ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕ


ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንዝተወሰነ ግዜ ረኺብካ ኣለኻ? እሞ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ትኽእል ኮንካ ልክዕ ከም ሆላንዳውያን ሓደ ዓይነት መሰላትን ግቡኣትን’ውን ኣለዉኻ። በዚ መሰረት እዮ ድማ፡ ኣብ ዘለካ ካርድ መንበሪ ፍቓድ “ስራሕ ፍቑድ እዩ፡ ተወሳኺ ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣየድልን (‘arbeid vrij toegestaan, tewerkstellingsvergunning (twv) niet vereist’) ዝብል ተጻሒፉ ዘሎ። ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ ብምስራሕ፡ ንጡፍ ኣባል ናይ ማሕበረሰብ ኔዘርላንድ ትኸውን። ናይ ርክብ መርበባት ሃኒጽካ ኣብ ማሕበረሰብ ኔዘርላንድ እጃምካ ተበርክት። ብተወሳኺ ድማ፡ ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዝበለጸ ኣገባብ ምጥቃም ትመሃር።

ኣስተምህሮ “ፎርቨርክ”’ ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ይወሃብ። ኣብ ግዜ ስልጠና፡ ብመንገዲ ኣላዪ ጉዳይካ ዝወሃብ ውልቃዊ ክትትልን ብመንገዲ ናይ ተሞክሮ ስራሕን ኣፍልጦኻን ዓቕምታትካን ትሕይል። እዚ ድማ፡ ስራሕ ኣብ ምርካብ ዘለካ ዕድላት የግፍሕ።   

ስልጠና “ፎርቨርክ” ትወስድ ኣለኻ ወይ ድሮ ስልጠና ወሲድካ ኢኻ? ወይ ድማ ስራሕ ክተርክብ ትደሊ፡ ናይ ባዕልኻ ትካል ክትምስርት ትደሊ፡ ናይ ተሞክሮ ስራሕ ወይ ናይ ወለንታ ስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ ክትገብር ትደሊ? ኣብ’ዚ፡ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕ፡ ኩሉ ሓበሬታ ትረክብ። መብዛሕትኦም ኣብ’ዚ ገጽ ዘለዉ መርበብ ሓበሬታታት ብቋንቋታት ኔዘርላንድ ወይ ኢንግሊዘኛ ዝተጻሕፉ እዮም።  ነቲ ሓበሬታ ብጽቡቕ ንምርዳእ፡ ምናልባት ሓገዝ የድልየካ ይኸውን። ኣብ’ዘን መርበብ ገጽ ዘለዉ ሓበሬታታት፡ ካብ መዓስከር ወጺኻ እንተኾንካ’ውን ጠቐምቲ እዮም። ቋንቋ ኔዘርላንድ እንዳኣማዕበልካ ምስ ትኸይድ፡ ነብስኻ ናይ ምርዳእ ዓቕምኻ’ውን ብኡ መጠን እንዳዛየደ ይኸይድ።

ነቲ ኣብ መርበብ ገጽ ዘሎ ሓበሬታ ምስ ኣንበብካ ተወሳኺ ሕቶ ምስ ዝህልወካ፡ ናብ VOORwerk@coa.nl (link stuurt een e-mail) ኢሜይል ክትልእኽ ወይ ድማ ምስ ተጸዋዒ ኣካል ናይ ኮዋ ክትራኸብ ትኽእል።

Test your knowledge

Watch the video's

ዝኽፈለሉ ስራሕ

ከም መንበሪ ፍቓድ ዘለካ መጠን፡ ከም ዝኾነ ሆላንዳዊ፡ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል። ኣብ መዓስከር እንዳነበርካ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ እንተረኺብካ፡ ገለ ክፋል ናይ ኣታዊኻ ንኮዋ ክተረክብ ኣለካ።  ብኸም’ዚ ኣገባብ፡ ነቲ ኣብ መዓስከር ዝግበረልካ ወጻኢታት ትሽፍን።  መጠን ናይ’ቲ ተረክቦ ገንዘብ ንምፍላጥ፡ ንናይ ኮዋ ተጸዋዒ ኣካልካ ክትውከስ ትኽእል። ኣብ ታሕቲ፡ ዝርዝር ናይ’ቶም ብዛዕባ ስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ሓበሬታ ዘስንቑ መርበብ ገጻት ትረክብ፦

