ናይ ሙሉእ ሰዓት ናይ ማእከላይ ደረጃ ናይ ሞያ ትምህርቲ (mbo-opleiding) ክትገብር እንተደሊኻ፡ ዕድሚኻ ድማ ኣብ መንጎ 18 ን 30ን እንተኾይኑ፡ ምወላ ናይ ትምህርቲ ወጻኢታት ካብ ትካል ድዎ (DUO) ክትሓትት ትኽእል። እዚ፡ ነቶም እንተዋሓደ ን 1 ዓመት ኣብ ትሕቲ ናይ ተግባር እድ ዓውደ-ትምህርቲ (BOL) ዝደለዉ ይምልከት። እቲ ትረኽቦ ምወላ ትምህርቲ ድማ፡ ብመባእታዊ ምወላ ትምህርቲ፡ ተወሳኺ ምወላ፡ ልቓሕን ኣብ ህዝባዊ ምጓዓዝያ ብናጻ ትጥቀመሉ ናይ ምጓዓዝያ ካርድን ዝቖመ እዩ።
እቲ መባእታዊ ምወላን ናይ ምጓዓዝያ ካርድን ንኹሎም ተማሃሮ እዩ ዝምልከት። ተወሳኺ ምወላን ልቓሕን እንተደሊኻ ግን፡ ብፍሉይ ክትሓትት ይግባእ። ኣብ መርበብ ገጽ ናይ ትካል ድዎ (externe link)፡ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ክትልቃሕ ከምትኽእል ክትሓስብ ትኽእል። ብተወሳኺ፡ ኣብ’ቲ መርበብ ገጽ፡ እቲ ትወስዶ ናይ ትምህርቲ ምወላ፡ መዓስ ህያብ ምዃኑን መዓስ ከ ድሕሪ ምዝዛም ትምህርትኻ ናብ ልቓሕ ከምዝቕየርን ዝያዳ መብርሂ ኣሎ።
ብመንገዲ ምወላ ትምህርቲ ክትመሃር ምስ ጀመርካ፡ ካብ ምምሕዳር ትወስዶ ዝነበርካ ኣውትኬርን ደው ይብል።