ሕግታትን ክፍሊታትን


ትምህርቲ፡ ገንዘብ ይሓትት እዩ። ንሱ ግን፡ ኩሉ ሳዕ ባዕልኻ ክትከፍሎ ዘድሊ ኣይኮነን። ኣብ ምኽፋል ናይ ትምህርቲ ወጻኢታት ዝተሓጋገዛ ዝተፈላለያ ትካላት ኣለዋ።  ኣብ’ዚ ስዒቡ ዝመጽእ ገጽ፡ ብዛዕባ ንዓኻ ክምልከቱ ዝኽእሉ ዕድላትን ሕግታትን ዝያዳ ሓበሪታ ተዳልዩልካ ኣሎ።  

ናይ ትምህርቲ ምወላ ማእከላይ ደረጃ (mbo)

ናይ ሙሉእ ሰዓት ናይ ማእከላይ ደረጃ ናይ ሞያ ትምህርቲ (mbo-opleiding) ክትገብር እንተደሊኻ፡ ዕድሚኻ ድማ ኣብ መንጎ 18 ን 30ን እንተኾይኑ፡ ምወላ ናይ ትምህርቲ ወጻኢታት ካብ ትካል ድዎ (DUO) ክትሓትት ትኽእል። እዚ፡ ነቶም እንተዋሓደ ን 1 ዓመት ኣብ ትሕቲ ናይ ተግባር እድ ዓውደ-ትምህርቲ (BOL) ዝደለዉ ይምልከት።  እቲ ትረኽቦ ምወላ ትምህርቲ ድማ፡ ብመባእታዊ ምወላ ትምህርቲ፡ ተወሳኺ ምወላ፡ ልቓሕን ኣብ ህዝባዊ ምጓዓዝያ ብናጻ ትጥቀመሉ ናይ ምጓዓዝያ ካርድን ዝቖመ እዩ።

እቲ መባእታዊ ምወላን ናይ ምጓዓዝያ ካርድን ንኹሎም ተማሃሮ እዩ ዝምልከት። ተወሳኺ ምወላን ልቓሕን እንተደሊኻ ግን፡ ብፍሉይ ክትሓትት ይግባእ። ኣብ መርበብ ገጽ ናይ ትካል ድዎ (externe link)፡ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ክትልቃሕ ከምትኽእል ክትሓስብ ትኽእል። ብተወሳኺ፡ ኣብ’ቲ መርበብ ገጽ፡ እቲ ትወስዶ ናይ ትምህርቲ ምወላ፡ መዓስ ህያብ ምዃኑን መዓስ ከ ድሕሪ ምዝዛም ትምህርትኻ ናብ ልቓሕ ከምዝቕየርን ዝያዳ መብርሂ ኣሎ።  

ብመንገዲ ምወላ ትምህርቲ ክትመሃር ምስ ጀመርካ፡ ካብ ምምሕዳር ትወስዶ ዝነበርካ ኣውትኬርን ደው ይብል። 

ናይ ትምህርቲ ምወላ ላዕለዋይ ናይ ሞያ ትምህርቲ (hbo of universiteit)

ኣብ ላዕለዋይ ናይ ሞያ ትምህርቲ (ሃ ቤ ኦ) ወይ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስሩዕ ትምህርቲ ወይ ድማ ድርብ ትምህርቲ ክትመሃር ምስ ትደልን ዕድሜኻ ኣብ’ታ ትምህርቲ ትጅምረላ ወርሒ 30 እንተዘይኣኺሉን፡ ካብ ትካል ድዎ ናይ ትምህርቲ ምወላ ክትሓትት ትኽእል።   እቲ ናይ ትምህርቲ ምወላ፡ ብልቓሕ፡ ተወሳኺ ምወላ፡ ናይ ኮሌጅ ልቓሕን ኣብ ናይ ህዝባዊ ምጓዓዝያ ብናጻ ትጥቀመሉ ናይ መጓዓዝያ ካርድን ዝቖመ እዩ።

እቲ ትረኽቦ ናይ ትምህርቲ ምወላ ልቓሕ እዩ። እቲ ናይ ምጓዓዝያ ካርድን ተወሳኺ ምወላን ጥራሕ እዮም ህያብ ክኾኑ ዝኽእሉ። እዚ ግን፡ ካብ’ታ ፈለማ ምወላ ዝወሰድካላ ዕለት ዝሕሰብ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ትምህርቲኻ ብዓወት ምስ ትዛዝም ጥራሕ እዩ። ዲፕሎማ እንተዘይወሲድካ ግን፡ ኩሉ ክትመልሶ ኣለካ። ኣብ መርበብ ገጽ https://duo.nl/particulier/student-hbo-of-universiteit/ (externe link) ኣቲኻ፡ ናይ ትምህርቲ ምወላ ክትሓትት ትኽእልን ነቲ ክትወስዶ ድሊኻ ዘለኻ ትምህርቲ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከምዘድልየካ ክትሓስብን ትኽእል። 

ብመንገዲ ምወላ ትምህርቲ ክትመሃር ምስ ጀመርካ፡ ካብ ምምሕዳር ትወስዶ ዝነበርካ ኣውትኬርን ደው ይብል። 

ገንዘብ ሓገዝ ካብ “ኡ ኣ ኤፍ (UAF)