ሞያታት ብስእሊ (Beroepen in Beeld) (externe link)

ሞያታት ብስእሊ (Beroepen in Beeld) ብዛዕባ ኩሎም ናይ ተግባር ሞያታት ሓበሬታ ይህብ። ኣብ’ዚ መርበብ ሓበሬታ፡ ፊልምታትን መግለጽታትን ብዛዕባ እቶም ሞያታት ከምኡ’ውን ሓበሬታ ብዛዕባ ዕድላት ዕዮ ትረክብ።   

“ድረስ ፎር ሳክሰስ” (Dress for Success) (externe link)

ስራሕ ንምርካብ ኣብ ተካይዶ ዝርርብ፡ ጽፉፍ ኣከዳድና ምህላው ኣገዳሲ እዩ። በዚ መሰረት፡ ትካልድረስ ፎር ሳክሰስ ነቶም ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ሓገዝ የበርክት። ትካል “ድረስ ፎር ሳክሰስ” ኣብ እተካይዶ ስራሕ ናይ መርከቢ ዝርርብ ብዝግባእ ክትቀርብን ብኡ ኣቢልካ ድማ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድላትካ ከተግፍሕን ይሕግዝ። 

ናይ ስራሕ ዕድል (Kans op werk (externe link)

ኣብ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ ከባቢኻ በየናይ ሞያ ዝያዳ ናይ ስራሕ ዕድላት ክህልወካ ከምዝኽእል ክትደሊ ትኽእል።  

ናይ ትምህርቲ መደብ (Studieperspectief) (externe link)

ኣብ ኔዘርላንድ ብዘለካ ሞያ ብቐሊሉ ስራሕ ክትረክብ ትኽእል እንተኾንካ ክትፈልጥ ትደሊ? ወይ ድማ ኣየናይ ዓውደ-ትምህርቲ ዝያዳ ናይ ስራሕ ዕድላት ከምዝፈጥረልካ ክትፈልጥ ትደሊ? ኣብ ናይ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣከባቢ ነፍሲ ወከፍ ዓውደ-ትምህርቲ ዘለዎ ናይ ስራሕ ዕድላት ክትርኢ ትኽእል።

ረፍዩጂ ስታርት ፎርስ”  (Refugee Start Force) (externe link)

ብናይ ፌስ ቡክ ገጻት ናይረፍይጂ ስታርት ፎርስ (Refugee Start Force) ከምኡውን በቲ ናይ ሊንኪድ ኢን (Linked In) ገጽ ኣቢልካ፡ ብቐሊሉ ምስ ኣብ ኣከባቢኻ ዘለዉ ሰም ሞያን ወለንተኛታትን ክትራኸብ ትኽእል። ብኸም ኣገባብ ዘለካ መርበባት ተስፍሕን ቋንቋ ኔዘርላንድ ድማ ተማዕብልን። ኣብ ብሓባር ዝዳለዉ ንጥፈታት ክትሳተፍ ትኽእልን ብዛዕባ ኣገደስቲ ፖጅክትታትን ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታትን ድማ ሓበሬታ ትረክብ።

ረፍዩጂ ታለንት ህብRefugee Talent Hub (externe link)

“ረፍዩጂ ታለንት ህብ” (Refugee Talent Hub)፡ ናይ መርበብ መድረኽ ኮይኑ፡ ስደተኛታት ምስ ኣስራሕቲ የራኽብ።  ኣብኡ ናይ ስራሕ መድለዪ ደብዳቤኻ ክትጽዕንን ተጠቃሚ ናይ ዝወሃቡ ሓገዝን ስልጠናንን ክትከውን ትኽእል።   

“ኡ ኣ ኤፍ ጃብ ሳፖርት” (UAF JobSupport) (externe link)

