ከም መንበሪ ፍቓድ ዘለካ መጠን፡ ከም ዝኾነ ሆላንዳዊ፡ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል። ኣብ መዓስከር እንዳነበርካ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ እንተረኺብካ፡ ገለ ክፋል ናይ ኣታዊኻ ንኮዋ ክተረክብ ኣለካ። ብኸም’ዚ ኣገባብ፡ ነቲ ኣብ መዓስከር ዝግበረልካ ወጻኢታት ትሽፍን። መጠን ናይ’ቲ ተረክቦ ገንዘብ ንምፍላጥ፡ ንናይ ኮዋ ተጸዋዒ ኣካልካ ክትውከስ ትኽእል። ኣብ ታሕቲ፡ ዝርዝር ናይ’ቶም ብዛዕባ ስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ሓበሬታ ዘስንቑ መርበብ ገጻት ትረክብ፦
ሞያታት ብስእሊ (Beroepen in Beeld) (externe link)
ሞያታት ብስእሊ (Beroepen in Beeld) ብዛዕባ ኩሎም ናይ ተግባር ሞያታት ሓበሬታ ይህብ። ኣብ’ዚ መርበብ ሓበሬታ፡ ፊልምታትን መግለጽታትን ብዛዕባ እቶም ሞያታት ከምኡ’ውን ሓበሬታ ብዛዕባ ዕድላት ዕዮ ትረክብ።
“ድረስ ፎር ሳክሰስ” (Dress for Success) (externe link)
ስራሕ ንምርካብ ኣብ ተካይዶ ዝርርብ፡ ጽፉፍ ኣከዳድና ምህላው ኣገዳሲ እዩ። በዚ መሰረት፡ ትካል “ድረስ ፎር ሳክሰስ”፡ ነቶም ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ሓገዝ የበርክት። ትካል “ድረስ ፎር ሳክሰስ” ኣብ እተካይዶ ስራሕ ናይ መርከቢ ዝርርብ ብዝግባእ ክትቀርብን ብኡ ኣቢልካ ድማ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድላትካ ከተግፍሕን ይሕግዝ።
ናይ ስራሕ ዕድል (Kans op werk (externe link)
ኣብ’ዚ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ ከባቢኻ በየናይ ሞያ ዝያዳ ናይ ስራሕ ዕድላት ክህልወካ ከምዝኽእል ክትደሊ ትኽእል።
ናይ ትምህርቲ መደብ (Studieperspectief) (externe link)
ኣብ ኔዘርላንድ ብዘለካ ሞያ ብቐሊሉ ስራሕ ክትረክብ ትኽእል እንተኾንካ ክትፈልጥ ትደሊ? ወይ ድማ ኣየናይ ዓውደ-ትምህርቲ ዝያዳ ናይ ስራሕ ዕድላት ከምዝፈጥረልካ ክትፈልጥ ትደሊ? ኣብ’ዚ ናይ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣከባቢ ነፍሲ ወከፍ ዓውደ-ትምህርቲ ዘለዎ ናይ ስራሕ ዕድላት ክትርኢ ትኽእል።
“ረፍዩጂ ስታርት ፎርስ” (Refugee Start Force) (externe link)
ብናይ ፌስ ቡክ ገጻት ናይ “ረፍይጂ ስታርት ፎርስ” (Refugee Start Force) ከምኡ’ውን በቲ ናይ ሊንኪድ ኢን (Linked In) ገጽ ኣቢልካ፡ ብቐሊሉ ምስ ኣብ ኣከባቢኻ ዘለዉ ሰም ሞያን ወለንተኛታትን ክትራኸብ ትኽእል። ብኸም’ዚ ኣገባብ ዘለካ መርበባት ተስፍሕን ቋንቋ ኔዘርላንድ ድማ ተማዕብልን። ኣብ ብሓባር ዝዳለዉ ንጥፈታት ክትሳተፍ ትኽእልን ብዛዕባ ኣገደስቲ ፖጅክትታትን ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታትን ድማ ሓበሬታ ትረክብ።
“ረፍዩጂ ታለንት ህብ” Refugee Talent Hub (externe link)
“ረፍዩጂ ታለንት ህብ” (Refugee Talent Hub)፡ ናይ መርበብ መድረኽ ኮይኑ፡ ስደተኛታት ምስ ኣስራሕቲ የራኽብ። ኣብኡ ናይ ስራሕ መድለዪ ደብዳቤኻ ክትጽዕንን ተጠቃሚ ናይ ዝወሃቡ ሓገዝን ስልጠናንን ክትከውን ትኽእል።
“ኡ ኣ ኤፍ ጃብ ሳፖርት” (UAF JobSupport) (externe link)
ናይ ኔዘርላን ናይ ላዕለዋይ ሞያዊ ትምህርቲ ወይ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎም ኣለካ? ደረጃ ትዛረቦ ቋንቋ ኔዘርላንድ ኸ (ዳርጋ) ቤ ትቬ (B2) ድዩ? እሞ፡ ስራሕ ኣብ ምንዳይ ሓገዝ ንምርካብ ናብ “ኡ ኣ ኤፍ ጃብ ሳፖርት” (UAF Jobsupport) ክትምዝገብ ትኽእል።
“ቨርክ” (Werk) (externe link)
እዚ መርበብ ሓበሬታ፡ ንኹሉ ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ዝደሊ ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ። ብመንገዲ እዚ መርበብ ሓበሬታ ኣቢልካ፡ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ትደሊ፡ ንስራሕ ትምዝገብ ከምኡ’ውን ካብ ትካል “ኡ ቬ ፌ” (UWV) ኣውትኬሪን ትሓትት።
“ቨርክዋይሰር ፍሉኽተሊንገን” (Werkwijzer Vluchtelingen) (externe link)
ኣብ’ዚ ናይ መርበብ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ስራሕን ትምህርትን ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሕ ሓበሬታ ትረክብ። ብተወሳኺ፡ ኣብነታት ናይ’ተን ንስደተኛታት ኣብ ዕድላት ዕዮ ዝሕግዛ ትካላትን ፖርጀክትታን ትረክብ።
ንኣብ ኔዘርላንድ ንምስራሕ ዝምልከቱ ሕግታትን ደንብታት (externe link)
ኣብ’ዚ ክፋል ናይ “ቨርክዋይሰር ፍሉኽተሊንገን” (Werkwijzer Vluchtelingen)፡ ጽሟቕ ናይ’ቶም ኣብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ስደተኛታትን ስራሕን ዝምልከቱ ሕግታት ትረክብ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኔዘርላንድ ሓበሬታ ዝህቡ ገጻት’ውን ትረክብ።