ናይ ትካል ድዎ ናይ ትምህርቲ ምወላ ኣይምልከተካን እዩ? ንኣብነት፡ ትምህርቲ ኣብ ትጅምረሉ ወቕቲ ዕድሜኻ ካብ 30 ዓመት ንላዕሊ ስለዝኾነ? እሞ፡ ምናልባት ትካል “ኡ ኣ ኤፍ” (Stichting Vluchteling-Studenten) ናይ ትምህርቲ ወጻኢታትካ ክሽፍነልካ ይኽእል ይኸውን። ብተወሳኺ፡ ዋላ ካብ ትካል ድዎ ናይ ትምህርቲ ምወላ እንዳወሰድካ፡ ካብ ትካል “ኡ ኣ ኤፍ” ተወሳኺ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ትካል “ኡ ኣ ኤፍ”፡ ንልዑል ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ስደተኛታት ዝሕግዝን ዝኣልን ዘይሻራዊ ማሕበር እዩ። ትካል “ኡ ኣ ኤፍ”፡ ንስደተኛታት ብዛዕባ ምርጫ ዓውደ-ትምህርቲ ምኽሪ ይልግስን ኣብ ምቅርራብ ትምህርትን ኣብ ግዜ ትምህርትን ድማ ይኣሊ። ትካል “ኡ ኣ ኤፍ”፡ ናይ ናብራ ወይ ናይ ክራይ ገዛ ዝኣመሰሉ ውጻኢታት ኣይሽፍንን እዩ። ይኹን እምበር፡ ንትምህርቲ ዝምልከቱ ነግራት ግን ገንዘባዊ ሓገዝ የበርክት (ናይ ቤት-ትምህርቲ ክፍሊት፡ ናይ ቋንቋ ስልጠናታት፡ መጽሓፍቲ፡ ኮምፒተርን ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታትን)።   ብተወሳኺ፡ ትካል “ኡ ኣ ኤፍ”፡ ንስደተኛታት ኣብ ምድላይ ስራሕ ይኣሊ። ገለ ክፋል ናይ’ቲ ትካል “ኡ ኣ ኤፍ” ዝህቦ ምወላ ህያብ ክኸውን ከሎ ገለ ክፋል ድማ ልቓሕ ኮይኑ እቲ ዝግበር ምእላይ ምስ ኣብቅዐ ዝምለስ እዩ።

ካብ ትካል “ኡ ኣ ኤፍ” ምእላይን ናይ ገንዘብ ሓገዝን ክትሓትት ደሊኻ? ኣብ’ዚ መርበብ ገጽ ብምእታው፡ ናይ “ኡ ኣ ኤፍ” ሓገዝ ይምልከተካ እንተኾይኑ ተወከስ(externe link)

ትምህርቲ ምስ ኣውትኬርን

ብመንገዲ ምወላ ትምህርቲ ክትመሃር ምስ ጀመርካ፡ ካብ ምምሕዳር ትወስዶ ዝነበርካ ኣውትኬርን ደው ይብል። ናይ ትምህርቲ ምወላ መሰል የብልካን ግን ክትመሃር ድሌት ኣለካ? ኣብ ከም’ዚ ኩነታት፡ ምስ ናይ ምምሕዳር (ኸሜንተ) ተጸዋዒ ኣካልካ ተራኺብካ፡ ውጥንካ ክትዘራረበሎም ኣገዳሲ እዩ። ኣውትኬርን እንዳወሰድካ ንኽትመሃር፡ ፍቓድ ናይ ምምሕዳር የድልየካ እዩ። ነዚ በገባብ ኣሳልጦ!

ትካል “ኡ ኣ ኤፍ”፡ ብዛዕባ ምእላይ ልዑል ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ስደተኛታት፡ ምስ ገለ ምምሕዳራት ዘካየዶ ስምምዕ ኣሎ። ንሶም፡ ኣውትኬርን እንዳወሰዱ ክመሃሩን ናይ ትካል “ኡ ኣ ኤፍ” ምእላይ ክግበረሎምን ይኽእል። ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክትከታተል ምስ ትደሊ፡ እዚ ይከኣል እንተኾይኑ፡ ንትካል “ኡ ኣ ኤፍ” (externe link) ወይ ድማ ንምምሕዳር ተወከስ።

ትምህርቲ ማዕከናት

ነወጻኢታት ትምህርትኻ ኣብ ምሽፋን ዝሕግዛኻ ፍሉያት (ናይ ብሕቲ) ማዕከናት’ውን ኣለዋ። እዝን ማዕከናት ንኹሉ ዘይኣኽላ ኮይነን ነናተን ረቛሒታት ድማ ኣለወን። ብዛዕባ’ዚ ዝምልከት ንቤት-ትምህርትኻ ተወከስ። ሓደ ኣብነት ናይ’ዘን ናይ ትምህርቲ መወላ ማዕከናት፡ እታ ብፍሉይ ንደቂ-ኣንስትዮ ጥራሕ ትምልከት “ቤስቲ ፐርክ ኦፕላይዲንግስፎንድስ” (Betsy Perk-Opleidingsfonds) (externe link) ክትጥቀስ ትኽእል።