ናይ ኔዘርላን ናይ ላዕለዋይ ሞያዊ ትምህርቲ ወይ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎም ኣለካ? ደረጃ ትዛረቦ ቋንቋ ኔዘርላንድ ኸ  (ዳርጋ) ቤ ትቬ (B2) ድዩ? እሞ፡ ስራሕ ኣብ ምንዳይ ሓገዝ ንምርካብ ናብ “ኡ ኣ ኤፍ ጃብ ሳፖርት” (UAF Jobsupport) ክትምዝገብ ትኽእል።

ቨርክ” (Werk) (externe link)

እዚ መርበብ ሓበሬታ፡ ንኹሉ ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ዝደሊ ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ። ብመንገዲ እዚ መርበብ ሓበሬታ ኣቢልካ፡ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ትደሊ፡ ንስራሕ ትምዝገብ ከምኡ’ውን ካብ ትካል “ኡ ቬ ፌ” (UWV) ኣውትኬሪን ትሓትት።

ቨርክዋይሰር ፍሉኽተሊንገን” (Werkwijzer Vluchtelingen) (externe link)

ኣብ’ዚ ናይ መርበብ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ስራሕን ትምህርትን ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሕ ሓበሬታ ትረክብ። ብተወሳኺ፡ ኣብነታት ናይ’ተን ንስደተኛታት ኣብ ዕድላት ዕዮ ዝሕግዛ ትካላትን ፖርጀክትታን ትረክብ።

ንኣብ ኔዘርላንድ ንምስራሕ ዝምልከቱ ሕግታትን ደንብታት (externe link)

ኣብ’ዚ ክፋል ናይ “ቨርክዋይሰር ፍሉኽተሊንገን” (Werkwijzer Vluchtelingen)፡ ጽሟቕ ናይ’ቶም ኣብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ስደተኛታትን ስራሕን ዝምልከቱ ሕግታት ትረክብ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኔዘርላንድ ሓበሬታ ዝህቡ ገጻት’ውን ትረክብ።

ዝኽፈለሉ ናይ ስራሕ ልምዲ

ደሞዝ ዘለዎ ናይ ተሞክሮ ስራሕ፡ ግዝያዊ ስራሕ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ትካልን ስራሕ ኣብ’ቲ ትካላን ግብራዊ ተሞክሮ ትቐስመሉ ኣገባብ እዩ። እቲ ስራሕ ምሳኻ ዝኸይድ ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ ድማ ዕድል ይፈጥረልካ። መርበብ ርክባትካ ተስፍሕ፡ ክእለታትካ ዝያዳ ተማዕብል ከምኡ’ውን ናይ ስራሕ ተሞክሮ ተጥሪ። ናይ ስራሕ ውዕል ይወሃበካን ደሞዝካ ካብ’ቲ ሕጊ ዝውስኖ ንታሕቲ ኣይከውንን። እዚ ደሞዝ ዘለዎ ናይ ተሞክሮ ስራሕ፡ ጽቡቕ ስጉምቲ ናብ ናይ ሓዋሩ ስራሕ ክኸውን ይኽእል።  

ቨርክዋይሰር ፍሉኽተሊንገን” (Werkwijzer Vluchtelingen) (externe link)

ኣብ’ዚ ናይ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብነታት ናይ’ቶ ደሞዝ ዝኽፈሎም ስራሕ፡ ከም እቶም ብኣገልግሎት መንገዲ ባቡር ኔዘርላንድ (Nederlandse Spoorwegen) ዝወሃቡ ዝኣመሰሉ፡ ትዕዘብ።   

ናይ ሰራሕ ፈልጥት ብወገን ናይ ስራሕ ልምድ

ደሞዝ ኣልቦ ናይ ተሞክሮ ስራሕ፡ ንናይ ሓዋሩ ስራሕ ጽቡቕ የቀራርበካ። ብመንገዲ ናይ ተሞክሮ ስራሕ ብዙሕ ትመሃር፡ ተሞክሮ ተጠሪን ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕ ከመይ ይመስል ድማ ትፈልጥ። ኣብ ናይ ተሞክሮ ስራሕ ትገብረሉ ግዜ፡ ንዝተወሰነ ግዜ፡ ምስ ሓደ ትካል ትሰርሕ። ኣብኡ ምምሃር እቲ ኣዝዩ ዘገድስ እዩ። ስለ’ዚ፡ ደሞዝ ኣይትረክብን። ይኹን እምበር፡ ነቶም ትገብሮም ወጻኢታት መሕወዪ ተባሂሉ ግን፡ ኣበል ክወሃበካ ይኽእል እዩ።  

