዛ ክቕጽል ኣይክእልን።
ኣነ ብጥርናፈ ድሒረ ዝመጻኹ ኮይነ ምስ’ቲ ዘምጽኣኒ ሰብ ይነብር ኣለኹ፡ ግን ገና መንበሪ ፍቓድ ኣይተዋህበንን። መድሕን (ኢንሹራንስ) ኣለኒ ዶ?
መንበሪ ፍቓድ ክሳብ ዘይሃለወካ፡ ብመንገዲ COA ኢኻ መድሕን ዝግበረልካ። ኣብ ናይ ምምሕዳር ክብረ-መዝገብ ገና ስለዘይተመዝገብካ ድማ፡ ኣውትኬሪንግ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ።
English: Moving to municipalities at the time of the corona crisis
Arabic: . الانتقال إلى البلديات أثناء أزمة كورونا
Armenian: Կորոնայի ճգնաժամի ընթացքում այլ քաղաքա- պետարան տեղափոխման մասին
French: Déménagement dans les municipalités pendant la crise du coronavirus
Persian: جابجایی به شهرداری ها در زمان بحران کرونا
Russian: Переезд в муниципалитет в период кризиса короны
Somali: U guurista dowladda hoose wakhtiga gurmadka korona
Spanish: Mudarse a los municipios en crisis de coronavirus
Turkish: Korona krizi süresinde belediyelere taşınmak
ሕማም ኮረና ንኸይላባዕ እንታይ ክትገብር ትኽእል? ስዒቡ ኣገደስቲ ምኽርታት ክትረክብ ኢኻ፦
1. ሰባት ካብ ዝበዝሕሉ ቦታታት ርሓቕ።
2. ካብ ካልኦት ሰባት ናይ 1 ሜትሮን ፈረቓን ርሕቀት ሓልው፣ ንኣብነት ሸመታ (እስፔዛ) ኣብ ትገብረሉ እዋን።
ዕድሚኦም ክሳብ 13 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑት ኣብ ነንሕድሕዶም ርሕቀት ክሕልዉ ኣገዳሲ ኣይኮነን። እዞም ቆልዑት ካብ ዓበይቲ ሰባት እውን ርሕቀት ክሕልዉ ኣገዳሲ ኣይኮነን።
3. ኣብ ናይ ህዝቢ ቦታታት ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ቦታ ኣብ ትህልወሉ እዋን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ተጠቀም፣ እዚ ናይ ግድን እዩ፣ ከምኡ ድማ ኣብ መቐበል ኣጋይሽ (ረሰፕሽን) መጸበዪ ክፍልታትን ኮሮድዮታትን ናይ COA. ከምኡ ድማ ኣብ ናይ GZAን ናይ JGZን መጸበዪን ናይ ዝርርብ ክፍልታትን ኣብ ትህልወሉ እዋን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ተጠቀም፣
4. .ኣብ መዓልቲ ደጋጊምካ የእዳውካ ብሳምና ተሓጸብ። መንጎ ኣጻብዕትኻ ውን ጽቡቕ ጌርካ ሕጸቦ።
5 .ኣብ እትሕንጥሰሉ ወይ ድማ እትስዕለሉ እዋን መንዲል ወይ ድማ ሶፍት ተጠቀም።
6. ወይ ድማ ኣብ ብርኪ ኢድካ (ኢድካ ብምዕጻፍ) ክትሕንጥስን ክትስዕልን ይግባእ።
7. ብኢድካ ሰላም ኣይትበል!
English: The coronavirus: how can you stop it from spreading?
Arabic: ویروس کرونا: چه کاری می توانید انجام دهید
Armenian: Կորոնավիրուս՝ ի՞նչ անել
French: Le coronavirus : que faire pour éviter la contagion ?
Persian: ویروس کرونا: برای جلوگیری از شیوع آن چه کاری می توانید انجام دهید؟
Russian: 1. Коронавирус: что вы можете сделать сами
Somali: 1.Korona fiiruska: maxaad ka yeeli kartaa si faafista looga hor tago?
Spanish: ¿Qué hacer para evitar la propagación del Coronavirus?
Turkish: Koronavirüsü: Yayılmaması için ne yapabilirsiniz
ንኮረና ቫይረስ ንምክልኻል ዝጠቅም ክታበት ተሰሪሑ ኣሎ።
ክታበት ክንብል እንከለና ንነዊሕ እዋን ካብ ናይ ረኽሲ ሕማማት ክከላኸለልኩም ዝኽእል መድሃኒት ማለትና እዩ። ሓኪም ወይ ድማ ነርስ ነቲ ክታበት ኣብ ነብስኹም መርፍእ ብምውጋእ ይህብኹም። እዚ ድማ ክታበት ምሃብ ብምባል ንጽውዖ።
ጸረ ኮረና ቫይረስ ክታበት ንዓኹም ካብ ሕማም ኮረና ይከላኸለልኩም። እንተደኣ ብዙሓት ሰባት ጸረ ኮረና ቫይረስ ክታበት ወሲዶም፣ እቶም ብሕማም ኮረና ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ዝወሓዱ እዮም ዝኾኑ ወይ ድማ እቲ ሕማም ብውሑዱ እዩ ዝስፋሕፋሕ። ብኸምዚ ድማ እቶም ብሰንኪ ሕማም ኮረና ወጺኦም ዘለዉ ሕግታት ከም ዝፎኽሱ ክግበር ይከኣልን ዝያዳ ናጽነት ድማ ንረክብን።
እቲ ጸረ ኮረና ቫይረስ ዝወሃብ ክታበት ብግዴታ ኣይኮነን። ጸረ ኮረና ቫይረስ ክታበት ክትወስዱ ዲኹም ኣይክትወስዱን ባዕልኹም ክትውስኑ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ብዝምልከት መጸዋዕታ (ዕድመ) ክለኣኸልኩም እዩ። እቲ ጸረ ኮረና ቫይረስ ዝወሃብ ክታበት ብነጻ ብዘይ ክፍሊት እዩ።
መንግስቲ ብዛዕባ እዚ ክታበት ብዝምልከት ሓበሬታ ከም ትረኽቡ ክገብር እዩ። መንግስቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምእንታን ኩሉ ሰብ ክታበት ክወስድ ክኽእል ምድላዋት ኣብ ምግባር ይርከብ ኣሎ።
English: Vaccine against the coronavirus
Arabic: لقاح ضد فيروس كورونا
Armenian: Պատվաստանյութ կորոնավիրուսի դեմ
French: Le vaccin contre le coronavirus
Persian: واکسن ضد ویروس کرونا
Russian: Вакцина против корона-вируса
Somali: Tallaalka ka hortagga fiiruska korona
Spanish: La vacuna contra el coronavirus
Turkish: Koronavirüsüne karşı aşı