ናይ ተሞክሮ ስራሕ ኣብ ምርካብ ክተሓጋገዛኻ ዝኽእላ ዝተፈላለያ ትካላት ኣለዋ። 

ሊር ቨርክ ሎኬት” (Leerwerkloket) (externe link)

ቤት ጽሕፍተ “ሊር ቨርክ ሎኬት” (Het Leerwerkloket)፡ ብዛዕባ ስራሕን ትምህርትን ዘይሻራዊ ምኽሪ ይልግሰልካ። ብተወሳኺ፡ ናይ ተሞክሮ ስራሕ ቦታ ንምርካብ፡ ውልቃዊ ምኽሪ ንምንዳይን ከምኡ’ውን ናብ ምሳኻ ዝሳነዩ ናይ ተሞክሮ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ኣብ ምርካብ ክተሓጋገዛኻ ዝኽእል ትካላት ንምምሕልላፍ ክትከይድ ትኽእል።

ስታጀ ስትራት” (Stagestraat) (externe link)

ስታጀ ስትራት” (Stagestraat)፡ ኣብ ዝተፈላለየ ምምሕዳራት ዝነብሩ ስደተኛታት፡ ምስኦም ዝሳነ ናይ ተሞክሮ ስራሕ ኣብ ምርካብ ይተሓባበር። ኣብ “ስታጀ ስትራት”፡ ን 6 ኣዋርሕ ዝኣክል፡ 4 መዓልታት ኣብ ሰሙን ኣብ ድኳን፡ መዝናግዒ ማእከል ወይ ትካል ወሃቢ ኣገልግሎት ናይ ተሞክሮ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል።

ብተወሳኺ፡ ንመንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ናይ ስራሕ ዕድላት ኣብ ምርካብ ክሕግዛ ተባሂለን ዝቖማ ግዝያዊ ፕሮጀክትታት’ውን ኣለዋ። ኣብ ገለ እዋናት፡ ናይ ተሞክሮ ስራሕ ንምርካብ፡ ንዕአን ክትውከስ ትኽእል፦

ኪክስ ዎርክስ” (K!X Works) (externe link)

ኪክስ ዎርክስ” (K!X Works)፡ ንመንእሰያት ስደተኛታትን ሓደስትን ትምህርቲ፡ ናይ ተሞክሮ ስራሕ ወይ ድማ ደሞዝ ዘልዎ ስራሕ ኣብ ምርካብ ይተሓባበር።  እቶም መንእሰያት፡ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ክትትል ይግበረሎም፡ ማሕበራውን ናይ ሰራሕተኛታት ክእለትን ዘማዕብል ስልጠና ይረኽቡ፡ መርበብ ርክባቶም የስፍሑን ከምኡ’ውን ምስ ስርዓተ ትምህርትን ዕዮን ሃገረ ኔዘርላንድ ከምዝፋለጡ ይኾኑ። ኪክስ ዎርክስ”፡ ኣብ ትነብረሉ መዓስከር ዝነጥፍ እንተኾይኑ ንምሕታት፡ ንናይ ኮዋ ኣላዪ ጉዳይካ ክትውከስ ትኽእል።   

ፍሉኽተሊንገን ኢንቨስቲረን ኢን ፓርቲሲፒረን” (Vluchtelingen Investeren in Participeren (VIP) (externe link)

“ፍሉኽተሊንገን ኢንቨስቲረን ኢን ፓርቲሲፒረን” (Vluchtelingen Investeren in Participeren)፡ ንስደተኛታት ናብ ስራሕ ዘቀራርብ ፕሮጀክት እዩ። ነዚ፡ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት፡ ምስ ኣስራሕቲ፡ ኣብያተ-ትምህርትን ምምሕዳራትን ብምትሕብባር የካይዶ። ንናይ ኮዋ ኣላዪ ጉዳይካ፡ እዚ ፕሮጀክት ኣብ’ቲ ንስኻ ክትነብረሉ ትኸይድ ምምሕዳር ይነጥፍ ምዃንን ዘይምዃኑን ተወከስ።

መርበብ ርክባትካ ምስፋሕ’ውን፡ ናይ ተሞክሮ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድላትካ የስፍሕ እዩ፥-

ረፍዩጂ ስታርት ፎርስ”  (Refugee Start Force (externe link)

ብመንገዲ ናይ ፌስ ቡክ ገጽ ናይ ረፍዩጂ ስታርት ፎርስ”  (Refugee Start Force) ኣቢልካ፡ ምስ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ ኔዘርላንድ ሞያውያንን ወለንተኛታትን ብቐሊሉ ክትራኸብ ትኽእል። ብኸም’ዚ ኣገባብ፡ መርበብ ርክባትካ ተስፍሕን ቋንቋኻ ተማዕብልን። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ናይ ተሞክሮ ስራሕ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ወይ ድማ ናይ’ቲ ትደልዮ ናይ ተሞክሮ ስራሕ ምልክታ ክትልጥፍ ትኽእል።

ወለንተኛ ፍቓደኛ ስራሕ

ናይ ወለንታ ስራሕ ምግባር፡ ምስ ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕ ንምፍላጥ ጽቡቕ ኣገባብ እዩ። ሆላንዳውያን፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ሓድሕዶም ከመይ ይኸዱ ትዕዘብ። ሓደስቲ ሰባት ትፋለጥ፡ ናይ ስራሕ ተሞክሮ ተጥሪን ቋንቋ ኔዘርላንድ ድማ ትለማመድ። ናይ ወለንታ ስራሕ ምስራሕ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ኣዝዩ ክብሪ ይወሃቦ። ደሞዝ ኣይትረክብን፡ ይኽኑ እምበር ኣብ ከባቢኻ እጃምካ ተበርክት።  ሓሓሊፉ ግን፡ ናይ ትገብሮም ወጻኢታት መሕወዪ ኣበል ክትረክብ ትኽእል። ወለንተኛታት እንተዘይህልዉ ኔሮም፡ ብዙሓት ንጥፈታት ኣይምተኻየዱን ኔሮም!

ከም ወለንተኛ፡ ኣብ ማሕበራውያን ትካላት፡ ከም ናይ ከባቢ ማሕበር፡ ናይ ኩዕሶ ማሕበር፡ ቤት-ክርስትያን ወይ ድማ ማእከል ኣረጋውያን፡ ዝኣመሰሉ ትካላት ክትሰርሕ ትኽእል። ናይ “ፎር ቨርክ” ኣላዪ ጉዳያካ፡ ብዛዕባ ኣብ መዕስከር ዘለዉ ናይ ወለንታ ስራሕ ሓበሬታ ከስንቐካ ይኽእል እዩ። ስልጠና “ፎር ቨርክ” ዘጠናቐቕካ እንተኾንካ ድማ፡ ናይ ወለንታ ስራሕ ብምክያድ፡ ገለ ናይ’ቲ ዘጠረኻዮ ክእለታት ክጥቀመሉን ዝይዳ ክትምዕብልን ትኽእል።  

ስዒቡ፡ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ ወለንታ ስራሕ ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ብመንገዲ እቲ “ኣን ደ ስላኽ” (Aan de slag) (externe link) ዝበሃል መደብ፡ ኣብ መዓስከር እንዳነበርካ፡ ኣብ ምምሕዳር ናይ ወለንታ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል። ንኣላዪ ጉዳይካ፡ መዓስከርካ ኣካል ናይ’ዚ መደብ እንተኾይኑ ኣጣይቕ ወይ ድማ ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ’ዚ መርበብ ገጽ (externe link) ተወከስ።  

ኣብ መርበብ ገጽ “ፍራይቪሊኸር ኤን ቨርክ”  (Vrijwilliger&werk) (externe link)፡ ዝርዝር ናይ’ቶም ክፉታት ናይ ወለንታ ስራሕ ቦታታት ትረክብ። ኣብ መርበብ ገጽ ኢክ ቪል ፍራይቪሊኸርስ ቨርክ ዱን”  (Ik wil vrijwilligerswerk doen (externe link) ድማ፡ ናይ ወለንታ ስራሕ ክትደሊ ትኽእል። ብትካል፡ ምምሕዳር ወይ ዓይነት ስራሕ ክትደሊ ትኽእል።  

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት፡ ንናይ ወለንታ ስራሕ ትምዝገበሉ ማእከል ወለንተኛታት ይርከብ። ኣድራሻ ናይ’ቶም ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ማእከል ወለንተኛታት ንምርካብ፡ ንናይ “ፎር ቨርክ” ኣላዪ ጉዳይካ ተወከስ።

ናይ ርእሱ ንግዲ ንምጀማር

ብዘይካ ናይ ተሞክሮ ስራሕ ምግባር ወይ ናይ ወለንታ ስራሕ ምክያድ፡ ናይ ባዕልኻ ትካል’ውን ክትምስርት ትኽእል። ናይ ባዕልኻ ትካል ምስ ዝህልወካ፡ ባዕልኻ ሓለቓ ኮንካ ናይ ስራሕ ሰዓታትካ ባዕልኻ ትውስን። ናይ ባዕልኻ ትካል ምምስራት ግን ብዙሕ ስራሕ ዝሓትት እዩ። ዝተፈላለዩ ነገራት የድልዩኻ። ከም ውጥን ንግዲ፡ ምቹእ ቦታ፡ መፈለሚ ርእሰ-ማል፡ ጽቡቕ መዋዓውዒ፡ ግቡእ ምሕደራን። ብተወሳኺ መሰላትካን ግቡኣትካን ኣየኖት ምዃኖም ክትፈልጦም ኣለካ። ንኣብነት ኣብ ቀረጽ ዝምልከቱ ጉዳያት። 

ስዒቡ፡ ብዛዕባ ንምምስራት ናይ ባዕልኻ ትካል ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ቤት ምኽሪ ንግዲ Kamer van Koophandel (externe link)

ኣብ ቤት ምኽሪ ንግዲ (Kamer van Koophandel)፡ ብዛዕባ ናይ ባዕልኻ ትካል ምምስራት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።  

ኦንደርኔመርስ ክላንክ ቦርድ” ( Ondernemersklankbord (externe link)

ናይ ባዕልኻ ትካል ንምጅማር ሓገዝን ምኽርን ንምርካብ፡ ናብ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ኣማኻሪ ናይ ትካል “ኦንደርኔመርስ ክላንክ ቦርድ” (Ondernemersklankbord) ክትከይድ ትኽእል።  

Ondernemersplein.nl (externe link)

ናይ ባዕልኻ ትካል ክትጅምር እንተደሊኻ፡ ኣብ’ዚ መርበብ ገጽ፡ ብዛዕባ ሕግታት፡ ቀረጽን ምወላን ዝምልከቱ ጉዳያት ዝያዳ ሓበሬታ ትረክብ።

ብትካል “ ኡ ኣ ኤፍ” (UAF) ንናይ ባዕሎም ትካል ዘለዎም ዝወሃብ ስልጠና (externe link)

ትካል “ኡ ኣ ኤፍ”፡ ንልዑል ደረጃ ትምርቲ ዘለዎም ስደተኛታት፡ ኣብ ትምህርቶምን ምስኦም ዝሳነ ስራሕ ኣብ ምርካብን ይተሓባበር። ንናይ “ኡ ኣ ኤፍ” ተማሃሮ (ወይ ድማ ቀደም ናይ ኡ ኣ ኤፍ ተምሃሪ ዝነበሩ)፡ ወነንቲ ትካል ክኾኑ ዝደልዩ እንተኾይኖም፡ ትካል “ኡ ኣ ኤፍ”  ናይ ሓደ ዓመት ፍሉይ ስልጠና ይህብ።

ክረዲትስ” (Qredit) (externe link)

ንትካልካ፡ ናይ ርእሰ-ማል ልቓሕ ንምሕታት፡ ናብ “ክረዲትስ” (Qredits) ክትከይድ ትኽእል። ብተወሳኺ፡ ንዝያዳ ሓበሬታን ምኽርን’ውን፡ ናብኦም ክትከይድ ይከኣል እዩ።  

ኮርድያድ” (Cordaid) (externe link)

ትካል “ኮርዲያድ” (Cordaid)፡ ሓባራዊ ትካል ኣብ ምምስራት ስልጠናን ምኽርን ይልግስ።  እዚኦም ዓይነት ትካላት፡ ብብዙሓት ሰባት ዝቖሙ እዮም። ትካል “ኮርድያድ”፡ ጽቡቕ ንድፊ ኣብ ምንዳፍን ውጥን ንግዲ ኣብ ምጽሓፍን ይሕግዝ።  እቲ ትካል ብተወሳኺ፡ መርበብ ርክባት ብምስፋሕን ናይ ፈለማ ርእሰ-ማል ብምብርካትን ከተሓባበር ይኽእል።

ቤት ጽሕፍተ ዕዮ

ቤት ጽሕፍተ ዕዮ፡ መንጎኛ ናይ ደለይቲ ስራሕን ኣስራሕትን ኮይኑ ዝነጥፍ ትካል እዩ። ብመንግዲ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ንምርካብ፡ ፈለማ ክትምዝገብ ይግባእ።  ብመንግዲ ቤት ጽሕፍተ ዕዮ ዝርከብ ስራሕ፡ መብዝሕትኡ ግዜ ግዝያዊ እዩ። ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ምስ ትረክብ፡ ዘለካ ናይ ስራሕ ውዕል ምስ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ደኣምበር ምስ’ቲ ዘስርሓካ ትካል ኣይኮነን። በዚ መሰረት ድማ፡ ደሞዝካ እቲ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይኸፍለካ። ቤት ጽሕፈት ዕዮ ስለ’ዚ፡ ኣብ ሞንጎኛ ናትካን ናይ’ቲ ዘስርሓካ ትካልን ምዃኑ እዩ።  

ማን ፓወር” (Manpower) (externe link)

ማን ፓወር” (Manpower)፡ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኮይኑ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ንምርካብ ዝሕግዝ ትካል እዩ።  ኣብ “ማን ፓውር” ክትምዝገብን፡ ንስራሕ ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብን ድማ ትኽእል። ኣብ መርበብ ገጽ ናይ ትካል “ማን ፓወር”፡ ሰፊሕ መድልዪ መርበብ ናይ ክፉት ስራሕ ቦታታት፡ ናይ ትምህርቲ ዕድላትን ናይ ሞያ ምኽርን ትረክብ። 

ኦቶ ዎርክ ፎርስ” (OTTO Work Force) (externe link)

ኦቶ ዎርክ ፎርስ” (OTTO Work Force)፡ ኣብ ኤውሮጳ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝዓበየ ዓለም-ለኻዊ ናይ ስራሕ መንጎኛ ኮይኑ፡ ስድተኛታትን ትካላትን የራኽብ። ኦቶ ዎርክ ፎርስ” ንስደተኛታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓውድታት ጀርዲን፡ ሎጂስቲክን ጽሬትን ስራሕ የናዲ።

ራንድ ስታድ” (Randstad) (externe link)

ራንድስታድ” ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ዓብን ፍሉጥን ቤት ጽሕፍተ ዕዮ እዩ። ሰራሕተኛታት “ራንድስታድ”፡ ምኽሪ ይህቡን ስደተኛታትን ሰባት ዝደልያ ትካላትን ድማ የራኽብ።  ብተወሳኺ፡ “ራንድስታድ” ናይ ስራሕ ኣደላልያን ናይ ሞያን ምኽሪ ይልግስን ዝተፈላለዩ ብመርበብ ዝግበሩ ንባህርያትን ንቓሕትን ሰባት ዝግምግሙ ፈተናታት የዳሉ። ኣብ መርበብ ገጽ ናይ’ቲ ትካል ድማ፡ ዝተፈላለዩ ክፉታት ናይ ስራሕ ቦታታት ብዓውዲ ወይ ደረጃ ትምህርቲ ክትደሊ ትኽእል።